SKIP TO MAIN CONTENT

ክንደይ ዝኣክል ሓበሬታ ጥዕና'ዩ OpenAI ብዝውንኖ AI Agent ተሰሪቑ፧ ብዛዕባ'ቲ ምስርሳር (hack) ኩሉ'ቲ ሓቂ ተነጊሩና ድዩ፧

A composite image showing a laptop and the names of businesses such as OpenAI, Optus and Origin
Millions of Australians have seen their personal data leaked online. Source: SBS

ሓደ ኤጀንት OpenAI "ሓጹር ዘሊሉ" ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ/ፖርታል Medicare (ሜዲኬይር) ሰርሲሩ ኣትዩ።


Published

By Alexandra Koster

Presented by SBS Tigrinya

Source: SBS / SBS


Skip to podcast episode content

ሓደ ኤጀንት OpenAI "ሓጹር ዘሊሉ" ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ/ፖርታል Medicare (ሜዲኬይር) ሰርሲሩ ኣትዩ።


እዚ OpenAI ዝውንኖ ኤጀንት ሰብሰርሖ ብልሒ (artificial intelligence agent) ናብ መርበብ ሓበሬታ ሜዲኬር ሰርሲሩ ኣትዩ፡ መንግስቲ ክፈልጥ ወይ ክሕበር ግን ኣዋርሕ ወሲዱ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ሪቻርድ ማርለስ ዝሓለፈ ሓሙስ እቲ ኤጀንት ኣብ ወርሒ ሰነ ዘይተፈቕደሉ ምእታው ወይ ምኽፋት ናብ ፖርታል ሜዲኬይር ከምዝፈጸመ ኣረጋጊጹ።

እቲ መንግስቲ ክሳብ መስከረም 10 ከይተነግሮ ጸኒሑ።

ማርለስ እቲ ክስተት "ኣዝዩ ከቢድ" ኔሩ፡ ግን "ብተዛማዲ ንኡስ" ጽልዋ ኔርዎ ኢሉ።

ሓደ ሓይሊ ዕማም ነዚ ክከታተል ሕጂ ስርሑ ይሰርሕ ኣሎ፡ ዓበይቲ ሕቶታት ግን ገና ዘይተመለሱ ኣለዉ፡ እቲ ኤጀንት ከመይ ኢሉ ኣትዩ፡ እቲ ሓባሪ መጠንቀቕታ ወይ ኣለርት ክወሃብ ንምንታይ ነዊሕ ግዜ ወሲዱ፡ ከምኡ'ውን እንታይ መቆጻጸሪ ሕግታት'ዮም ድሕሪ’ዚ ክመጹ።

እንታይ'ዮም እቶም ብዛዕባ ስርሰራ ሜዲኬይር ብOpenAI ንፈልጦምን ዘይንፈልጦምን ሓቅታት ኣብ'ዚ ክንዝርዝሮም ኢና።

እቲ OpenAI AI ኤጀንት ከመይ ኢሉ ነቲ ናይ ሜዲኬይር ፖርታል ሰርሲሩ ኣትይዎ ወይ ሃክ ገይርዎ፧

ሓደ OpenAI AI ኤጀንት፡ ብዛዕባ ወጻኢታት ህዝባዊያን መድሃኒታት መጽናዕቲ ወይ መርመራ ኣብ ምክያድ'ንከሎ፡ ስነ 18 ንሓበሬታን ስታቲስቲክስን ዝሓዘ ህዝባዊ ፖርታል Medicare Statistics Reporting Service ሰርሲሩ ክኣትዎ ክኢሉ።

እቲ ፈደራል መንግስቲ፡ ንትካል መጽናዕቲ ጥዕናን ድሕነትን ኣውስትራልያ (Australian Institute of Health and Welfare), ንቤት ጽሕፈት ኣሃዛትን ምርምርን ገበን ግዝኣት ኒውሳውዝዌልስ (the NSW Bureau of Crime Statistics and Research) ከምኡ'ውን ንክፍሊ ጥዕና ግዝኣት ቪክቶርያ (the Victorian Department of Health) ዘካትት፡ በቲ ጥሕስት ዝተተንከፉ ክኾኑ ዝኽእሉ ሰለስተ ካልኦት ሲስተማት ከም ዘለዉ ኣፍልጦ ኣለዎ።

እቲ ክስተት ዘጋጠመ፡ ብኣገላልጻ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ሪቻርድ ማርለስ፡ እቲ ሞዴል ከስልጥን እናተገብረ'ንከሎ፡ እቲ ኤጀንት "ሓጹር ዘሊሉ" ን ክፋል ፖርታልኤዲኬር ከፊቱ ምስ ኣተወን'ዩ።

OpenAI ንመንግስቲ ብዛዕባ'ዚ ክስተት ዘፍለጠ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ከምዝኾነ መስከረም 10 ናብ'ቲ ንህዝቢ ክፉት ዝኾነ ወይ ፓብሊክ ሰርቪስስ ኣውስትራልያ ኢመይል ብምልኣኽ'ዩ።

ማርለስ፡ ሚኒስተራት ንትሕቲ ሓደ ሰሙን ጥራይ ከምዝፈለጡን ናብ ህዝቢ ቅድሚ ምሕባሮም ጽልውኡ ክርድእዎ ከምዝደለዩን ሓቢሩ።

ጥሕሰት ሜዲኬይር ብOpenAI ውልቃዊ ሓበሬታታት ኣቃሊዑ ድዩ፧

ማርለስ "ኣዝዩ ከቢድ ክስተት" እዩ ኔሩ እንተበለ'ኳ ጽልውኡ ግን "ብተዛማዲ ንኡስ ኔር" ክብል'ውን ገሊጽዎ'ዩ።

"ብዛዕባ እኩብ ሕክምናዊ ኣሃዛት ወይ ስያቲቲክስ ኢና ንዛረብ ዘለና። ዋላ ሓደ ውልቃዊ ሕክምናዊ ሓበሬታ ኣብ'ዚ ዝተኸፍተ ወይ ዝተወስደ የለን፡" ድሕሪ ምባል ማርለስ እቲ ስርዓተ ሜዲኬይር ባዕሉ ኣብ ሓደጋ ኣይወደቐን ኢሉ።

እቲ ፖርታል ባዕሉ በይኑ ዝሰርሕ፡ ዕቑዳት ዕድመ ዘለዎ፡ ህዝባዊ መዓላ (ህዝቢ ዝጥቀመሉ) ዘለዎ መርበብ ሓበሬታ ወይ ቦታ ኮይኑ ዝበዝሐ ብተመራመርትን ኣካዳሚክን ዝጥቀምሉ'ዩ ክትብል ሚኒስተር ኣገልግሎታት መንግስቲ ኬይቲ ጋላገር ገሊጻ።

ጋላገር "ኣብ'ዚ ደረጃ" ዋላ ሓደ ውልቃዊ ሓበሬታ ዝተተንከፈ የለን፡ እቲ ሓበሬታ ወይ ዳታ ድሕሪኡ ናብ ዝያዳ ስቱር ዝኾነ data.gov.au ክግዕዝ ተገይሩን፡ እቲ ፖርታል ድማ ኦፍላይን (ካብ ኢንተርነት ወጺኡ) ከምዘሎን ሓቢራ።

እቲ መንግስቲ፡ ንAustralian Signals Directorate (ASD)፡ ድሕነት ኤኣይ ዝከታተል AI Safety Instituteን ቤት ጽሕፈት AIን ዘሳትፍ ቅልጡፍ ሓይሊ ዕማም ኣበጊሱ'ሎ፡ ነዚ ክስተት፡ ድሕነት መንግስታዊ መርበባትን እቶም ዘለዉ ሕጋውያን ስርርዓትን ክምርምር'ዩ።

ብዛዕባ'ቲ ምስርሳር ሜዲኬይር እቲ ፈደራል መንግስቲ መዓስ'ዩ ተነጊርዎ፧

ኣብ ዙርያ እቲ ክስተት ዘጋጠመሉ ቀመር ግዜ ብዙሓት ዝርርባት ኣለዉ፡ እቲ መንግስቲ መዓስ ፈሊጡን እቲ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ መዓስ ተዘርጊሑን።

OpenAI ብዙሓት ኤኣይ ኤጀንታቱ ኣብ ዕማማቶም ቅይዲ በተኽ ዝኸድሉ ኣብ ዝግምግመሉ ዝነበረ እዋን'ዩ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ነቲ ጥሕሰት ረኺብዎ።

ንመንግስቲ ኣውስትራልያ መስከረም 10 ናብ ማእከላይ-ደረጃ ህዝባዊ ኢንቦክስ ኣብ ሰርቪስ ስ ኣውስትራልያ ኢመይል ብምልኣኽ ሓቢርዎ።

ሰርቪስስ ኣውስትራልያ ነቲ ሓበሬታ መስከረም 11 ተቐቢልዎ፡ እቲ ሓባሪ መልእኽቲ ሓቀኛ ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ መስከረም 15 ንኤኤስዲ ማእከል ድሕነት መርበብ Cyber Security Centre ሓቢርዎ።

ጋላገር መስከረም 17'ዩ ብዛዕባ'ቲ ክስተት ጸብጻብ ዝቐረበላ፡ ንሳ፡ ማርለስን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ቶኒ በርክን ምስ ሰርቪስ ስ ኣውስትራልያን ኤኤስዲን ኣብ መወዳእታ ሰሙን 19-20 መስከረም ብዙሓት ዝርርባት ኣካይዶም።

ዝሓለፈ ሮቡዕ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነዚ ኣብ ኒውዮርክ ብዛዕባ'ቲ ክስተት፡ ንመንግስቲ ንምሕባር ብዛዕባ ዝወሰዶ ንውሓት ግዜ ከምዘይተሓጎሰን እቲ ምሕባር ከመይ ተፈጺሙን ምስ ዋና ኣካያዲ ስራሕ OpenAI ሳም ኦልትማን ተዘራሪቡ።

እንታይ ዝተረፉ ሕቶታት ኣለዉ ብዛዕባ ጥሕሰት ሜዲኬይር ብOpenAI፧

እቲ OpenAI ኤጀንት ከመይ ኢሉ ናብ'ቲ ፖርታል ኣትዩ ኣይፈለጥናዮን።

ዶር ዶሚኒክ ማሀር፡ ተመራማራይ ኣብ ANU Crawford School ካብ መንግስቲ ዘይኮነስ ካብ ASD፡ ን”ቴክኒካዊ ጸብጻብ/ሪፖርት" ወሲኹ፡ "ብዛዕባ ቴክኒካሊቲስ ናይ'ቲ ንሶም ብልክዕ ከመይ ሰርሲሮም ኣትዮም" ክፈልጥ ምደለኹ ይብል።

እንታይ ሓበሬታ'ዩ ብልክዕ ተወሲዱ ወይ ተኸፊቱ ክሳብ ሕጂ ኣይንፈልጦን ኢና። እቲ መንግስቲ እኩብ (aggregated)፡ ተነቃፊ ዘይኮነ፡ ሓበሬታ'ዩ ይብል፡ ማርለስ ግን "ክሳብ ሕጂ ኩሉ ኣይፈለጥናዮን" ክብል ተኣሚኑ።

ንምንታይ ክንድ'ዚ ዝኣክል ንውሓት ግዜ ወሲዱ'ውን ክሳብ ሕጂ ኣይንፈልጥን - ዳርጋ ሰለስተ ኣዋርሕ ወሲዱ - እቲ ክስተት ንህዝቢ ክሕበር ማለት'ዩ፡ ማርለስ ምስ ኦልትማን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ክራኸቡ'ንከለዉ፡ ኦልትማን ፈሊጡ ኔሩ እንተኾይኑ ንጹር ኣይኮነን፡ ኣይዘተናሉን'ውን ኢሉ።

ሕግታት ተጣሒሶም እንተኾይኖም'ውን ንጹር ኣይኮነን፣ እዚ እቲ ሓይሊ ዕማም ክምርምሮ ሒዝዎ ዘሎ።

ፕሮፈይሰር ቶቢ ዎልሽ፡ ዝለዓለ ተመራማሪ ኣብ ትካል መጽናዕቲ ኤኣይን ሳይንሲያ ፕሮፈይሰር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦፍ ኒውሳውዝዌልስ፡ OpenAI ብሕጊ ክሕተት ኣለዎ ይብል።

"OpenAI ፈሊጥናዮ ክሳብ ዘለና ሕማቕ ዝኾነ ኣተሓሕዛን ምምሕዳርን ኤጀንት'ዩ ዘለዎ። ነዚ ኩባንያ ብሕጊ ክንሓቶ ኣለና ኢለ ይኣምን፡" ክብል ዎልሽ ንSBS News ሓቢሩ። "ከም'ዚ ዓይነት ምስርሳር ወይ ሃኪንግ ዝፍጽሙ ሰባት ብሕጊ ንቐጽዖም ኢና።"

ማሀር፣ ገበናዊ መነጽር ምጥቃም ሕማቕ ምርጫ'ዩ ክብል ይማጎት፡ ምኽንያቱ ገበናዊ ዕላማ ወይ ሃቀነ ስለዘየለ፡ ኣብ ክንድኡ እዚ ዝያዳ ንስራሕ ዝምልከት ወይ ድማ ድሕነት ኣብ ቦታ ስራሕ- ዝምልከት ሓደጋ'ዩ ክብል ይከራኸር።

ንሱ ድሕነት-ቦታስራሕ-ዓይነት (workplace-safety-style) መምርሒታት ክህልዉ የተባብዕ፡ ብኣግኡ ናይ ምሕባር ዕማም፡ ሓላፍነት ድሕነት ንሰራሕተኛታት'ቲ ትካል፡ ከምኡ'ውን ፈቓድ ስራሕ (ላይሰንሲንግ) ነቶም ልዑል ተኽእሎ ሓደጋ ዘለዎም ቤተ ፈተነታት ወይ ላቦራቶሪታት ዘካተተ ማለት'ዩ።

ሰነተር ምምሕዳራዊ ዶብ ACT ደይቪድ ፖኮክ ነቲ ክስተት "ዘሻቕል ግን ከኣ ኣብ መወዳእትኡ ዘየገርም" ኢሉ ጸዊዕዎ፡ ንAI ኣብ ልዑል ተኽእሎ ሓደጋ ዘለዎም ኣሰራርሓታት ኣብ ምቕራብ መሐለውታታት እዚ መንግስቲ ክሳብ ክንደይ ዝሒሉ ከምዘሎ ዘርኣየ'ዩ ኢልዎ።

ጃስቲን ኣለን፣ ካብ ትካል ሳይበርሰኲሪቲ ሃንትረስ፣ ድማ ሕግታት በይኖም ኣይሰርሑን'ዮም ኢሉ። "ኣንጻር ሓደ ባዕልኻ ዘይፈለጥካዮ ነገር ሕግታት ከተኽብር ኣይትኽእልን ኢኻ፡" ድሕሪ ምባል እቲ ምቁጽጻር ወይ ምክትታል ሕጊ ጎድኒ ጎድኒ ቅኑዕ ዓቕሚ ቀጢምካ ምፍላጥ (ዲተክት ምግባር) ክምወል ኣለዎ ክብል ወሲኹ።

ማሀር እቲ ዝሰፍሐ ሕቶ ‘ከምዚኦም ዓይነታት ክስተታት ደጋሚሞም ከጋጥሙ'ዮም፡ ከመይ ኢልካ ኸ ንቆጻጸሮም’ እዩ ኢሉ። "በብግዚኡ ብቁጽሪ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ይመስል።" ክብል ከኣ ገሊጹ።

— ተወሳኺ ጸብጻብ ካብ the Australian Associated Press.


For the latest from SBS News, download our app and subscribe to our newsletter.


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now