SKIP TO MAIN CONTENT

ንኣውስትራልያ ከ ከም ናይ ኤውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን ብርቱዕ ኩነታት ኣየር ከጋጥማ ድዩ፧

People on a beach on a hazy day.
Converging climate drivers may lead to a hotter and drier spring for parts of Australia. Source: Getty / Brook Mitchell

ክፋላት ሰሜናዊ ንፍቀ ክቢ ዓለምና ክብረወሰናት ብዝሓማሸሹ ሙቐታት ተሾሊቖም ኣብ ዝሃለውሉ፡ ኣውስትራልያ ድሕሪ'ዚ ዝሑል ወቕቲ ክረምቲ (ዊንተር) እንታይ ዓይነት ኩነታት ኣየር ክህሉ ትጽቢት ትገብር፧


Published

By Camille Bianchi, Josie Harvey

Presented by SBS Tigrinya

Source: SBS / SBS Tigrinya


Skip to podcast episode content

ክፋላት ሰሜናዊ ንፍቀ ክቢ ዓለምና ክብረወሰናት ብዝሓማሸሹ ሙቐታት ተሾሊቖም ኣብ ዝሃለውሉ፡ ኣውስትራልያ ድሕሪ'ዚ ዝሑል ወቕቲ ክረምቲ (ዊንተር) እንታይ ዓይነት ኩነታት ኣየር ክህሉ ትጽቢት ትገብር፧


ሰለስተ ሓይልታት ክሊማ ቀቅድሚ ወቕቲ ጽድያ መስርዖም ሒዞም ኣለዉ፡ ተኽእሎታትን ዕድላትን ዝሞቐን ዝደረቐን ኩነታት ኣየር ኣብ መላእ ክፋላት ኣውስትራልያ ክህልዉ ድማ ወሲኾሞ ኣለዉ።

ዓለምና ከም ተኽእሎ ክብረወሰን ዝሰብር ኤልኒኞ ይጽበያ'ሎ፡ ቤት ጽሕፈት ኩነታት ኣየር (ቢሮ ኦፍ ሜቲዮሮሎጂ) እዚ ኩነታት ናብ ሓደ ክሳብ ዝመጽእ ዓመት ቀጺሉ ክጸንሕ ዝኽእል "ኣዝዩ ብርቱዕ ክስተት" ምጽንሑ ክቕጽል ትንበያታት ሂቡ'ሎ።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ካልእ ምስ ምዉቓትን ደረቓትን ኩነታት ዝተኣሳሰር ደፋኢ ክሊማ ኣውስትራልያ - ፖዚቲቭ ኢንዲያን ኦሺይን ዳይፖል (ኣይኦዲ)- ክሳብ ጽድያ ኣብ ዘሎ ግዜ ክምዕብል'ዩ።

"ስለ'ዚ፡ ንኣውስትራልያ ኣብ ዝመጹ ወቕትታት ጽድያን ሓጋይን፡ ድርብ መጽፋዕቲ (ዳብል ዋሚ) ለውጢ ክሊማን ኤልኒኞን ንኩነታት ኣየርና ክደፍእዎ ወይ ክዝውርዎ'ዮም። ከም ልክዕ፡ ሰለስተ መጽፋዕቲ ክህልወና'ውን ይኽእል'ዩ፡" ክብል ኣንድሪው ዎትኪንስ፡ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ኣብ ሞናሽ ዩኒቨርሲቲን ተመራማሪ ኣብ ቤት ምኽሪ ክሊማ (ክላይመይት ካውንሲል)፡ ንኤስቢኤስ ኒውስ ሓቢሩ።

ንሱ ኣይኦዲ "ብልክዕ ኤልኒኞ'ዩ፡ ግን ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዘጋጥም'ዩ" ክብል ወሲኹ።

"ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ እዚ ተርእዮ ብልክዕ ክሳብ ሓጋይ ኣብ ዘሎ ግዜ ክኽሰት'ዩ፡ ወቕቲ ሞንሱን ኤስያ ክመጽእ እንከሎን ዓሊዩ ምስ ኣለዮን። እንተኾነ ግን ለውጢ ክሊማ፡ ኤልኒኞን ፖዚቲቭ ኢንዲያን ኦሺይን ዳይፖልን እንተሃልዮምና፡ ኩሎም'ዚኦም ሰለስተ ነገራት ኩሎም ንደቡብ-ምብራቕ ኣውስትራልያ ናብ ዝሞቐን ዝደረቐን ዝደፍእዎ'ዮም፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ወቕቲ ጽድያ፡" ክብል ኣብሪሁ።

ኣውስትራልያ ድግማ ኩነታት ኣየር ኤውሮጳ ክትርኢ ወይ ከጋጥማ ድዩ?

ኤልኒኞ ንኣውስትራልያ ግድን ዝሞቐን ዝደረቐን ኩነታት ክህሉ ማለት እንተዘይኮነ'ኳ፡ ነቲ ተኽእሎ ግን ክብ የብሎ።

ክፋላት ኤውሮጳን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ለብለብቲ ማዕበላት ሙቐትን ባርዓትን ኣብ ዘለዎ ሓጋይ ኣብ ዝሽሎቓሉ ዘለዋ እዋን፡ ክኢላ ክሊማ ወይ ክላይማቶሎጂስት ኣብ ቤት ጽሕፈት ኩነታት ኣየር (ቢሮ ኦፍ ሜቲዮሮሎጂ) ዢ-ወንግ ቹዋ ኣብ ቀረባ እዋን ዝበዝሐ ክፋል ኣውስትራልያ'ውን ክልብለብ ተኽእሎ'ለዎ ይብል።

ንሱ ዝበዝሐ ደቡብ-ምብራቕን ደቡብ-ምዕራብን'ዛ ሃገር ሓደ ካብ'ቶም ኣብ መዛግብቲ ክብረወሰን ዝወዓዩ ወቕቲታት ጽድያ ከጋጥሞም'ዩ ይብል።

"ምዕራባውያን ክፋላይ ግዝኣት ወስተርን ኣውስትራልያ፡ ክሳብ ደቡባዊ ግዝኣት ኲንስላንድን ክፋላት ደቡብ ኣውስትራልያን ዘባጽሕ፡ መጠን ሙቐት ንወቕቲ ጽድያ ኣብ ዝለዓሉ 20% ናይ'ቶም ታሪኻውያን ክብረወሰናት ክኸውን ድልዱል መመልከቲ ኣሎ፡" ክብል ንኤስቢኤስ ኒውስ ሓቢሩ።

እንተኾነ ግን እቶም ኣብ ጽድያን ሓጋይን ኣውስትራልያ ንጽበዮም መጠናት ሙቐት ዝፍጠሩ ዘለዉ ካብ'ቶም ንመጠናት ሙቐት ኣብ ኤውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን ንሰማይ ገጾም ዝደፍእዎም ዘለዉ ረቛሒታት ዝተፈለዩ'ዮም።

እቶም ኣህጉራት ኣብ'ዞም ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ጽልዋታት ለውጢ ክሊማ ኣጋጢምዎም'ዩ፡ ክብረወሰን ዝኾኑ ልዑላት መጠናት ሙቐት ናብ ልዑል ሓደጋ ባርዕ ብምምራሕ።

ኤልኒኞ ብሙቐት ገበር ባሕሪ ሰላማዊ ውቅያኖስ ዝዕቀን ወይ ዝልካዕ ክስተት'ዩ - ኣብ ልዕሊ ኤስያ ፓሲፊክ ብርቱዕ ጽልዋ ኣለዎ፡ ግን ኣዝዩ ዝተሓተ ጽልዋ ኣብ ኤውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን ኣለዎ።

ንፈለማ ግዜ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ሙቐታት ገበር ባሕሪ ኣብ ማእከላይ ፓሲፊክ ሕጂ 2 ዲ ሰንቲግረይድ ልዕሊ'ቲ ማእከላይ መጠን'ዮም፡ እዚ ድማ ምስ ሓደ ኣዝዩ ብርቱዕ ኤልኒኞ ዝተሓሓዝ መጠን'ዩ።

ትንበያ ባርዓት ጣሻ ኣውስትራልያ እንታይ ይመስል፧

ግሬግ ማሊንስ ናይ ቀደም ኮሚሽነር ባርዕን ስርሒት ምድሓንን ግዝኣት ኒውሳውዝዌልስ'ዩ።

ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ንሱ፡ ከም ኣባል ቤት ምኽሪ ክሊማ፡ ኣብ ድልውነት ለውጢ ክሊማን ገምጋም ተኽእሎታት ሓደጋን ስጉምታት ክውሰዱ ንምድፋእ ተሞክሮኡ ተጠቒሙ።

ንሱ ናይ'ዚ ዓመት ዝደራረቡ ደፋእቲ ክሊማ ኣዝዮም ዘሻቕሉ'ዮም ክብል ኣብ ቀረባ ግዜ ንኤስቢኤስ ኒውስ ድሕሪ ምሕባር፡ ቅድሚ ምዝርጋሕ'ቲ፡ ንምድላዋት ኣብ ምምራሕ ዝሕግዝ፡ ወቕታዊ ትንበያ ባርዕጣሻ ንጽድያ፡ ትካላት ህጹጽ ሓገዝ ምስ ቤት ጽሕፈት ኩነታት ኣየር ይሰርሓ ምንባረን ኣስሚርሉ።

ንሱ ምትሕውዋስ ሓደ ኤልኒኞ ምስ ፖዚቲቭ ኢንዲያን ኦሺይን ዳይፖል ነቶም ተኽእሎታት ሓደጋ ባርዓት ጣሻ ክልዕሉ ዝገብርዎም "ፍላሽ ድራውትስ/ቅልጡፋትን ጽዑቓትን ደርቅታት" ይደፍእዎም።

"ክልቲኦም ብሓባር ንቅልጡፍ ደርቂ ድፍኢት ክፈጥሩ ይኽእሉ፡ ፍላሽ ድራውት ኢልና ንጽውዖ፡ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ሃንደበት ኣብ ውሽጢ ዝኸፍአ ከበባ ባርዕ ትህሉ ማለት'ዩ፡" ክብል ገሊጹ።

"ብዙሕ ዓሚቕ ዝኾነ ሻቕሎት ኣብ ኩሎም ትካላት መጥፋእቲ ባርዕ ብሃገር ደረጃ ምህላዉ ይፈልጥ'የ፡" ክብል ድማ ወሲኹ።

እንተኾነ ግን ክኢላታት ኩነታት ኣየር (ሜትዮሮሎጂስትስ) ኣብ ቤት ጽሕፈት ኩነታት ኣየር (ቢኦኤም) ኣብ ብዙሓት ቦታታት ስግኣታት ባርዕ ጣሻ ሓጋይ ከጉድሉ ዝኽእሉ ዝናብ ክመጽእ ምዃኑ ዝሕብሩ ምልክታት ኣለዉ ኢሎም።

"እቲ ካብ ማእከላይ መጠን ዝደረቐ ንዕዘቦ ዘለና ተርእዮ ኣብ ወርሒ መስከረም ንዝበዝሐ ክፋል ናይ’ዛ ሃገር ክዝርጋህ ንርእዮ፣ ልዕሊ ማእከላይ መጠን ዝናብ ዝበዝሓሉ ኩነታት ወይ’ውን ንጹር ምልክት ወይ ኣንፈት ዘይብሉ ኣብ ብዙሕ ክፋል ናይ’ዛ ሃገር ክንርኢ ንጅምር።” ብምባል ቹዋ ኣብሪሁ።

ግዝኣታት ቪክቶርያን ታዝመንያን ግን ብተዛማዲ ደረቓት ኮይነን ክጸንሓ ትጽቢት ኣሎ ክብል ወሲኹ።


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now