'ኣብ ስልጣን ክቕጽል ዘይክእል' ሓራዲ '፦ ጆ ባይደን፡ ሮኬታት ሩስያ ኣብ ለቪቭ ምስ ወቕዓ ፡ንቭላድሚር ፑቲን ዝበሎ።

ክልተ ሚሳይላት ኣብ ልቪቭ ዝርከብ ናይ ነዳዲ መኽዘን ምስ ወቕዐ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝሃቦ ሓሳባት ኣዝዩ ተሪር፡ ሞስኮ ንዩክረይን ወሪራ ካብትጅምር ዋሽንግተን ኣብ ልዕሊ ራሻ ዘለዋ መትከል ዝለዓለ ምዃኑ ዝሕብር እዩ።

Joe Biden

Source: AAP, EPA / Radek Pietruszka

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ናይ ሩሲያ መራሒ ቭላድሚር ፑቲን ቀዳም ኣብ ፖላንድ "ኣብ ስልጣን ክቕጽል ኣይክእልን እዩ" ዝበለ ሓደ ናይ ዋይት ሃውስ በዓል ስልጣን ድሒሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ነቲ ኣብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ዩክረይን እተላዕለ ሰፊሕ ግጭት ንምድላው እምበር ስርዓት ሩስያ ንምቕያር ዝዓለመ ከምዘይኮነ ገሊጹ ።


ሚስተር ባይደን ብቀዳም ኣብ ዝሃቦ ሓሳባት ፡ ብዘይካ እቲ ኣቐዲሙ ንፑቲን "ሓራዲ" ኢሉ ዝጸውዓላ መዓልቲ ዝሃቦ መግለጺ ፡ ድሕሪ ወራር ራሻ ንዩክሬን እቲ ዝኸበደ መግናሕቲ እዩ።

ሚስተር ባይደን ኣብቲ ኣብ ዋርሶው ዝርከብ ንጉሳዊ ህንጻ ዝሃቦ ቀንዲ መደረ: ፖላንድ ነቲ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሓጺን ዝነበረትሉ እዋን: ዲሞክራሲያዊያን ሓይሊታት ንውሕስነትን ሓርነትን ዓለም ኣስጋኢ ዝዀነ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ሩስያ ብህጹጽ ክገጥማ ከም ዘለዎ ዝገልጽ ነበረ።

ኣብ መወዳእታ እቲ መደረ ግን ነቲ ዋሽንግተን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ቀጥታዊ ወተሃደራዊ ተሳትፎ ካብ ምግባር ከምትቑጠብን ፡ ንስርዓት ለውጢ ግና ንድሕሪት ከምዘይትምለስ ዝግለጽ እዩ ኔሩ ።

ባይደን ነቲ ፑቲን ኣብ ዩክረይን ንወርሒ ዝቐጸለ ውግእ ድሕሪ ምዅናን ፡ "ስለ ኣምላኽ ክበሃል፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ኣይክእልን እዩ" ኢሉ ።

ሓደ ናይ ዋይት ሃውስ በዓል ስልጣን ሚስተር ባይደን ዝሃቦ ርእይቶ ነቲ ኣብ ዋሽንግተን ዘሎ ፖሊሲ ዝውክል ኣይኮነን ኢሉ ።

"እቲ ፕረዚደንት ከመሓላልፎ ዝደለየ ነጥቢ ፡ ፑቲን ኣብ ልዕሊ ጎረባብቱ ወይ ኣብ ልዕሊ እቲ ዞባ ስልጣን ክሕዝ ክፍቀደሉ ከም ዘይክእል እዩ" በለ ። "ብዛዕባ እቲ ፑቲን ኣብ ሩስያ ዘለዎ ስልጣን ኣይኰነን ዝዛረብ ነይሩ ፣ ወይ ስርዓት ክቕየር እውን ኣይኮነን መልእኽቱ ነይሩ ።"

ኣፈኛ ክረምሊን ዲሚትሪ ፐስኮቭ ብዛዕባ እቲ ሚስተር ባይደን ዝሃቦ ሓሳብ ምስ ሓተተ ንማዕከናት ዜና ሮይተርስ ከምዚ በለ: - "ባይደን ክውስን ኣይክእልን እዩ ። ፕረዚደንት ሩስያ ብሩስያውያን እዩ ተመሪጹ ። "

ሚስተር ባይደን ኣንጻር ፑቲን ብዛዕባ ዝግበር ቃልሲ "ሓድሽ ቃልሲ ንናጽነት" ኢሉ ብምጽዋዕ ፡ እቲ "ምሉእ ናይ ስልጣን ምቁጽጻር" ዘለዎ ድሌት ፡ ንሩስያ ስትራተጂያዊ ውድቀት ከም ዝዀነን ነቲ ካብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣትሒዙ ሰፊኑ ዘሎ ሰላም ኤውሮጳ ብቐጥታ ከም ዚብድሆን ገለጸ ።

ባይደን ፡ "ሕጂ ምዕራባውያን ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ይድልድሉ ፡ ሓድነት ከኣ ይህልዎም" በለ ። "እዚ ውግእ እዚ ኣብ መዓልትታት ወይ ኣዋርሕ ኣይኪዕወትን እዩ ። ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ነዊሕ ቃልሲ ፡ ብድልዱል ክንዓጥቕ ኣሎና "በለ ።

ሚስተር ባይደን ነቲ ሩስያ ትገብሮ ወረራ ብምጉዳል ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ንምትኳር ዕላማ ጌራ ኣላ ዝገልጽ መልእኽቲ እውን ጥርጣረ ከም ዘሕደረሉ ፡ ናይዚ መርኣያ ሚሳይል ሩስያ ብቐዳም ብሸነኽ ምዕራብ እታ ሃገር ስለ ተወንጨፉ፡ ሓሙሽተ ኣቝሲሉ ።

ሰራዊት ሩስያ ነቲ ኪየቭ ንምቁጽጻር ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዘውረዶ ናይ ውግእን ህልቂትን መጥቃዕቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ብዝገጠሞ ተሪር ተቓውሞ መጥቃዕቱ ኣቋሪጹ ፡ ኣብ "እቲ ቀንዲ ሸቶ ፡ ማለት ኣብ ሓርነት ዶንባስ" ከም ዘተኵር ገለጸ ።

ይኹን እምበር ፡ ሚስተር ባይደን ፡ ሞስኮ ነቲ እትኽተሎ ዝነበረት ሜላ ከም ዝቐየሮ "ርግጸኛ ከም ዘይኰንኩ" ገሊጹ ኣሎ ።

መራሕቲ ዓለም ንቭላድሚር ፑቲን 'ናይ ውግእ ገበነኛ' ኢሎም እዮም ዝገልጽዎ ዘለውይ ።


Share

Published

Source: SBS News

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service