ኣባይቲ ካብ ጨረታ ዶ ወይስ ቀጥታ ካብ ሸያጣይ፧

መጸዋዕታ ድምጺ ኣጫራቲ “ትኸይድ ኣላ ሕጂ፡ ሓደ፡ ትኸይድ ኣላ ክልተ፡ ተሸይጣ!” ምስማዕ ንብዙሓት ገዛእቲ ኣባይቲ ኣብ ኣውስትራልያ ልሙድ’ዩ። ኣብ ጨረታ ኣባይቲ ምግዛእ ሓደ ካብ’ቶም ብብዝሒ ዝውቱራት መንገድታት’ዩ፡ እንተኾነ ግን ነቶም ሕግታቶም ዘይፈልጡ ሰባት ብዙሓት መጻወድያታት ኣለዎምን ዝኸበረ ጌጋ ከፈጽሞም ይኽእልን። እዚ ጸብጻብ ውሑዳት ምኽርታት ንዕውት ሸመተ ኣብ ጨረታ ይህብ።

Auction

Source: AAP

ንብዙሓት ሰባት ገዛ ምግዛእ ዝዓበየ ሸመተ ናይ ህይወቶም’ዩ። ጨረታታት ልሙዳት ኣገባባት ገዛ መግዝኢ’ዮም። ሓደ ምኽንያት ናይ’ዚ ጨረታ ነዊሕን ኣድካምን ዝኾነ መስርሕ ምድላይ ገዛ ናብ ናይ ሓደ ረፍዲ ዕዮ ብምግባር የሕጽሮ። እንተኾነ ግን ምጭራትን ምግዛእን ኣብ መስርሕ ጨረታ ልክዕ ከም ንከቢድ ፈተና ኮፍ ምባል’ዩ። ዓወት ኣብ’ዚ መዳይ ምስራሕ ዕዮ ገዛ የድልዩ፡ ማለት መጽናዕቲ ዕዳጋ ምክያድ፡ ርድኢት መስርሕ ጨረታን እኹል መጠን ፋይናንስ ምህላውን ምቕራብን የጠቓልል።

 

ምኩር ኣካያዲ ኣብ ምዕራብ ሲድኒ ዝርከብ ሓደ ትካል መሸጢ ኣባይቲ፡ ኤሊ ካልቶም፡ ከምዝብሎ እቲ ዝበለጸ ትምህርቲ ገለ ጨረታታት ክካየዱ’ንከለው ምዕዛብ’ዩ። 

“ንፈለማ ግዜ ከቢድ’ዩ። ቅድሚኡ ገለ ጨረታታት ክዕዘቡ ኣለዎም፡ ማለት ከም ተዓዘብቲ፡ ሱቕ ኢሎም ከይዶም ጨረታታት ከመይ ከምዝካየዱ እቲ ስምዒት/ኩነታት ምርኣይ’ዩ።”

 

ኤሊ ካልቶም ምኽባር/ምግጥጣም ግዜ (timing) ወሳኒ’ዩ ትብል። ቅድሚ ምጅማሩ ፍርቂ ሰዓት ኣቐዲምኩም ብጽሑ፡ ነቲ ንመሸጣ ቀሪቡ ዘሎ ገዛ ናይ መወዳእታ ትዕዝብቲ ከተካይዱ እኹል ግዜ መታን ክህልወኩም። ንመሸጣ ቀሪቦም ዘለው ሰነዳት’ውን ንመወዳእታ ግዜ ደጊምካ ትርእየሉ ግዜ’ውን’ዩ፡ ከም ኣብነት ውዕላት መሸጣ ዝኣመሰሉ፡ ምኽንያቱ ድሕሪ ጨረታ፡ እቶም ቅድመ ኩነታት ውዕል ክልወጡ ኣይክእሉን’ዮም።

 

”ብግብሪ ከይዶም ይርኣይዎ/ይተዓዘብዎ። ንገዛእ ርእሶም ንኣባይቲ ብዝምልከት ይመሃሩ። ምስ’ቲ ከባቢ ይላመዱ/ይለማመዱ። ዋጋታት የነጻጽሩ። ነቲ ኣባይቲ ብኢዶም ይተንክፍዎ፡ ኣብ’ኡ ይኺዱ፡ ይዳህስስዎ፡ ዝሰማምዖም እንተኾይኑ ይርኣይዎ/ይመልከትዎ። እቲ ኣባይቲ ዝሰማማዕ ኮይኑ እንተትረኺቡ፡ ምስ’ቶም ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተኻየዱ መሸጣታት ከነጻጽርዎ ኣድላዪ ይኸውን።”

 

ኤሊ ካልቶም ግዱሳት/ድሌት ዘለዎም ገዛእቲ ፈለማ ኣድለይቲ ዘበሉ ክማልኡ ዘለዎም ነገራት ክፍጽሙ ኣለዎም ትብል።

“ስለ’ዚ ናብ ሓደ ክኢላ ሕጊ ምዝውዋር ንብረት ወይ ኣማኻሪ ሕጊ ከይድካ፡ ኣነ ቅድሚ ምጭራተይ ገለ ኣባይቲ ክምልክት ደልየ ኣለኹ ክትብል ትኽእል ኢኻ። ተቖጻጻሪ ህንጻ፡ ባልዕን ዝኾነ ኣብ’ዚ መሬት ዋንነት/ተገዳስነት ዘለዎ፡ ምናልባት ምስፋሕ መንገዲ ክኸውን ይኽእል ወይ ብላዕሊ ዝሓልፉ ገመዳት መብራህቲ፡ ወይ’ውን ሓደ ዓቢይ ቤት ትምህርቲ ነቲ መሬት ክደልዮ/ከድልዮ ይኽእል ይኸውን።”

 

ኣብ መዓልቲ ጨረታ ድሌት ዘለዎም/ግዱሳት ገዛእቲ ምስ’ቲ ኣጫራቲ ክምዝገቡ፡ ገለ ሰነድ መንነት ወረቐት ከርእዩን ንመጫረቲ ዝኾኖም ከኣ ሓደ ቁጽሪ ክወስዱ/ክወሃቦም ኣለዎ። ዝበዝሑ ሸየጥቲ ንሶም ዝቕበልዎ ዝተሓተ ዋጋ መሸጣ፡ ሓደ ዕቑር/ውሱን ዋጋ (reserve price) የቐምጡ። እቲ መጠን ዋጋ ጨረታ ክሳብ’ዚ reserve price እንተበጺሑ፡ እቲ ኣባይቲ ‘ኣብ ዕዳጋ’ሎ ማለት’ዩ፡ ኣብ’ቲ ጨረታ ከኣ ክሽየጥ ኣለዎ።

 

ነፓሊዝ-ኣውስትራልያዊ ዜጋ ዝኾነ ራጂሽ ጨረታ ምቹእ ኩነታት ኣይኮነን ይብል።

“ንፈለማ ግዜ ናብ ጨረታ ዝኸድክሉ ብጣዕሚ ዘፍርሕ/ተስፋዘቑርጽ ኔሩ። ንጨረታ ጥራይ ኢሎም ዝመጹ ብዝሒ ኣብ’ኡ ዝነበሩ ሰባት ምስ ረኣኹ፡ ኣብ’ኡ እንከለኹ ኣድሓርሒረ።”

 

ንሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ንሓደ ኣባይቲ ልዕሊ ሰቡ ዋጋ ሰምዩ፡ ግን ኣይተሓጎስኩን ይብል። ንሱ ኣብ ግዜ ጨረታ ርጉእ ኣእምሮ ምህላውን ኣብ ዝመደብካዮ ባጀት/ክፍሊት ምጽናዕን ኣገዳሲ ምዃኑ የተሓሳስብ።

“ብዛዕባ ክትከፍሎ ተዳሊኻ ዘለኻ ዋጋ ቅቡል ዝኾነ ትጽቢት ይሃልኻ፡ ምኽንያቱ እቲ ዋጋ ናይ’ቲ ኣባይቲ ጥራይ ኣይኮነን ትኸፍሎ፡ ድሕሪኡ ዝመጽእ ክፍሊት ንሕጋዊ ሰነድ/ስታምፕ ዲዩቲን ካልእ ብዙሕ ወጻኢታትን ኣሎ። ምትዕርራይ ዘድልዮ እንተኾይኑ፡ ክንደይ ከተውጽእ ድልው ኣለኻ፧ ስለ’ዚ ኣነ ኣብ ግዜ ጨረታ ሰባት ብስምዒት ክንህሩ ይኽእሉ’ዮም ኢለ ይሓስብ።”

 

ራጂሽ ኣብ ክንዲ ጨረታታት፡ ወኪሉ ኣብ ክንድኡ ኮይኑ ምስ ሓደ ሸያጣይ ዋጋ ዕዳጋ ክገብር/ተወዓዒሉ ክውድኦ ይመርጽ ይብል።

“ብወገነይ ኣነ ጨረታታት ኣይፈትዎምን’የ። ንዓይ እቶም ኣገባባት ኣይሰርሑለይን። ርእሰተኣማንነት ዘለኒ ክኸውን ፈቲነ፡ ግን መኽፈሊ ዝኸውን እኹል ገንዘብ እንተዘይሃልይኒ፡ ክሳብ ክንደይ ርእሰተኣማንነት ኣለኒ ብዘየገድስ፡ ዝሰርሕ ኣይኮነን።”

 

ግሪኽ ኣውስትራልያዊት ዮታ ናብ ጨረታ ድሕሪ ምኻዳ ዝያዳ ትስፉውቲ’ያ ኮይና። ንሳ ንዕኣን ንቤተሰባን ዝኸውን ገዛ ንምግዛእ ኣብ ጨረታ ምጭራት ጥራይ እንተኾይኑ እቲ መንገዲ፡ ኣብ’ኡ ክቃለስ ይመርጽ ትብል።

 

“ኣነ ምውድዳር ብዙሕ ዝፈቱ ኣይመስለንን። እንተኾነ ግን እታ ዝደልያ ዝነበርኩ ገዛ ክረክብ እንተኾይነ ኣነ ንዓይ ከም’ዚ ብድሆ ምኾነኒ ኢለ ይሓስብ። ግን እታ ናይ ብሓቂ ዝደልያ ኣባይቲ እንተኾይና ኣብ’ቲ ውድድር ክትኣትው ኣለካ ኢለ’የ ዝሓስብ። ”

 

ሓደ ምዝጉብ ገዛኢ ዋጋ እንተሰምዩ’ሞ እቲ ዘቕረቦ ዋጋ ኣብ’ቲ ጨረታ ቅቡል እንተኾይኑ፡ እዚ ሓድሽ ወናኒ ብዝከኣል ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ምስ’ቲ ኣጫራቲ ክራኸብ ኣለዎ። እዚ ንምንታይ ከምዝኾነ ኤሊ ካልቶም ይገልጽ።

“ዕዉት ተጫራታይ እንተኾንኩም እታ መዶሻ/መቐጥቀጢ ማርቴሎ ምስ ተሃርመት 10% ናይ’ቲ መግዝኢ ዋጋ ክትከፍሉ ብሕጊ ትሕተቱ። ብመንገዲ ቸክ ክኸውን ይኽእል። ኣብ’ቲ መዓልቲ ጥረ ገንዘብ ክህልወኩም ናይ ግድን ኣይኮነን። ነቲ ውዕል ክትክትምሉ ኣለኩም፡ እቲ 10% ከኣ ክህልወኩም ኣለዎ።”

 

ዘይከም’ቶም ቀዋሚ/ሓደ ውሱን ዋጋ ሃልይዎም ብውልቂ ብምውዕዓል ዝፍጸሙ መሸጣታት፡ ኣብ ጨረታታት ‘መዝሓሊ ግዜ’ ‘cooling off’ period ዝበሃል የለን፡ እቲ ኣብ ጨረታ ዝተዓወተ ነቲ ውዕል ኣብ’ኡ ክውድኦ ኣለዎ። እቲ ኣባይቲ ኣብ ትሕቲ’ቲ መዶሻ ክሽየጥ እንተዘይከኣለ፡ ኤሊ ካልቶም፡ 70% ካብ ኣባይቲ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙናት ድሕሪ’ቲ ጨረታ ተሸይጦም ሓድሽ ወናኒ ይረኽቡ ይብል። ኣብ ከም’ዚ ዓይነት ኩነታት፡ እቲ ወኪል መሸጣ ኣባይቲ ንርትዓዊ ዋጋ ኣብ ዕዳጋ ዝመጣጠን/ዘንጸባርቕ ኣብ መንጎ ሸያጥን ገዛእን ዋጋ ዕዳጋ የካይድ።


Share

Published

By Audrey Bourget

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service