SKIP TO MAIN CONTENT

Zaeba lomi

SBS
SBS Source: SBS

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ቤት ጽሕፈት ስተይት ዲፓርትመንት፡ ነቲ ንዕለት 2 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ዋሺንግተን ዲሲ (ንዕለት 5 ጥቅምቲ ድማ ኣብ Atlantic Council) ብኣማኻሪ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረኣብን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኺካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ክልተ ሰሚናራት ከምዝሰረዞ ይፍለጥ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰሚናር፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣበየ ሃገራት ንዚርከቡ ደገፍቲ መንግስቲ ፖለቲካውን ማሕበረ ቁጠባውን ኩነታት እታ ሃገር ኣመልኪቱ መግለጺ ዚህበሉ ኣጋጣሚ እዩ። ናይ ሕጂ ሰሚናር ድማ ንተመሳሳሊ ዕላማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተጋዊሑ ነይሩ። ኸይካየድ ምስራዙ ግን ንደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ከቖጥዖም ከሎ ፡ ሓያሎ ተቓወምቲ እቲ መንግስትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰልን ግን በቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ዕጉባት ምዃኖም ኺገልጹ ቀንዮም። እዚ ተርእዮ እዚ ንጎስጓሳት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት እንታይ ፋል (ፕረሰደንት) ኪኸውን ይኽእል? ብኻልእ ወገን ፡ እዚ ከም ዓወት ተቓወምትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ዓውዲ ኪቑጸር ይኽእልዶ?

Published

By Beyene Semere

Source: SBS

Skip to podcast episode content

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ቤት ጽሕፈት ስተይት ዲፓርትመንት፡ ነቲ ንዕለት 2 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ዋሺንግተን ዲሲ (ንዕለት 5 ጥቅምቲ ድማ ኣብ Atlantic Council) ብኣማኻሪ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረኣብን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኺካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ክልተ ሰሚናራት ከምዝሰረዞ ይፍለጥ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰሚናር፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣበየ ሃገራት ንዚርከቡ ደገፍቲ መንግስቲ ፖለቲካውን ማሕበረ ቁጠባውን ኩነታት እታ ሃገር ኣመልኪቱ መግለጺ ዚህበሉ ኣጋጣሚ እዩ። ናይ ሕጂ ሰሚናር ድማ ንተመሳሳሊ ዕላማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተጋዊሑ ነይሩ። ኸይካየድ ምስራዙ ግን ንደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ከቖጥዖም ከሎ ፡ ሓያሎ ተቓወምቲ እቲ መንግስትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰልን ግን በቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ዕጉባት ምዃኖም ኺገልጹ ቀንዮም። እዚ ተርእዮ እዚ ንጎስጓሳት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት እንታይ ፋል (ፕረሰደንት) ኪኸውን ይኽእል? ብኻልእ ወገን ፡ እዚ ከም ዓወት ተቓወምትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ዓውዲ ኪቑጸር ይኽእልዶ?

Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Listen to our podcasts

Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now