ኣውስትራሊያ ዝሰፍሐን ብዙሕነት ዘለዎን ክትፍለጥ ዘለዋ ሃገር እያ ፡ እንተኾነ ኣብ ገጠርን ርሑቕ ከባቢታት ምዝዋር ከምቲ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዘይተጓነፈካ ኩነታት ከጠቓልል ይኽእል ። እንታይ ከም እትጽበን ብኸመይ ከም እትዳሎን ምፍላጥ ፡ ብደሓን ብምትእምማን ንኽትጐዓዝ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ ።
ንነዊሕ ናይ መገዲ ጉዕዞ ዘድሊ ምድላዋት
ናብ ገጠራትን ርሑቕ ከባቢታት ኣውስትራሊያ ክትጉዓዝ መዲብካ እንተኾይንካ ምድላው ኣገዳሲ እዩ ።
ቅድሚ ምብጋስካ ፡ ህሉው ኩነታት መንገድን ኩነታት ኣየርን መርምር ፡ መኪናኻ ስርቪስ ጌራ ምዃናን ንጉዕዞ ድልውቲ ምዃና ድማ ኣረጋግጽ ። ብዛዓ'ዚ ሮይስ ሄሮን ፡ ካብ ሮያል ኣቶሞቢል ናይ ወስት ኣውስትራሊያ የብርህ።
"ቅድሚ ጕዕዞኻ ፡ ናይ ማኪናኻ ጎማ ፡ መብራህትን ፍሬኖን ደሓን ምህላዉ ኣረጋግጽ።፡ ብግቡእ እትከናኸና ማኪና ክትጥቀም፡ ንናይ መገዲ ጉዕዞ ኣገዳሲ እዩ ።
"ቅድሚ ሕጂ ነቲ ጕዕዞ ጌርካ እኳ እንተ ነበርካ ፡ ካብቲ ዝኸድካሉ ንነጆ ኣብዘሎ ፡ መገድታት ተቐዪሩ ክኸውን ይኽእል እዩ ፣ ውጥረት ዝመልኦ ጕዕዞ ድሕሪ ምዝዋር ፡ ካብ ቤትካ ነዊሕ መገዲ ርሒቕካ ነቲ ጕዕዞ ኽትጅምሮ እቲ ዝበለጸ መገዲ ኣይኰነን" ።

ነቲ ጕዕዞ ዘድሊ ነገራትን ንድሕንነት ዘድሊ መሳርሒታትን ውሰድ ፣ ብምባል ካይል ፔተርሰን ካብ ክፍሊ መጓዓዝያን ቀንዲ ጐደናታትን ኲንስላንድ ትመክር።
"እኹል መግቢ ፡ ማይ ፡ ቀዳማይ ረዲኤት ፡ ነዳዲ ፡ ናይ መቀያየሪ መሳርሒ ፡ ከምኡ" ውን ብካትራመ ዘይተለበጠ መገዲ ትጐዓዝ እንተ ኾይንካ ፡ ብውሑዱ ክልተ መቀያየሪ ጎማ ከም ዝህልወካ ኣረጋግጽ "ትብል ።
"እቲ ኣብ ገጠር ዘሎ ናይ ኣውስትራልያ ርሕቀት ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ ፡ እቲ ናይ ቴሌፎን መርበብ ድማ ከምቲ ዝግባእ ኣይማዕበለን ዘሎ ፡ ሳተላይት ቴሌፎን ወይ ናይ ህጹጽ መራኸቢ ሬድዮ ክትሕዝ እንተኽኢልካ ግን ጽቡቕ እዩ ፡ ብኸመይ ብግቡእ ከም እትጥቀመሉ እውን ኣረጋግጽ ።"
ቅድሚ ምኻድካ ፡ ናበይ ትኸይድ ከም ዘለኻ ፡ እቲ ክትወስዶ ዝመደብካ መገድን መዓስ ክትበጽሕ ከም እትኽእልን ንትፈልጦም ሰባት ንገር ።
ስድራቤትካን ኣዝማድካን እንታይ ትገብር ከምዘለኻን ናበይ ትኸይድ ከምዘለኻን ሎሚ ካብ ክሳብ ናብ ትጉዓዝ ከምዘለኻን ዝወስደልካ ንውሓት ግዜን ኣፍልጦም ።Kylee Petersen
“ከምኡ "ውን ርሑቕ ኣሰራት (remote tracks) ትጥቀም እንተኾይንካ ንከባቢያዊ ሰበስልጣን ምሕባር ፤ ስለዚ እቲ ዝኸፈአ ኩነታት ከጋጥም'ከሎ ብውሑዱ ሰባት ኣበይ ክደልዩኻ ከምዝጅምሩ ምፍላጥ ።.”
ኣብ ገጠራት ወይ ኣብ ርሑቕ ጽርግያታት ከመይ ገይረ ብዘይ ጸገም ክዝውር እኽእል?
ናይ ኣውስትራሊያ ገጠርን ርሑቕን መንገድታት ኣብ ኩነታቱ ክፈላለይ ይኽእል ፤ እዚ "ውን ኣብ ሞንጎ ከተማታት ፤ ናይ ነዳዲ መዕረፍን ካልኦት ኣገልግሎታት ነዊሕ ርሕቀት ይኸውን ። እንስሳ ዘገዳምን ኰለል ዝብላ ማልን ዝተፈላለዩ ኵነታት ኣየርን እውን የጋጥመካ ይኸውን ።
ብማይ ዝሓልፎ ወሕዚ ፈጺምካ ኣይትዘውር ፡ ወይ ብሰንኪ ምዕልቕላቕ ማይ ናብ እተዓጽወ መገዲ ኣይትእቶ ።
ድሕነት መገዲ ኣብ ዝርዝር ዘድልዩኻ ነገራት ብቐዳምነት ስርዓዮ ። ቀስ በል ፣ ስሩዕ እረፍቲ ውሰድ ፣ ዝከኣል እንተኾይኑ ምዝዋር ምስ ካልእ እናተበራረኻ ይኹን ፣ ስለዚ ብምዝዋር ብዙሕ ኣይትደክምን ፣ ለይቲ ማኪና ካብ ምዝዋር ክትቁጠብ ፈትን ።Rhys Heron
ድኻም ብፍላይ ነዊሕ ጕዕዞ ኣብ ሓደጋ ምጕዓዝ ልዑል ተራ ኣለዎ ። ብመንግስቲ ዝውሃብ ምኽሪ ድሕንነት መንገዲ፡ ዘወርቲ እንተወሓደ ኣብ ኸክልተ ሰዓት ዕረፍቲ ምውሳድ ከምዘድሊ ይሕብር ።
"ህጹጽ ኵነታት ኸጋጥመካ ከሎ ፡ ደው ክትብል እንተ ኣድልዩካ ፡ ዝሰፍሐ ቦታ ዘለዎ ወይ ኣብ መዕረፊ ቦታ ክትመርጽ ፈትን ። ግን እዚኣቶም ኵሉ ግዜ ኣማራጺ ኣይኰኑን ፣ ስለዚ ፡ እንተ ዘይኰነ ፡ ኣብ ትኽ ዝበለን ካብ ርሑቕ ኣብዝረአን መገዲ መሪጽካ መኪናኻ ደው ኣብል ፡ ነቲ ናይ ሓደጋ ወይ ሃዛርድ መብራህቲ ክትውልዕ ትኽእል ኢኻ "።
ኣብ ግዜ ቀትሪ ትሑት መብራህቲ ወይ low-beam ርእሲ ምጥቃም: መኪናኻኻ ብኻልኦት ተጠቀምቲ መገዲ ብዝያዳ ከም እትርአ ክገብራ ይኽእል እዩ ። ምሸት ምሸት ፡ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ፡ ናይ ነዊሕ መብራህቲ ወይ high beams ክትጥቀም ትኽእል እንተኾነ ናብ ካልእ ማኪና ክትቀርብ ከለኻ ፡ ነቲ ናይ ነዊሕ መብራህቲ ወይ high beams ኣጥፍኣዮ ።
ሕጋዊ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ጥራይ ከምኡ'ውን፡ ብደሓን ክትገብሮ ከምትኽእል እኹል ርሕቀትን ካብ ኣንጻር መገዲ ብርሑቕ ክትር ኢ ከምትኽእል ኣረጋጊጽካ ንኻልእ መኪና ክትሓልፍ ኣለካ።
መገዲ ዓበይቲ መኻይን ምስተሰሓቢአን እውን የጓንፈካ ይኸውን እዩ ።
ቤን ሳዘርላንድ ናይ ምዕራባዊ ኣውስትራልያ ናይ እንስሳን ትራንስፖርት ገጠርን ማሕበር ፕረዚደንት እዩ: ንዓበይቲ መኻይን ምሕላፍ ጥንቃቐን ክእለትን ከም ዝሓትት ድማ ገለጸ ።
"ኣብ ድሕሪ እታ ማኪና ፡ ሚዛናውን ውሑስን ርሕቀትን ሓሊኻ ተጓዓዝ ። ቀዲምካያ ክትሓልፍ ከለኻ ፡ ደሓን ከም ዝዀንካ ኣረጋግጽ ፡ ሓደ ኪሎ ሜተር ዝኸውን ርሕቀት እኳ ሒዝካ ፡ ምናልባት ክልተ ኪሎሜተር ርሒቕካ ንቕድሚት ክትጥምት የድልየኻ ይኸውን "ይብል ።
"ኸምቲ ንሕና ንገብሮ፡ ዓባይ መኪና ቀዲማትና ክትሓልፍ እንተ ደልያ ፡ - ነታ ዓባይ ማኪና ቀስ ምባልን ናብ ጸግዒ ብምጽጋዕን ክይሓልፍ ግበሩ ።"
"ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መኻይን ክሳዕ 100 ኪሎሜተር ኣብ ሰዓት ጥራይ እየን ዝዝውራ: ስለዚ ነተን ዓበይቲ ናይ መገዲ ባቡራት ንምቕዳም ዝወስዶ ግዜ ኣዝዩ ዓቢ እዩ: ክሳዕ 30 ካልኢት ዝበጽሕ እዩ: ማኪና ክትዝውር ከለኻ ድማ 30 ካልኢት ኣብ ግጉይ ሸነኽ ናይቲ መገዲ ምሕላፍ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ ። ስለዚ ፡ እቲ ዝበለጸ ክትገብሮ እትኽእል ነገር ፡ ሓደጋ ኣብ ክንዲ ዘጋጥመካ ፡ ክሳብ መሕለፊ ትረክብ ምጽባይ እዩ "በለ ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምገዲን ኩነታት ኣየርን ብኸመይ ክረክብ እኽእል?
ኣብ ጉዕዞኻ ኩነታት መንገዲ ክቕየር ይኽእል እዩ ፡ ስለዚ ፡ ብዛዕባ ምዕጻው መንገድን ኩነታት ኣየርን ዘጠንቅቕ ኵነታት ኣየር ተወከስ ፡ ሚስ ፒተርሰን ኣብ ኦንላይን ብዘሎ ሓበሬታ ጥራይ ኣይትውከል ትብል።
"ናይ ወረቐት ካርታ ወይ ኦፍላይን ናቪገሽን ከም መሐለውታ ምሓዝ ኣገዳሲ እዩ ። ምኽንያቱ ኣፕሊኬሽናት ፡ ነቲ እዋናዊ ኵነታት መገዲ ወትሩ ዘንጸባርቕ ስለዘይኰነ ፡... ዝያዳ ገጠርን ርሑቕ ገጠርን እናረኸብካ ምስ ከድካ ፡ እቲ ኣፕሊኬሽናት ብተሌፎን ብዙሕ ስለ ዘይሽፈን ፡ ኵሉ ሳዕ ከምቲ ዝግብኦ ቀልጢፉ ኣይሕደስን እዩ ።"
ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ንኽትፈልጥ እውን ምንጭታት እቲ ከባቢ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም ።
ወቕቲ ባርዕ ዱር እንተኾይኑ ፣ ነቲ ናይ ሓዊ ሓደጋ ምጽራይ ዘክር ። ብዛዕባ ካልእ ሃንደበታዊ ኩነታት ከየጋጥም ኣብ ናይ ከባቢ ሬድዮ ምክትታል ኣገዳሲ እዩ ።Rhys Heron
ወግዓዊ ዝኾነ ናይ መንገዲ ሓበሬታ ካብቲ ትሓልፎ ዘለኻ መምሕድዳር ግዝኣት ወይ ተሪቶርይ ምጽራይ ኣገዳሲ እዩ ።
ከምኡ "ውን ናይ ቢሮ ሜቲዮሮሎጂ ትንበያታትን መጠንቀቕታን ከምኡ" ውን ወግዓዊ ናይ ህጹጽ ጸገም ሓበሬታ ንትሓልፎ ከባቢታት ከተረጋግጽ ትኽእል ።

ከመይ ገይረ እየ ብዛዕባ መገድን ዜዕርፈሉ ቦታታትን ብደሓን ኽሕብር ዝኽእል ?
ንኻልኦት ምሕላይ ፡ ናብቲ ኣብ መገዲ ደው እትብለሉ ቦታታት እውን የጠቓልል እዩ ።
"ኣብ ጕዕዞኻ እትፈጥሮ ዝዀነ ይኹን ጐሓፍ ፡ ኣብ መጉሓፊ በርሚል ከም ዝኣቱ ግበር ፣ መጉሓፊ እንተ ዘይተረኺቡ ድማ ፡ ነቲ ጐሓፍ ምሳኻ ውሰዶ ። ህዝባዊ ዓይኒ ምድሪ ክትጥቀም ከለኻ ፡ ጽርየት ዓይኒ ምድሪ ሓሉ "ይብል ሚስተር ሄሮን ።
ገለ መዕረፊ ቦታታትን ደው መበሊ መኻይን ወይ ፓርኪንግ ብፍላይ ንከበድቲ ማካይን ዝሕዛእ ኮይኑ ፤ እቶም ዘወርቲ ብሕጊ እረፍቲ ክወስዱ ኣለዎም ።
ኣውስትራሊያ ኣደናቒ ዝኾነ ቅርጺ መሬትን ባህ ዘብል ትበጽሓሎም ቦታታት ኣለዋ ፡ ስለዚ ከምቲ ሚስ ፒተርሰን እተዘኻኽር ፡ ዕጉስን ጥንቁቕን መራሕ ማኪና ምዃን ንኹሉ ኣብ መገዲ ዘሎ ሰብ ኣወንታዊ ተመክሮ የምጽእ ።
"ምጭንናቕ ናብ ሕማቕ ውሳነ ክመርሕ ይኽእል እዩ ። ስለዚ ብኽብረትኩም ናብ ድሕነት ብዘለዎ ናይ መንገዲ ኩነታት ብማኪና ተጓዓዙ ፡ ዕጉስ ኩን ፡ ንቑሕ ኩን ፡ ነቲ መንገድን ንኻልኦት መራሕቲ ማካይንን ድማ ብኣኽብሮት ሓዞም "
Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.
Do you have any questions or topic ideas? Email australiaexplained@sbs.com.au





