'ንመጻኢ ዘነጽርን ህድ ኣት ዝሓትት ግዜን': ብምኽንያት ታይዋን ቻይናን ኣውስትራሊያን ኣብ ወጥሪ ይኣትዋ።

ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ኤምባሲ ቻይና ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፔኒ ዎንግን ኣመሪካን ጃፓናዉያንን ኣቢሉ ንታይዋን ኣመልኪቱ ዝሃቦ ርእይቶ "ዘተሓሳስብ" ከም ዝኾነ ገሊጹ ኣሎ ።

ኤፍ-5 ዝዓይነታ ነፋሪት ታይዋን ፡ ብ6 ነሓሰ 2022 ኣብ ታይቱንግ ፡ ታይዋን ካብ ዝርከብ መደበር ኣየር ቺሃንግ ክትበርር

ኤፍ-5 ዝዓይነታ ነፋሪት ታይዋን ፡ ብ6 ነሓሰ 2022 ኣብ ታይቱንግ ፡ ታይዋን ካብ ዝርከብ መደበር ኣየር ቺሃንግ ። ቻይና ኣብ ጥቓ ታይዋን ኣብ ዝርከብ ማያት ፡ ከቢድ ተኹሲ ተካይድ ኣላ ። Credit: Annabelle Chih/Getty Images

ፈደራላዊ መንግስቲ ነቲ ኣመሪካ ኣብ ታይዋን ዲፕሎማስያዊ ምብጻሕ ዝገበረቶ ስዒቡ ቻይና ዝወሰደቶ ግብረመልሲ ከም መዕነውን ልዕሊ ዓቐንን ኢሉ ድሕሪ ምጽውዑ ፡ ኣብ መንጎ ኣውስትራልያን ቻይናን ዘሎ ርክባት እናሓርፈፈ እዩ ዝኸይድ ዘሎ ።
ናይ ቻይና ኤምባሲ ኣብ ኣውስትራልያ፡ ን ኣውስትራሊያ ኣብ ልዕሊ ታይዋን ትገብሮ ዘላ ምትእትታው "ኣጻብዕ ምውጥዋጥ" ተቐባልነት የብሉን ብምባል ኣጠንቂቕዋ ኣሎ ።
ኣፈኛ ባይቶ ኣመሪካ ናንሲ ፐሎሲ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ዝገበረቶ ኣካራኻሪ ምብጻሕ ፡ ቻይና ፡ ኣብ ጥቓ ታይዋን ናይ ባለስቲክ ሚሳይላት ወንጪፋ እያ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ታይዋን ከም ዝሓበሮ ፡ መራኽብ ዉግእ ቻይናን ነፈርትን ነቲ ኣብ መጻብቦ ታይዋን መጥቃዕቲ ከምዘፈነዋን፡ ገሊአን ከኣ ነቲ ማእከላይ መስመር ከም ዝሰግራኦ ፡ ሰራዊት ታይዋን ድማ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ገሊጹ ኣሎ ።
ኣውስትራልያ ኣብቲ ምስ ቻይና እትገብሮ ርክባት ንጹርን ህዱእን እኳ እንተ ኰነ ፡ ነቲ ዝግበር ዘሎ ካም ምኹናን ስቕ ከምዘይትብል ናይ መንግስቲ ኣልባነስ ክሪስ ቦወን ገሊጹ ኣሎ።

ሚኒስተር ክሊማዊ ለውጢ ንማዕከን ዜና ናይን ኔት ዎርክ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ "ቻይና እትገብሮ ዘላ ነገር (ሚስ ፐሎሲ ድሕሪ ዝገበረቶ ምብጻሕ) ልዕሊ ዓቐን እዩ ። ንጹርን ህዱእን ሲ እትዀነሉ እዋን ምዃኑ ንጹር እዩ" በለ ።
"ኣብ ናይ ኣውስትራሊያ ሃገራዊ ረብሓን ምስ መትከላትናን ኢና ክንዋሳእ.. ኣብቲ ዞባ እንታይ ክኸውን ኣለዎ ኢልና ክንዛረብ ኢና ፡ ዋላ ካልኦት ኣህዛብ ምስዚ ኣይሰማምዑን እዮም ።"
ክሪስ ቦወን
ካቢነ ሚኒስተር ክሪስ ቦወን
ብዓርቢ ኣውስትራልያ ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ጃፓንን ዝወጸ ሓባራዊ መግለጺ ፡ ነቲ መንግስቲ ቻይና ዝወሰዶ ስጉምቲ ብምዅናን ፡ ብኡንብኡ ወተሃደራዊ ልምምድ ከቋርጹ ተማሕጺኑ ።
ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ኤምባሲ ቻይና ፡ ብቀዳም ብዛዕባዚ ዘተሓሳስብን "ባህ ዘየብልን" እዩ ክብል ርእይቶኡ ሂቡ እዩ ።
"እቲ ብመንግስቲ ቻይና ዝተወስደ ስጉምቲ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን እታ ሃገር ንምሕላውን ንንጥፈታት ተገንጸልቲ ንምዕጋትን ዝወሰዶ ስጕምትታት ሕጋውን ምኽኑይን እዩ" ኢሉ ።
"ኣውስትራልያዊ ኣብ ክንዲ ነቲ ግዳይ ኣብ ክንዲ ትድንግጸሉን ትድግፍን: ነቲ ግዳይ ምስቶም ገበነኛታት ኰኒናቶም ።"

'ነገራት በብቕሩብ ኣብ ወጥሪ ይኣትዉ ኣለዉ'

ኣፈኛ ምክልኻል ሰልፊ ተቓውሞ ኣንድሪው ሃስቲ ነቲ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ስትራተጂያዊ ኣመለኻኽታ "ዘስግእ" ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ ።
እቲ ብመንግስቲ ዝተኣወጀ ናይ ምክልኻል ክለሳ ንናይ ኣውስትራሊያ ምክልኻል ሓይሊ ዓቕሚ ዘየጉድል ምዃኑ ከረጋግጽ ኣለዎ ኢሉ ።

"(ኣውስትራልያ) ተወሳኺ ናይ ነዳዲ ውህለላ የድልያ እዩ. ተወሳኺ ናይ ነዳዲ ምኽዛን የድልየና እዩ ። ናይ ሳይበር ተጻዋርነት ንምርካብ ቀጻሊ ወፍሪ ክንገብር ኣሎና" ክብል ሚስተር ሃስቲ ን ABC ገሊጹ።
"ንሃገርና ዘገልግል ሳብማሪን (ኑክልየሳዊ) ኣብ ምድሓን ፡ ዘየቋርጽን ፖለቲካዊ ኣትኵሮ ክንገብር ኣሎና ።"

ኣንድሪው ሀስቲ
ናይ ሰልፊ ተቓዋሚ ወሃብ ቃል ምክልኻል ኣንድሪው ሀስቲ Source: AAP
"ናይ ጌጋ ሓበሬታ ፡ ጌጋ ቅማረ ዝለዓለ ሓደጋ ስለ ዘሎ ፡ ቍሩብ ግዜ ጥራይ እዩ ዘፍቅድ ፣ ኵሎም እቶም ንሓድሕዶም ኪተሓጋገዙ ወገናት ፡ ጥርጣረኦም ከዕዝዙ ብሓቂ ኣገዳሲ እዩ" በለ ።
"ኣብ" ዚ እዋን እዚ ፡ ቍሩብ ውጥረት እዩ ዘሎ ፣ ኣብ መወዳእታ ፡ ምስ ቻይናን ታይዋንን ጽምዶና ክንውስኽ ኣሎና ። "

'ዘይተመጣጣኒን ዘየረጋግእን'

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፔኒ ዎንግ ብዓርቢ ፡ ካምቦድያ ኣብ እተገብረ ዋዕላ ሃገራት ምብራቕ እስያን ተረኺባ፡ ንበይጂንግ ብምኹናን ፡ ዝወሰደቶ ስጉምቲ "ዘይተመጣጣኒን ዘየረጋግእን" ብምባል ንተግባራት በይጂንግ ኮኒናቶ እያ ።
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን ናይ ጃፓን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን እውን ንተግባራት ቻይና ኰኒንምዎ እዩ ም።
ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ኤምባሲ ቻይና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ "እቲ ቻይና ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን እታ ሃገር ንምሕላው ዝገበረቶ ፍትሓዊ ስጕምቲ ፡ ኣጻብዕ እናወጣወጥካ ምጥቃዕ ፈጺሙ ተቐባልነት የብሉን" በለ ።
ኣመሪካ ኣብ መጻብቦ ታይዋን ሰላም ከይሰፍን ዝዓበየ ስግኣት ምዃኑ ድሕሪ ምኽሳስ ፡ ኣውስትራልያ ኣብቲ ኣብ መንጎ ቻይናን ጃፓንን ዘሎ ናይ ባሕሪ ምስሕሓብ ክትውግን የብላን ኢሉ ።
"ናይ ኣውስትራሊያ ወገን ንሕቶ ታይዋን ብጥንቃቐ ክሕዞ ተስፋ ንገብር ፡ ገለ ሃገራት ብዛዕባ ንቻይና ምስ ታይዋን ሒዘንኦ ዘለዋ ስልቲ ከይትኽተል ፡ ኣብ ርክባት ቻይና-ኣውስትራሊያ ድማ ሓድሽ ሽግርን ህውከትን ከይፈጥርን" ክብል እቲ ወሃቢ ቃል ኣጠንቂቑ ።
ናይ ደቡብ ኣውስትራሊያ ሰኔተር ፐኒ ዎንግ
Foreign Minister Penny Wong. Source: AAP
ሰነተር ዎንግ ብዓርቢ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ፡ ኣውስትራልያ ነቲ ኣብ ከባቢ ታይዋን ዝተተኮሰ ባለስቲክ ሚሳይላት "ኣዝዩ ኣጨኒቕዋ" ከም ዘሎ ገሊጻ ።
"ኣብ ግጭት ዘይኰነስ: ኣብ ሰላም ቦታ ምርካብ ረብሓና እዩ ። ኣውስትራሊያ ነቲ ኣብ መጻብቦ ታይዋን ዘሎ ኩነታት ናይ ሓደ ወገን ለውጢ ክትርኢ ኣይትደልን እያ "።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ብዓርቢ ኣውስትራልያ ናብ ቻይና ዝቐንዐ "እቲ ህሉው ኵነት" ንምዕቃብ ትቕጽል ከምዘላ ፡ እንተኾነ ንሃገራዊ ረብሓታታን ክብርታታ ክትጣበቕ ምዃና ገሊጹ ።
"ነቲ ዘለናዮ መገዲ ክንቅጽሎ ኣለና ፡ እዚ ድማ ምስ ቻይና ኣብ እንኽእለሉ ቦታ ሓቢርና ክንሰርሕን ኣወንታዊ ርክባት ክንገብርን ኣለና ፡ እንተኾነ ግን ንስነ-ምግባራዊ መትከላት ኣውስትራሊያን ንናይ ኣውስትራሊያ ሃገራዊ ረብሓን ኣብ ግምት ኣእቲና ደው ክንብል ኣለና" ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር አልባነስ ንሬድዮ ኤቢሲ ገሊጹ ።
"እዚ ንጉዳይ ሕጊ ዘጠቓልል እዩ ፣ ኣብ ባሕሪ ደቡብ ቻይና ውሑስ ዝዀነ ጕዕዞን መተሓላለፊ መገድን ንኺህሉ ምፍቃድ ።"

With Reuters

Share

Published

Source: AAP

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service