30 ነጥቢ 6 ኪሎ ሜትሮ ካብ ኤሊዳር ናብ ማንዳ ዘሎ መገዲ ብ“ኢንተርፕራይዝ ኮንስትራክሽን መከላከያ ” ካብ ማንዳ ናብ ቡሬ ዝወስድ 30 ኪሎ ሜትሮ ድማ ብኢኮስኮ ከምዝተፀገነ እቲ ቤት ዕዮ ገሊፁ።
ናብ ወደብ ዓሰብ ዝወስድ መገዲ ኣብ ክልተ ተገሚዑ ክፅገን ከሎ ፅገና ልዕሊ 121 ሚሊየን ብር ከም ዝወድአ እውን ተሓቢሩ።
ምፅጋን መገዲ ወደብ ዓሰብ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኢትዮ-ኤርትራ ዘሎ ርክብ ክብ ካብ ምባል ብተወሳኺ ብወደብ ዓሰብ ኣቢሉ ዝካየድ ምንቅስቓስ ንግዲ ሰደድ ወፃኢ ዳግም ንምጅማር ከምዘኽእል እውን ተሓቢሩ።
መገዲ ኣዲስ ኣበባ - ዓሰብ 882 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ እንትኸውን፥ 811 ኪሎ ሜትሮ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተረፈ 71 ኪሎ ሜትሮ ድማ ኣብ መሬት ኤርትራ ዝርከብ እዩ።
Share

