ኣብ ሊብያ ብዕልቕልቕ ማይ ልዕሊ 2,500 ሰባት ሞይቶም ልዕሊ10,000 ሰባት ሃለዋቶም ጠፊኡ።

ኣብ ሊብያ ብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይ ስለ ዘጋጠመ ፡ ቍጽሪ ዝሞቱ ሰባት "ኣዝዩ ብዙሕ" ክኸውን ትጽቢት ይግበር ።

Many Libyans are trying to find missing family members they fear were swept away by the floods. Source: AAP / Jamal Alkomaty/AP

Credit: Beyene Weldegiorgis

ኣብ ሊብያ ብሰንኪ እቲ ኣብ መዲተራነያን ዘጋጠመ ዓብዪ ህቦብላዊ ዝናም ፡ ሓጽብታት ኣፍሪሱ ፡ ህንጻታት ኣዕንዩ ፡ ከምኡውን ዳርጋ ርብዒ እታ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ደርና ዓንያ። በቲ ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ማይ ፡ ልዕሊ 2,000 ሰባት ሞይቶም ፡ ብውሕዱ 10,000 ድማ ጠፊኦም ።

ማዕበል ዳንኤል ብማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቑ ናብታ ድሕሪ እቲ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዝቐጸለ ግጭት ፡ እተኸፋፈለትን ሃገር ድሕሪ ምእታዉ ፡ ቍጽሪ ምዉታት እናወሰኸ ክኸይድ ትጽቢት ይግበር ።


ብዙሓት ሃገራት ነታ ብሰንኪ ውግእ ኣዝያ ዝተሃስየት ሃገር ንምሕጋዝ ፡ ረድኤት ብህጹጽ ክልእኻን ጕጅለታት ረድኤት ኣድሕን ከም ዝኽእላ ገሊጸን ። ሓደ ብዓል ስልጣን ው.ሕ.ሃ. እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ "ኣዝዩ ከቢድ መዓት" ክብል ገሊጽዎ ።

ኣብቲ ንምብራቕ ዝቈጻጸር ምምሕዳር ሚኒስተር ሲቪል ኣቬሽን ሂቸም ኣቡ ቹካት ከም ዝገልጾ፡ "ኣብ ኵሉ ቦታታት ፡ ማለት ኣብ ባሕሪ ፡ ኣብ ስንጭሮታት ፡ ኣብ ትሕቲ ህንጻታት ፡ ሬሳታት መሊኡ ኣሎ" ። ክብል ናብ ደርና ድሕሪ ምብጻሑ ብተለፎን ን ሮይተርስ ሓቢሩ ።

"25 ካብ ሚእቲ እታ ከተማ ጠፊኣ እንተ በልኩ ኣየጋነንኩን ። ብዙሕ ህንጻታት ፈሪሱ እዩ "በለ ።


ኣቡ ጩካት ጸኒሑ ንኣል ጀዚራ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ ቍጽሪ እቶም ዝጠፍኡ ሰባት እናወሰኸ ስለ ዝኸይድ ፡ ቍጽሪ እቶም ዝሞቱ ኣብ መላእ እታ ሃገር ልዕሊ 2,500 ክበጽሕ ትጽቢት ከም ዝገበረ ገሊጹ ኣሎ ።


እታ ኣብ ሊብያ ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ ዝዀነት ቤንጋዚ እትርከበን ካልኦት ምብራቓውያን ከተማታት እውን በቲ ህቦብላ ተጠቒዐን እየን ። ሓላፊ ልኡኽ ኣህጉራዊ ፈደረሽን ማሕበራት ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ መስቀልን ታመር ረመዳን ፡ ድምር ቍጽሪ እቶም እተቐትሉ "ኣዚዩ ብዙሕ" ከም ዝኸውን ገሊጹ ኣሎ ።
ንሱ ብቪድዮ ሊንክ ገይሩ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ "ክሳዕ ሕጂ ቍጽሪ እቶም ዝጠፍኡ ሰባት 10,000 ይበጽሕ ከም ዘሎ ፡ ካብ ነጻ ምንጪ ሓበሬታ መረጋገጺ ክንረክብ ንኽእል ኢና" በለ ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ናይ ሰብኣዊ ጉዳያት ናይ ህጹጽ ግብረ መልሲ ጋንታታት ኣብ ባይታ ንኽሕግዛ ከምዝተወደባ ሓቢሩ ።

ቱርክን ካልኦት ሃገራትን ፡ እንተላይ ንምድላይን ንምድሓንን ማካይን ፡ ንምድሓን ዝዀና ጃላቡ ፡ ጀነረተራትን ምግብን ፡ ረድኤት ብቕልጡፍ ናብ ሊብያ ኣብ ዝኸዳሉ ዝነበራ እዋን ፡ ዜጋታት ደርና ን ኣባላት ቤተ ሰቦምት ንምርካብ ፡ ተቐላጢፎም ናብ ዓዶም ተጓዒዞም ኣለዉ ።




Share

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ኣብ ሊብያ ብዕልቕልቕ ማይ ልዕሊ 2,500 ሰባት ሞይቶም ልዕሊ10,000 ሰባት ሃለዋቶም ጠፊኡ። | SBS Tigrinya