“ሓይልታት ትግራይ ተቖጻጺሮሞ ኣብ ዝነበሩ ከተማታት ኣምሓራ ሰላማዊ ሰባት ቀቲሎም።” ሂዩማን ራይትስ ዋች።
ኣህጉራዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ሂዩማን ራይትስ ዋች ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ዕጡቓት ህወሓት ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ክልል ኣምሓራ ጨናን ኣብ ከተማ ቆቦ ኣስታት ሓምሳ ዝኾኑ ሰባት ረሺኑ። ዕጡቓት ህወሓት ንጨና ካብ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልቲ 26 ሰላማዊ ሰባት ኣብ15 ከባቢታት ብጅምላ ምቕታሎም እቲ ትካል ንናይ ዓይኒ መሰኻኽር ጠቒሱ ጸብጺቡ። ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ ኣብ ከተማ ቆቦ 23 ሰባት ኣብ ኣርባዕተ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ቀቲሎም ኢሉ። እቲ ቅትለት ዝተፈጸመ እቲ ናብቲ ከባቢ ዝግስግስ ዝነበረ ናይ ትግራይ ሓይሊ ሓረስቶት እቲ ከባቢ ክገብርዎ ብዝፈተኑ መጥቃዕቲ ናይ ሕነ ምፍዳይ ምኽንያት ምዃኑ ኣፍሊጡ። ናይ ሂዩመን ራይትስ ዋች ሓላፊ ጉዳያት ቅልውላውን ግጭትን ላማ ፋኪህ ናይ ህወሓት ሓይልታት «ሰባት ብጅምላ ዝተገድልዎ ጭካኔ ናይ ሰብ ህይወትን ናይ ኲናት ሕግታትን ዘይምኽባሮም ዘመልክት’ዩ።» ኢሉ።
ሂዩመን ራይትስ ዋች፣ ኣብ ከተማታት ጨናን ቆቦን ዝተገብረ ኲናትን ዝበጽሖ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ወርሓት መስከረምን ጥቅምትን፣ 36 ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን፣ ግዳያት ቤተሰብን ጎረባብቶምን፣ የመራሕቲ ሃይማኖት ሓኻይምን ብርሑቕ ኣዘራሪቡ ነቲ ጸብጻብ ከምዘውጽኦ ኣፍሊጡ። ካብቶም ዝሞቱ ናይቶም 40 ስማት ምርካቡ ሂዩማን ራይትስ ዎች ገሊጹ ኣሎ። ንሰብ መዚ ትግራይ ርእይቶ ክህቡ ሓቲቱ መልሲ ከምዘይረኸበ’ን እቲ ትካል ኣፍሊጡ። ሂዩመን ራይትስ ዎች ኣብ መወዳእታ እቲ ብናይ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ባይቶ ጸጥታ ኣብቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይሊታት ማዕቀብ ክገብር ሓቲቱ ኣሎ።
"ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ኲናት፡ ዘርኢ ምጽናት ይፈጥር ኣሎ”
ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 20 ሚሊዮን ህዝቢ ህጹጽ ረዲኤት ከምዘድሊ ናይ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት መተሓባበሪ ሰብ ኣዊ ረዲኤት OCHA ኣፍሊጡ። ናይቲ ዉድብ ቤት ጽሕፈት ናይ ኢትዮጵያ ተጸዋዒት ካተሪን ሶዚ ከምዝገለጸቶ ኲናት ኣብዝግበረሎም ዘለዉ ከባቢታት ልዕሊ 9 ሚሊዮን ህዝቢ ህጩጭ ረዲኤት የድልዮ ኢላ። ዶክተር ካተሪን ሶዚ ከምዝበለቶ እቲ ናታ ቤት ጽሕፈት ምስዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ብምዃን ነቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ህዝቢ ረዲኤት ንምብጻሕ ይሰርሕ ኣሎ። እቲ ትካል ከምዘፍለጦ ኣብ ኢትዮጵያ ካብቲ ረዲኤት ዘድልዮ 20 ሚሊዮን ሕዝቢ እቲ 4 ሚሊዮን ካብ መረበቱ ተፈናቒሉ ኣሎ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ማሕበራት ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን፡ ዝህብኦ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘስፍሓ ብምግላጽ፡ 660 ሽሕ ሰባት መጽለሊ፡ መግቢ፡ ማይ፡ ገንዘብን ካልኦትን ከምዘቕረቡ ኣፍሊጠን።
ሓላፊ ቀይሕ መስቀል ኣብ ኣፍሪቃ መሓመድ ሙክታር ከምዝበሎ “ምስ መሻርኽትና ብምዃን ረድኤት ንምሃብ ዝክኣለና ንገብር ኣለና፡ እንተኾነ እቲ ዝውሃብ ዘሎ ረድኤት ምስ ብዝሒ ተጸበይቲ ብምንጽጻር እኹል ኣይኮነን” ኢሉ።
ኣባል ኮንግረስ ኣመሪካ ብራድ ሸርማን ምስ CNN ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ "ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዝግበር ዘሎ ኲናት ዘርኢ ምጽናት ይፈጥር ኣሎ” ክብል ገሊጹ። ኤርትራ ወደባታ ንትግራይ ዝኣቱ ረዲኤት ክፉት ክትገብሮ ኣለዋ ዝበለ ሼርማን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኢደን ዘእትዋ ዘለዋ ቱርኪን ሕቡራት ኢመረት ዓረብን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝህባኦ ናይ ኲናት መሳርሒ ደው ከብላኦ ኣመሪካ ጸቕጢ ትገብር ከምዘላ ገሊጹ። ንሱ ነቲ ልዕሊ 9 ሚልዮን ኣብ ጥምየት ዝርከብ ህዝቢ ንምሕጋዝ ኣመሪካ ብኣየር እኽሊ ምስንዳውን ኤርትራ ብባሕራ ረዲኤት ናብ ትግራይ ክኣቱ ከትፍቅድ ኣመሪካ ጸቕጢ ክትገብር ኣለዋ ኢሉ። ኤርትራ ረዲኤት ብወደባታ ክሓልፍ ሓላፍነታ ምዃኑ እንተገለጸት’ኳ፡ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኣምባሳደር ናይ ኣመሪካ፡ ኤርትራ ረዲኤት ከይሓልፍ ትዓግት ኣላ ክብል ገሊጹ ክብል ብራድ ሸርማን ገሊጹ።