ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዶብ ክሰግሩ ዝፈተኑ 25 ኤርትራዊያን ከምዝሓዘ ናይቲ ክልል ፖሊስ ኣፍሊጡ። እቶም መንእሰያት ኬንያ ኣቋሪጾም ናብ ኡጋንዳ ክኣትዉ መደብ ከምዝነበሮም ፖሊስ ኣፍሊጡ። እቶም ኤርትራዊያን ብሓሙስ ኣብ ዞን ኦሞ፡ ወረዳ ሓመር፡ ኣብ ቱርሚ ዝተባህለት ናይ ዶብ ገጠር እዮም ተታሒዞም ክብል ናይቲ ዞን ሓልፊ ፖሊስ ንሬዲዮ ዶቸ ቨለ ገሊጹ።
ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ወርሒ መስከረም ካብ ዝኽፈት ንደሓር ልዕሊ 15,000 ኤርትራዊያን ዶብ ሰጊሮም ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተዉ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ይገልጹ። ካብዚኣቶም እቶም ዝበዝሑ ኣብ መደበር ስደተኛታት ኢትዮጵያ ዑቕባ ዝሓተቱ እዮም። ኣብ ክፍላ ወርሒ ጥቅምቲ ኣስታት 10,000 ኤርትራዊያን ኣብ መደበር ስደተኛታት ኢትዮጵያ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ናይ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ስደተኛታት ( UNHCR) ገሊጹ ኣሎ።
ኢትዮጵያ ልዕሊ 900,000 ስደተኛታት ኣዕቁባ ከምዘላን ካብዚኣቶም ኤርትራዊያን ብብዝሒ ኣብ ሳልሳይ ተርታ ተሰሪዖም ከምዘለዉ ይፍለጥ።
ድሕሪ ምኽፋት ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዙሓት መንእሰያት ናብ መቐለ ኣትዮም ብኡ ኣቢሎም ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቕኒዖም መወዳእታ ዝበጽሕሉ ሃገር ክንዮ ኢትዮጵያ ምዃኑ ይገልጹ። ንገለ ካብዞም ኤርትራዊያን፣ ኢትዮጵያ ከም መበገሲ ናብቲ ዝነውሐ ጐዕዞ ናብ ሱዳን ብኡ ኣቢልካ ናብ ሊብያን ኣውሮጳን ከምዝኾነ ክርአ ዝጸንሐ ክስተት እዩ። እዞም ናብ ኬንያ ብኡ ኣቢሎም ናብ ኡጋንዳ ክሰግሩ ዘታሕዙ 25 ኤርትራዊያን’ውን ኣካል ናይዚ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ነዊሕ ጐዕዞ ስደት ኤርትራዊያን መንቀሊ ከምዝኾነት መርኣያ እዩ።

