SKIP TO MAIN CONTENT

ኣውስትራልያ መን’ዩ ብሓቂ ዘካይዳን ዝመርሓን፣ ቦታኹም ከ ኣበይ’ዩ፧ | How Australia Works

[JPG]_How-Australia-Works_Ep1.jpg
Artwork and Design: Francisco Ortiz Lozano and Yudai Urushima

ኣብ ፈቓድ ንግዲ፣ ጸገም ገዛ ኽራይ ወይ ደገፍ ንስድራቤት መን ክሕግዘኩም ይኽእል ትፈልጡ ዶ፧ ብመንገዲ ዛንታታት ፈደለ፣ ካሮልን ኣቢርን ኣቢልኩም ሰለስቲኦም ቀጸላታት (ደረጃታት) መንግስቲ ከመይ ይሰርሑ ተመሃሩ። ከባቢያዊ፣ ግዝኣታዊ ወይ ዶባዊ ምምሕዳርዊ፣ ከምኡ'ውን ፈደራላዊ መንግስታት እንታይ'ዩ ሓላፍነቶምን ሓገዝ እንተደሊኹም ናብ መኖም ትኸዱን ፍለጡ።


Published

By Josipa Kosanovic

Presented by SBS Tigrinya

Source: SBS



Skip to podcast episode content

ኣብ ፈቓድ ንግዲ፣ ጸገም ገዛ ኽራይ ወይ ደገፍ ንስድራቤት መን ክሕግዘኩም ይኽእል ትፈልጡ ዶ፧ ብመንገዲ ዛንታታት ፈደለ፣ ካሮልን ኣቢርን ኣቢልኩም ሰለስቲኦም ቀጸላታት (ደረጃታት) መንግስቲ ከመይ ይሰርሑ ተመሃሩ። ከባቢያዊ፣ ግዝኣታዊ ወይ ዶባዊ ምምሕዳርዊ፣ ከምኡ'ውን ፈደራላዊ መንግስታት እንታይ'ዩ ሓላፍነቶምን ሓገዝ እንተደሊኹም ናብ መኖም ትኸዱን ፍለጡ።


ኣብ'ዚ ቀዳማይ ትሕዝቶ ተኸታታሊ መደብ How Australia Works፣ ፈደለ ንግዲ ወይ ቢዝነስ ክጅምር ደልዩ፣ ካሮል ናይ ገዛ ኽራይ ትከራኸሮ ዘላ ክትፈትሖ ትፍትን ኣላ፣ ኣቢር ድማ ደቃ እናዕበየት ደገፍ የድልያ'ሎ። እዚኦም ዛንታታት ሰለስቲኦም ደረጃታት/ቀጸላታት መንግስቲ ኣውስትራልያ ዕለታዊ ህይወትኩም ከመይ ይቐርጽዎን መን'ዩ ተሓታቲ ምፍላጥ ድማ ነቲ ቅኑዕ ደገፍ ክትረኽቡ ከመይ ኢሉ ክሕግዘኩም ይኽእልን ኣብ ምግላጽ ክሕግዙ'ዮም።

ንኩሎም ክፋላት ኣብ'ዚ ተኸታታሊ ፈነወ ብቛንቋኹም ፈትሽዎም።

ኣብ ዝቕጽል ትሕዝቶ: ኣብ ምውጻእ፣ ምፍጻምን ምትግባርን ሕግታት ኣውስትራልያ፣ ባይቶ፣ (ፈጻሚ ኣካል) መንግስትን ኣብያተ ፍርድን፣ ዝጻወትዎም ዝተፈላለዩ ተራታትን ሓላፍነታትን ፈትሹ፣ ንሓደ መቕጻዕቲ (ገንዘባዊ) እንተበዲህኩሞ ወይ ተኸራኺርክሞ እንታይ'ዩ ዝኸውን ኣፍልጦ ርኸቡ።

How Australia Works ብ60 ቋንቋታት ተዳልይልኩም ኣሎ። ነዚ ተኸታታታሊ መደብ ብኻልኦት ቋንቋታት ፈትሽዎ።


Credits:

መደብ How Australia Works ካብ SBS Audio ን Australia Explained ን ዝፍኖ ፖድካስት'ዩ።

ኣአንጋዲ: L-FRESH The LION

ምርምርን ጋዜጠኝነትን፣ ጎንዛሎ ኣጒረጎመዝኮርታ

ዲዛይን ድምጺ፣ ምውህሃድ፣ ኦሪጂናል ሙዚቃን ቴማን: L-FRESH The LION

ኣማኻሪት ሕግን ሲቪክስን: ዶር ጃሲንታ ሳሲን፣ ቤት ትምህርቲ ሕጊ፣ ወስተርን ሲድኒ ዩኒቨርሲቲ

ስርሓት ጥበብን ቅዲን: ፍራንቸስኮ ኦርቲዝን ዩዳይ ኡሩሺማን

ብጆሲፓ ኮሳኖቪች ተጻሒፉ: ተደሪሱን ተዳልዩን

ኤዲተር Australia Explained: ሮዛ ጀርሚያን

ሓላፊት ትምህርታውን መሰረታውያንን ኣገልግሎታት SBS Audio: ጃኒን ጉጋን

ንልምዳውያን ወነንቲ እዚ ፈነወ ወይ ፖድካስት ይዳለወሉን ይስማዓሉን ካብ ዘሎ ኩሎም መሬታት ኣውስትራልያ ኣፍልጦ ንህብ። ንሕሉፋትን ህሉዋትን ዓብይቲ ዓዲ ኣኽብሮትና ንገልጽ፣ ህዝብታት ኣቦሪጂናልን ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ቀዳሞት ህዝብታት ናይ'ዛ ኣህጉር ምዃኖም ኣፍልጦ ንህብ።

Parliamentary Material Australian House of Representatives excerpts courtesy of the Parliament of Australia. Copyright Commonwealth of Australia. Used under Creative Commons licence, subject to applicable licence terms.


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now