ፖለቲከኛ ልደቱ ኣያሌው ሎሚ ዝተኣስሩ ኣብቲ ብሰንኪ ቅንጸላ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተወለዐ ናዕቢ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ቅልውላው ክፍጠር ብሓሳብ፣ ገንዘብን ንዋትን ሓጊዙ ብዝብል ጥርጣረ ከም ዝተኣስሩ ተገሊጹ።
ፖለቲከኛ ልደቱ ኣያሌው ሎሚ ብፖሊስ ኦሮምያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ኮይኖም ኣቐዲሙ እውን ፖለቲከኛ ይልቃል ጌትነት ዝርከቡዎም ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ፖለቲካ ከም ዝተኣሰሩ ይፍለጥ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ሞት ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ልዕሊ 7000 ሰባት ከም ዝኣሰረ እዩ ዝንገር።
Share

