ኣብ ሊብያ ብሰንኪ እቲ ኣብ መዲተራነያን ዘጋጠመ ዓብዪ ህቦብላዊ ዝናም ፡ ሓጽብታት ኣፍሪሱ ፡ ህንጻታት ኣዕንዩ ፡ ከምኡውን ዳርጋ ርብዒ እታ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ደርና ዓንያ። በቲ ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ማይ ፡ ልዕሊ 2,000 ሰባት ሞይቶም ፡ ብውሕዱ 10,000 ድማ ጠፊኦም ።
ማዕበል ዳንኤል ብማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቑ ናብታ ድሕሪ እቲ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዝቐጸለ ግጭት ፡ እተኸፋፈለትን ሃገር ድሕሪ ምእታዉ ፡ ቍጽሪ ምዉታት እናወሰኸ ክኸይድ ትጽቢት ይግበር ።
ብዙሓት ሃገራት ነታ ብሰንኪ ውግእ ኣዝያ ዝተሃስየት ሃገር ንምሕጋዝ ፡ ረድኤት ብህጹጽ ክልእኻን ጕጅለታት ረድኤት ኣድሕን ከም ዝኽእላ ገሊጸን ። ሓደ ብዓል ስልጣን ው.ሕ.ሃ. እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ "ኣዝዩ ከቢድ መዓት" ክብል ገሊጽዎ ።
ኣብቲ ንምብራቕ ዝቈጻጸር ምምሕዳር ሚኒስተር ሲቪል ኣቬሽን ሂቸም ኣቡ ቹካት ከም ዝገልጾ፡ "ኣብ ኵሉ ቦታታት ፡ ማለት ኣብ ባሕሪ ፡ ኣብ ስንጭሮታት ፡ ኣብ ትሕቲ ህንጻታት ፡ ሬሳታት መሊኡ ኣሎ" ። ክብል ናብ ደርና ድሕሪ ምብጻሑ ብተለፎን ን ሮይተርስ ሓቢሩ ።
"25 ካብ ሚእቲ እታ ከተማ ጠፊኣ እንተ በልኩ ኣየጋነንኩን ። ብዙሕ ህንጻታት ፈሪሱ እዩ "በለ ።
ኣቡ ጩካት ጸኒሑ ንኣል ጀዚራ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ ቍጽሪ እቶም ዝጠፍኡ ሰባት እናወሰኸ ስለ ዝኸይድ ፡ ቍጽሪ እቶም ዝሞቱ ኣብ መላእ እታ ሃገር ልዕሊ 2,500 ክበጽሕ ትጽቢት ከም ዝገበረ ገሊጹ ኣሎ ።
እታ ኣብ ሊብያ ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ ዝዀነት ቤንጋዚ እትርከበን ካልኦት ምብራቓውያን ከተማታት እውን በቲ ህቦብላ ተጠቒዐን እየን ። ሓላፊ ልኡኽ ኣህጉራዊ ፈደረሽን ማሕበራት ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ መስቀልን ታመር ረመዳን ፡ ድምር ቍጽሪ እቶም እተቐትሉ "ኣዚዩ ብዙሕ" ከም ዝኸውን ገሊጹ ኣሎ ።
ንሱ ብቪድዮ ሊንክ ገይሩ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ "ክሳዕ ሕጂ ቍጽሪ እቶም ዝጠፍኡ ሰባት 10,000 ይበጽሕ ከም ዘሎ ፡ ካብ ነጻ ምንጪ ሓበሬታ መረጋገጺ ክንረክብ ንኽእል ኢና" በለ ።
ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ናይ ሰብኣዊ ጉዳያት ናይ ህጹጽ ግብረ መልሲ ጋንታታት ኣብ ባይታ ንኽሕግዛ ከምዝተወደባ ሓቢሩ ።
ቱርክን ካልኦት ሃገራትን ፡ እንተላይ ንምድላይን ንምድሓንን ማካይን ፡ ንምድሓን ዝዀና ጃላቡ ፡ ጀነረተራትን ምግብን ፡ ረድኤት ብቕልጡፍ ናብ ሊብያ ኣብ ዝኸዳሉ ዝነበራ እዋን ፡ ዜጋታት ደርና ን ኣባላት ቤተ ሰቦምት ንምርካብ ፡ ተቐላጢፎም ናብ ዓዶም ተጓዒዞም ኣለዉ ።