ንሎሚ 24 መስከረም 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።
ን ሎሚ ሓሙስ 24 መስከረም 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብ፥
ቴህራን በቲ ትራምፕ ዝደልዮ መገዲ ኣብ ስምምዕ ሰላም ክትበጽሕ እንተዘይኪኢላ፡ ንኢራን "ከጥፍኣ" ከምዝኽእል ፕረሲደንት ትራምፕ ኣጠንቂቑ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና።
ኤርትራዊ ጸሓፋይን ተመራማሪ ታሪኽ ህይወትን ዝዀነ እምነቱ ተስፋይ፡ ኣብ ምጽሓፍ ታሪኽ ህይወት (ባዮግራፊ)ን ስነ-ጽሑፋዊ ምርምርን ብምውፋር፡ ታሪኻዊ ዝኽሪ ኤርትራ ብምስናድን ብምዕቃብን ንዘበርከቶ ሰፊሕ ኣስተዋጽኦ ብምግንዛብ፡ ተዓዋቲ ሽልማት ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ፐን (PEN) ኤርትራ 2026 ኰይኑ ከም ዝተሸለመ፡ ፐን ኤርትራ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ገሊጹ ነይሩ። ብዛዕባ ስልማትን ካልእ ንጥፈታት ናይ ፐን ኤርትራ ኣመልኪትና ምስ ኣቦ መምበር ናይቲ ትካል ኣቶ ዓወት ፍስሃየ ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት ኣለና። ድሕሪ ዜና ክቐርብ እዩ።
ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ኣለና’ውን ኣለና።
ጸብጻብ ልኡኽና እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዎ፥
ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ፌደራልን ዝተወለዐ ግጭት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከም ዝሰፍሐ ተገሊጹ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣሜሪካን ካልኦት ዓለምለኻውያን ተዋሳእትን ድማ ብዛዕባ’ዚ ደግሲ ኲናት መግለጺ ሂቦም ኣለዉ።
ኣርእስታት ዜና፥
** ሓይልታት ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ትማሊ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ውግእ ጀሚሮም፤
** ሎሚ መዓልቲ [[24 መስከረም]] ዓለምለኻዊ መዓልቲ ምርምር መንሽሮ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ተራ ተመራመርቲ ኣብ ምፍላጥ፡ ምፍዋስን ምክልኻልን መንሽሮ ንቕሓት ንምዕባይ ዝዓለመ ንጥፈታት ዝካየደሉ እዩ።
** ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ኩዕሶ እግሪ (ሶከሩስ) መሓመድ ቱረ ብሰንኪ ዝገብሮ ናይ ብርኪ መጥባሕቲ ፡ ንኣዋርሕ ካብ ጸወታ ተገሊሉ ክጸንሕ ምዃኑ ተገሊጹ።






