SKIP TO MAIN CONTENT

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (10 ነሓሰ 2026)

Daily News SBS Tigrinya
Source: Getty

ንሎሚ 10 ነሓሰ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።


Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS


Skip to podcast episode content

ንሎሚ 10 ነሓሰ 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።


ክፋላት ኤውሮጳን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ለብለብቲ ማዕበላት ሙቐትን ባርዓትን ኣብ ዘለዎ ሓጋይ ኣብ ዝሽሎቓሉ ዘለዋ እዋን፡ ኪኢላታ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኩነታት ኣየር (ቢሮ ኦፍ ሜቲዮሮሎጂ) ኣብ ቀረባ እዋን ዝበዝሐ ክፋል ኣውስትራልያ'ውን ክልብለብ ተኽእሎ'ለዎ ይብሉ። ነዚ ምልከት ንኣውስትራልያ ከ ከም ናይ ኤውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን ብርቱዕ ኩነታት ኣየር ከጋጥማ ድዩ፧ ዝብል ትሕዝቶ ተዳልዩ ኣሎ። ምስ ገጣሚን ጋዜጠኛን ሃይሉ ሳህለ ብዛዕባ ግጥምታቱ ዝተገብረ ዕላል’ውን ኣለና።

ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ካብ ዝሓዞም ኣርእስታት፡

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ናይ ኢትዮጵያ ጎንፅታት ብዝርርብ ፍታሕ ክረኽቡ ጸዊዑ።

ኤርትራ ንመጀመርታ እዋን ኣብ ታሪኻ ኣብ መበል 75 ውድድር ወይዘሪት ዓለም ትሳተፍ ከም ዘላ ተገሊጹ።

ቤት ምኽሪ ከተማ ሸራሮ ፕላን ዕብየት 10 ዓመት እታ ከተማ ኣፅድቑ።

ኤርትራ ኣብ ልኡላውነት፡ ዓቕሚ ምክልኻል ዝተሰረተ ዞባዊ ትካል ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ክቐውም ጸዊዓ።

ዘፈር ዕደና ኢትዮጵያ 5.7 ቢልዮን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ከምዝረኸበ ሚኒስቴር ዕደና ኣፍሊጡ።

ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም።

ኣርእስታት ዜና፥

 ኣብ ምዕራባዊ ሳብበርብታት ናይ መልበርን ሓደ በዓል ድኳን ድሕሪ ምማቱ ማሕበረሰባዊ ድሕንነት ንምብራኽ ስጉምቲ ይወስድ ከምዘሎ መንግስቲ ቪክቶሪያ ገሊጹ ።

ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀድ ቫንስ ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልትታት ምስ ኢራን እተገብረ ዝርርባት እተወሰነ ዕቤት ከም ዝገበረ ገሊጹ ።

ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ኣውስትራልያ ፡ ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ዚርከቡ ኵሎም ሰባት ፡ ጽባሕ ለይቲ [ሰሉስ] ኣብ ሃገራዊ ቘጸራ ህዝቢ ኽካፈሉ ተማሕጺኑ ።

 

Check out our podcast collection here

 


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now