'ንመጻኢ ዘነጽርን ህድ ኣት ዝሓትት ግዜን': ብምኽንያት ታይዋን ቻይናን ኣውስትራሊያን ኣብ ወጥሪ ይኣትዋ።

ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ኤምባሲ ቻይና ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፔኒ ዎንግን ኣመሪካን ጃፓናዉያንን ኣቢሉ ንታይዋን ኣመልኪቱ ዝሃቦ ርእይቶ "ዘተሓሳስብ" ከም ዝኾነ ገሊጹ ኣሎ ።

ኤፍ-5 ዝዓይነታ ነፋሪት ታይዋን ፡ ብ6 ነሓሰ 2022 ኣብ ታይቱንግ ፡ ታይዋን ካብ ዝርከብ መደበር ኣየር ቺሃንግ ክትበርር

ኤፍ-5 ዝዓይነታ ነፋሪት ታይዋን ፡ ብ6 ነሓሰ 2022 ኣብ ታይቱንግ ፡ ታይዋን ካብ ዝርከብ መደበር ኣየር ቺሃንግ ። ቻይና ኣብ ጥቓ ታይዋን ኣብ ዝርከብ ማያት ፡ ከቢድ ተኹሲ ተካይድ ኣላ ። Credit: Annabelle Chih/Getty Images

ፈደራላዊ መንግስቲ ነቲ ኣመሪካ ኣብ ታይዋን ዲፕሎማስያዊ ምብጻሕ ዝገበረቶ ስዒቡ ቻይና ዝወሰደቶ ግብረመልሲ ከም መዕነውን ልዕሊ ዓቐንን ኢሉ ድሕሪ ምጽውዑ ፡ ኣብ መንጎ ኣውስትራልያን ቻይናን ዘሎ ርክባት እናሓርፈፈ እዩ ዝኸይድ ዘሎ ።

ናይ ቻይና ኤምባሲ ኣብ ኣውስትራልያ፡ ን ኣውስትራሊያ ኣብ ልዕሊ ታይዋን ትገብሮ ዘላ ምትእትታው "ኣጻብዕ ምውጥዋጥ" ተቐባልነት የብሉን ብምባል ኣጠንቂቕዋ ኣሎ ።

ኣፈኛ ባይቶ ኣመሪካ ናንሲ ፐሎሲ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ዝገበረቶ ኣካራኻሪ ምብጻሕ ፡ ቻይና ፡ ኣብ ጥቓ ታይዋን ናይ ባለስቲክ ሚሳይላት ወንጪፋ እያ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ታይዋን ከም ዝሓበሮ ፡ መራኽብ ዉግእ ቻይናን ነፈርትን ነቲ ኣብ መጻብቦ ታይዋን መጥቃዕቲ ከምዘፈነዋን፡ ገሊአን ከኣ ነቲ ማእከላይ መስመር ከም ዝሰግራኦ ፡ ሰራዊት ታይዋን ድማ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ገሊጹ ኣሎ ።

ኣውስትራልያ ኣብቲ ምስ ቻይና እትገብሮ ርክባት ንጹርን ህዱእን እኳ እንተ ኰነ ፡ ነቲ ዝግበር ዘሎ ካም ምኹናን ስቕ ከምዘይትብል ናይ መንግስቲ ኣልባነስ ክሪስ ቦወን ገሊጹ ኣሎ።

ሚኒስተር ክሊማዊ ለውጢ ንማዕከን ዜና ናይን ኔት ዎርክ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ "ቻይና እትገብሮ ዘላ ነገር (ሚስ ፐሎሲ ድሕሪ ዝገበረቶ ምብጻሕ) ልዕሊ ዓቐን እዩ ። ንጹርን ህዱእን ሲ እትዀነሉ እዋን ምዃኑ ንጹር እዩ" በለ ።

"ኣብ ናይ ኣውስትራሊያ ሃገራዊ ረብሓን ምስ መትከላትናን ኢና ክንዋሳእ.. ኣብቲ ዞባ እንታይ ክኸውን ኣለዎ ኢልና ክንዛረብ ኢና ፡ ዋላ ካልኦት ኣህዛብ ምስዚ ኣይሰማምዑን እዮም ።"

ክሪስ ቦወን
ካቢነ ሚኒስተር ክሪስ ቦወን

ብዓርቢ ኣውስትራልያ ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ጃፓንን ዝወጸ ሓባራዊ መግለጺ ፡ ነቲ መንግስቲ ቻይና ዝወሰዶ ስጉምቲ ብምዅናን ፡ ብኡንብኡ ወተሃደራዊ ልምምድ ከቋርጹ ተማሕጺኑ ።

ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ኤምባሲ ቻይና ፡ ብቀዳም ብዛዕባዚ ዘተሓሳስብን "ባህ ዘየብልን" እዩ ክብል ርእይቶኡ ሂቡ እዩ ።

"እቲ ብመንግስቲ ቻይና ዝተወስደ ስጉምቲ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን እታ ሃገር ንምሕላውን ንንጥፈታት ተገንጸልቲ ንምዕጋትን ዝወሰዶ ስጕምትታት ሕጋውን ምኽኑይን እዩ" ኢሉ ።

"ኣውስትራልያዊ ኣብ ክንዲ ነቲ ግዳይ ኣብ ክንዲ ትድንግጸሉን ትድግፍን: ነቲ ግዳይ ምስቶም ገበነኛታት ኰኒናቶም ።"

'ነገራት በብቕሩብ ኣብ ወጥሪ ይኣትዉ ኣለዉ'

ኣፈኛ ምክልኻል ሰልፊ ተቓውሞ ኣንድሪው ሃስቲ ነቲ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ስትራተጂያዊ ኣመለኻኽታ "ዘስግእ" ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ ።

እቲ ብመንግስቲ ዝተኣወጀ ናይ ምክልኻል ክለሳ ንናይ ኣውስትራሊያ ምክልኻል ሓይሊ ዓቕሚ ዘየጉድል ምዃኑ ከረጋግጽ ኣለዎ ኢሉ ።

"(ኣውስትራልያ) ተወሳኺ ናይ ነዳዲ ውህለላ የድልያ እዩ. ተወሳኺ ናይ ነዳዲ ምኽዛን የድልየና እዩ ። ናይ ሳይበር ተጻዋርነት ንምርካብ ቀጻሊ ወፍሪ ክንገብር ኣሎና" ክብል ሚስተር ሃስቲ ን ABC ገሊጹ።

"ንሃገርና ዘገልግል ሳብማሪን (ኑክልየሳዊ) ኣብ ምድሓን ፡ ዘየቋርጽን ፖለቲካዊ ኣትኵሮ ክንገብር ኣሎና ።"

ኣንድሪው ሀስቲ
ናይ ሰልፊ ተቓዋሚ ወሃብ ቃል ምክልኻል ኣንድሪው ሀስቲ Source: AAP

"ናይ ጌጋ ሓበሬታ ፡ ጌጋ ቅማረ ዝለዓለ ሓደጋ ስለ ዘሎ ፡ ቍሩብ ግዜ ጥራይ እዩ ዘፍቅድ ፣ ኵሎም እቶም ንሓድሕዶም ኪተሓጋገዙ ወገናት ፡ ጥርጣረኦም ከዕዝዙ ብሓቂ ኣገዳሲ እዩ" በለ ።

"ኣብ" ዚ እዋን እዚ ፡ ቍሩብ ውጥረት እዩ ዘሎ ፣ ኣብ መወዳእታ ፡ ምስ ቻይናን ታይዋንን ጽምዶና ክንውስኽ ኣሎና ። "

'ዘይተመጣጣኒን ዘየረጋግእን'

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፔኒ ዎንግ ብዓርቢ ፡ ካምቦድያ ኣብ እተገብረ ዋዕላ ሃገራት ምብራቕ እስያን ተረኺባ፡ ንበይጂንግ ብምኹናን ፡ ዝወሰደቶ ስጉምቲ "ዘይተመጣጣኒን ዘየረጋግእን" ብምባል ንተግባራት በይጂንግ ኮኒናቶ እያ ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን ናይ ጃፓን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን እውን ንተግባራት ቻይና ኰኒንምዎ እዩ ም።

ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ኤምባሲ ቻይና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ "እቲ ቻይና ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን እታ ሃገር ንምሕላው ዝገበረቶ ፍትሓዊ ስጕምቲ ፡ ኣጻብዕ እናወጣወጥካ ምጥቃዕ ፈጺሙ ተቐባልነት የብሉን" በለ ።

ኣመሪካ ኣብ መጻብቦ ታይዋን ሰላም ከይሰፍን ዝዓበየ ስግኣት ምዃኑ ድሕሪ ምኽሳስ ፡ ኣውስትራልያ ኣብቲ ኣብ መንጎ ቻይናን ጃፓንን ዘሎ ናይ ባሕሪ ምስሕሓብ ክትውግን የብላን ኢሉ ።

"ናይ ኣውስትራሊያ ወገን ንሕቶ ታይዋን ብጥንቃቐ ክሕዞ ተስፋ ንገብር ፡ ገለ ሃገራት ብዛዕባ ንቻይና ምስ ታይዋን ሒዘንኦ ዘለዋ ስልቲ ከይትኽተል ፡ ኣብ ርክባት ቻይና-ኣውስትራሊያ ድማ ሓድሽ ሽግርን ህውከትን ከይፈጥርን" ክብል እቲ ወሃቢ ቃል ኣጠንቂቑ ።

ናይ ደቡብ ኣውስትራሊያ ሰኔተር ፐኒ ዎንግ
Foreign Minister Penny Wong. Source: AAP

ሰነተር ዎንግ ብዓርቢ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ፡ ኣውስትራልያ ነቲ ኣብ ከባቢ ታይዋን ዝተተኮሰ ባለስቲክ ሚሳይላት "ኣዝዩ ኣጨኒቕዋ" ከም ዘሎ ገሊጻ ።

"ኣብ ግጭት ዘይኰነስ: ኣብ ሰላም ቦታ ምርካብ ረብሓና እዩ ። ኣውስትራሊያ ነቲ ኣብ መጻብቦ ታይዋን ዘሎ ኩነታት ናይ ሓደ ወገን ለውጢ ክትርኢ ኣይትደልን እያ "።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ብዓርቢ ኣውስትራልያ ናብ ቻይና ዝቐንዐ "እቲ ህሉው ኵነት" ንምዕቃብ ትቕጽል ከምዘላ ፡ እንተኾነ ንሃገራዊ ረብሓታታን ክብርታታ ክትጣበቕ ምዃና ገሊጹ ።

"ነቲ ዘለናዮ መገዲ ክንቅጽሎ ኣለና ፡ እዚ ድማ ምስ ቻይና ኣብ እንኽእለሉ ቦታ ሓቢርና ክንሰርሕን ኣወንታዊ ርክባት ክንገብርን ኣለና ፡ እንተኾነ ግን ንስነ-ምግባራዊ መትከላት ኣውስትራሊያን ንናይ ኣውስትራሊያ ሃገራዊ ረብሓን ኣብ ግምት ኣእቲና ደው ክንብል ኣለና" ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር አልባነስ ንሬድዮ ኤቢሲ ገሊጹ ።

"እዚ ንጉዳይ ሕጊ ዘጠቓልል እዩ ፣ ኣብ ባሕሪ ደቡብ ቻይና ውሑስ ዝዀነ ጕዕዞን መተሓላለፊ መገድን ንኺህሉ ምፍቃድ ።"

With Reuters


Share

4 min read

Published

Source: AAP




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now