ንሎሚ 28 መስከረም 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።
በዓል መስቀል፡ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስትያን ኢይቶጵያን ኤርትራን፡ ነቲ እየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቐለሉ መስቀል፡ ን ኣማኢት ዓመታት ካብ ዝተቐበረሉ መሬት ዝወፀሉ ኩነት ንምዝካር ፡ ዳሜራ ኣንዲዶም፡ ዝዝክሩሉ በዓል እዩ። ኮይኑ ግና መስቀል መንፈሳዊ ጥራይ ዘይኮነስ ኣካል ንባህሊ፡ ጥበብን ፍልስፍናን እዞም ማሕበረሰባት ዝፀሉ ትውፊት ኮይኑ ንረኽቦ። ሃይሉ ሳህለ ኣከባብራ በዓል መስቀል ኣብ ትግራይ ዝምልከት ዘቕረቦ ሓደ ትሕዝቶ ኣለና።
ጃፓን፥ ኣብ ዓለም ፈላሚት ኣብዚ ዓመት 100 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም 100 ሽሕ ሰባት ብህልዋ ንዝጸንሐ ክብረወሰን ሓሊፋቶ።
ብመሰረት ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ዕዮን ድሕነትን እታ ሃገር፡ ቁጽሪ ደቂ ሚእቲ ዓመት ጃፓን ንመበል 56 ተኸታታሊ ዓመት ወሲኹ ናብ 107,677 በጺሑ- ካብዚኦም 88 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ እየን።
ግን ብኸመይ? ብሓቂኸ ልዕሊ 100 ዓመት ክንበጽሕ ክንነብር ንደሊ ዲና? ...
ኣርእስታት ጸብጻብ ልኡኽና ፡
ኤምባሲ ኣውስትራልያ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሓደጋ መጠንቀቕታ ኣብ ኢትዮጵያን ጁቡቲን ዘርጊሑ ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣድማዒ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ከም ዘካየደ ተሓቢሩ።
ኣብ መደበር ቴሌቪዥን ትግራይ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ተገሊጹ።
ውግእ ኣብ ወሰን ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ቀጺሉ፤ ኣብ ትግራይ ድማ ስልክን ባንክን ተዓፅዩ። ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ 'ከም ገበን ኲናት' ክምርመር ጸዊዑ።
ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም።
ኣርእስታት ዜና፥
መንግስቲ ፌደራል እቲ ቫይረስ እናሰፍሐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኣብ ዙርያ ጉንፋዕ ኣዕዋፍ ንቕሓት ህዝቢ ንምዕባይ ዝዓለመ ሃገራዊ ወፍሪ ጀሚሩ፣ ።
ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን ኣብ መላእ ዓለም ብድኽነት፣ ግጭትን ምዝንባልን ዝተሃስዩ ሰባት ንምሕጋዝ ናይ ልዕሊ 810 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ቃል ኣትያ።
ሆላንዳዊት ተቐዳዳሚት ደሚ ቮለሪንግ ኣብ ሞንትርያል ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጽርግያ ደቂ ኣንስትዮ ዋንጫ ዓለም ተዓዊታ።





