SKIP TO MAIN CONTENT

ኣምባሳደር ሃይለ መንቀርዮስ ናብ ሶማል ከይኣቱ ተኸልኪሉ።

ኣምባሳደር ሃይለ መንቀርየስ፣ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሶማልን ከም ኣልሸባብ ዝበሉ ተቓወምቲ ጉጅለታትን ንዘሎ ጎንጺ ንምዕራቕ ብ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ተመዚዙ እዩ ናብ ሶማል ክኸይድ ፈቲኑ።

Feature
Source: AFP

1 min read

Published


Skip to article content

ኣብ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ በዓል መዚ ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ  ኣቶ ሃይለ መንቀርዮስ ናብ ሶማል ከይኣቱ ተኸልኪሉ ክብል Africa Intelligence ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ጸብጺቡ።

ኤርትራዊ ሃይለ መንቆሬዎስ ኣብቲ ኤርትራ ንናጽነት ዝገበረቶ ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ ሓደ ካብ  መራሕቲ ህዝባዊ ግምባር ኮይኑ ንብዙሕ ዓመታት ዘገልገለ ኮይኑ፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ከም ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኤርትራ ኮይኑ ከገልግል ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንኣካይዳ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ተቓወሙን ለውጢ ዝጠለቡ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኤርትራ እዩ ኔሩ። ብድሕርዚ ቀዋሚ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ  ከገልግል ጸንሑ።  

ኣምባሳደር ሃይለ መንቀርየስ፣ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሶማልን ከም ኣልሸባብ ዝበሉ ተቓወምቲ ጉጅለታትን ንዘሎ ጎንጺ ንምዕራቕ ብ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ተመዚዙ እዩ ናብ ሶማል ክኸይድ ፈቲኑ።  ፈደራል መንግስቲ ሶማሊያ ን ኣምባሳደር ሃይለ መንቆኤዎስ ኣብ ሞቓድሾ ክቕበሎ ከምዘይደሊ እዩ እቲ ዜና ገሊጹ። እዚ ምኽልካል ናብ መቓድሾ ካብ ወርሒ ሕዳር 2018 ኣትሒዙ ኮይኑ ምኽንያት ናይዚ፡ ምስቲ ኣብ መንጎ መራሕቲ ኤርትራን ሶማሊያን ዘሎ ምቅርራባት ዝተሓሓዝ ከምዝኸውን ከምዝኽእል እቲ ዜና ገሊጹ፡፣

ኣምባሳደር ሃይለ መንቆሪዎስ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ዜግነት ሒዙ እዩ ብናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ፓስፖርት ዝንቀሳቐስ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now