Gary Yemane Source: Gary Yemane"ኣብ መንእሰያት ዝርኤ ባእሲን ዕግርግርን ደው ክብል ዝዓየየ ሰብ፡ ኣብ ሰሜን ኤድሚንተን ካናዳ ብጥይት ተቐቲሉ።" እዚ ብናይ ካናዳ ጋዜጣ (CBC) ኣርእስቲ ተዋሂብዎ ብዛዕባ ኣቶ ገረዝጊሄር የማነ ዝተጻሕፈ ዓንቀጽ'ዩ። ወዲ 63 ዓመት ኤርትራዊ ካናዳዊ ገረዝግሄር የማነ ን ል ዕሊ 30 ዓመታት ከም ነርስ ኮይኑ እናሰርሐ ኣብ ካናዳ ዝነብር ዝነበረ'ዩ። ብ ዓርቢ ኣብ ጥቓ ገዝኡ ብዙሕ ጠያዪቲ ተተኩሱሉ ተቐቲሉ። ብዛዕባዚ ኩነታት ንምፍላጥ ናብ ገዛኡ ናብ ካናዳ ደዊልና፡ በዓልቲ ቤቱ ኣብ ሓዘን ብምህላዋ ክትዛረብ ኣይከኣለትን፡ ወዲ ሓትኖኡ ዝኾነ መምህር ኣለምሰገድ ኣስገዶም ብዛዕባ ገረዝጊሄርን ኩነታት ኣማዉታኡን ገሊጹልና ኣሎ እንሆ።
"ኣብ መንእሰያት ዝርኤ ባእሲን ዕግርግርን ደው ክብል ዝዓየየ ሰብ፡ ኣብ ሰሜን ኤድሚንተን ካናዳ ብጥይት ተቐቲሉ።" እዚ ብናይ ካናዳ ጋዜጣ (CBC) ኣርእስቲ ተዋሂብዎ ብዛዕባ ኣቶ ገረዝጊሄር የማነ ዝተጻሕፈ ዓንቀጽ'ዩ። ወዲ 63 ዓመት ኤርትራዊ ካናዳዊ ገረዝግሄር የማነ ን ል ዕሊ 30 ዓመታት ከም ነርስ ኮይኑ እናሰርሐ ኣብ ካናዳ ዝነብር ዝነበረ'ዩ። ብ ዓርቢ ኣብ ጥቓ ገዝኡ ብዙሕ ጠያዪቲ ተተኩሱሉ ተቐቲሉ። ብዛዕባዚ ኩነታት ንምፍላጥ ናብ ገዛኡ ናብ ካናዳ ደዊልና፡ በዓልቲ ቤቱ ኣብ ሓዘን ብምህላዋ ክትዛረብ ኣይከኣለትን፡ ወዲ ሓትኖኡ ዝኾነ መምህር ኣለምሰገድ ኣስገዶም ብዛዕባ ገረዝጊሄርን ኩነታት ኣማዉታኡን ገሊጹልና ኣሎ እንሆ።