ንሎሚ 06 ነሓሰ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።
ኣብ ኣወስትራልያ ኣብ ዝርከባ ዓበይቲ ከተማታት ዋጋ መንበሪ ኣባይቲ ይቕንስ ኣሎ፣ እዚ ኣብዚ እዋን ተኸሲቱ ዘሎ ምጉዳል ዋጋ ኣባይቲ ብምንታይ ምኽንያት’ዩ፧ ገለ ዓደግቲ ገዛ ተወሳኺ ምጉዳል እንተመጸ ብምሕሳብ እቲ ናይ ምዕዳግ ገዛ መደቦም ዘደንጉዩ ኣለዉ፡ ኣብዚ እንታይ ምኽሪ እዩ ዘሎ ንዝብሉን ካልእ ምስ ዕዳጋ ገዛ ዝተሓሓዙ ሕቶታት ክምልስ ል ኡኽና ሃይሉ ሳህለ ንበዓል ሞያ ፋይናንስ ህስቂያስ መንግስቴ ሓቲቱ ዘዋደዶ መደብ ኣለና።
ኣብ ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ፖሊስ ደው እንተቢሉኒ መሰለይ እንታይ እዩ? ንዝብል ሕቶ ክምልስ እዩ።
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ካብ ዝሓዞም ኣርእስታት፡
ምምሕዳር ትግራይ “ምስ ተፃረርቲ ሓይልታት” ዝወገኑ መናእሰይን ናብ ሰላማዊ ናብራ ክምለሱ ዘኽእል ሓዱሽ መምርሒ ኣውፂኡ።
ኣመሪካ ምስ ኤርትራ 'ምስጢራዊ ስምምዕ' ከም ዘይገበረት ንካልኣይ ግዜ ኣረጋጊጻ።
ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ክልተ ፖለቲከኛታትን ሓደ ጠበቓ ሕግን ምስ ህወሓት፣ ፅምዶን ሽበራን ዝተኣሳሰረ ክሲ ከም ዝመስረተ ተገሊጹ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ሓድሽ ግጭት ንካልእ ዙርያ "ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘቃልዕ" ከምዝዀነ ኣጠንቂቑ።
ግብጺ ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ሓድሽ ግድብ ክትሃንጽ ከምዘይትፈቅድ ኣፍሊጣ።
ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ መበል 49 ስሩዕ ዋዕላ ፈጻሚ ቤት-ምኽሪ ሚኒስተራት ሕብረት ኣፍሪቃ ተሳቲፉ።
ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም።
ኣርእስታት ዜና፥
ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ፡ብኣማእታት ዝቝጸራ መራኽብ ተኸርዲነን ኣብዘለዋሉ፡ ኣብ መንጎ ኢራንን ዖማንን ዝግበር ዘሎ ዘተ ብዘገምታ ንቕድሚት ይስጕም ኣሎ ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣየር ኢንዲያ ኰይኑ ።
ልዕሊ ሲሶ ካብ ህዝቢ ኣፍጋኒስታን ከቢድ ናይ መግቢ ጸገም የጋጥሞ ከም ዘሎ ናይ ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም መግቢ ዓለም [WFP] ገሊጹ ።






