ን15.5 ሚልዮን ልዕሊ 18 ዝዕድመኦምን ኣብ ሓደ ኣድራሻ ካብ ሓደ ወርሒ ንላዕሊ ክነብሩ ዝጸንሑ ኣውስትራልያውያን ድምጺ ምሃብ/ምድማጽ ግዴታዊ’ዩ። ኮሚሽን ምርጫ ኣውስትራልያ ወይ ከኣ AEC መስርሕ ምርጫ ዘሳልጥ ብሕጊ ዝቖመ ነጻ ዝኾነ ኣካል’ዩ። ኣፈኛ AEC ኢቫን ኤኪን-ስሚዝ ጥቓ 950 ሽሕ ዝኾኑ ከድምጹ ክፍቀደሎም ዝኽእል ኣድመጽቲ ክምዝገቡ ብዘይምኽኣሎም ከድምጹ ኣይክእሉን’ዮም ክብል ግምት ይህብ። ንሱ እቶም ዝተመዝገቡ ግዴታ ከድምጹ ኣለዎም ወይ ክቕጽዑ’ዮም ይብል።
“ዝኾነ ዝተመዝገበ ሰብ ድምጹ ክህብ ኣብ መድመጺ ነቑጣ እንተዘይተረኺቡ፡ በቲ ንሕና ‘’ ኢልና ንጽውዖ መጠንቀቕታ ክለኣኸሎም ይኽእልዩ። ቅቡል ምኽንያት እንተሃልይኩም ደሓን፡ ኣፍልጡና ጥራይ። እንተዘየለ ግን $20 መቕጻዕቲ ክትከፍሉ ኢኹም። ነቲ ዝለኣኽናልኩም መጠንቀቕታ መልሲ እንተዘይረኺብና ኣብ ቤት ፍርዲ ክበጽሕዩ ይኽእል’ዩ። ምስ ናይ $170 መቕጻዕትን፡ ምስኡ ዝስዕብ ካልእ ወጻኢታት ቤትፍርድን።”
ከተድምጽ ተመዝጊብካ እንተሃሊኻ ግን ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ስምካ ወይ ትነብረሉ ኣድራሻ እንተቐይርካ ናትካ ውልቃዊ ሓበሬታ ኣብ መዝገብ መረጽቲ ከተሓድሶ ይግብኣካ።
“ንሕና ኣብ ዝበለጸ ደሞክራሲ ዘለዎ ኣውስትራልያ ንነብር። ኣብ መላእ ዓለም ብዙሓት ሃገራት ኣለዋ ህዝበን ድምጾም ከስምዑ ኣዝዮም ዝቃለሱለን ኣለዋ። ኣብ ኣውስትራልያ፡ ንሕና ናብ ድምጽና ቀሊል ቀረብ ኣለና። ሓደ ክንገብሮ ዘለና ቅድሚ መዕጸዊ ግዜ ሰዓት 8 ድ.ቀ. ግንቦት 23 ምእኻሉ ክንምዝገብ ኣለና። ኣብ መዓልቲ ምርጫ ከኣ ኣብ መድመጺ ቦታ ክንርከብ ኣለና።”
ፈደራላዊ ምርጫታት ኣብ ነብሲወከፍ ሰለስተ ዓመት፡ ሰለስተ ዓመት ገደብ ስልጣን ዝወሃቦም ኣባላት ተወከልቲ ባይቶ (House of Representatives)ን ን6 ዓመት ገደብ ዘገልግሉ ኣባላት ሰነትን ይውስን። ከም ልምዲ ፍርቂ ካብ ሰነት ኣብ ነብሲ ወከፍ ሰለስተ ዓመት ይምረጽ። እንተኾነ ግን እዚ ምርጫ ድርብ-ምፍራስ ባይታት (double-dissolution) ምክያድ ማለት ኩሎም መናብርቲ ኣብ ውድድር ክኣትው’ዮም ማለት’ዩ። እዚ ማለት ከኣ 150 መናብርቲ ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲን 76 መናብር ኣብ ሰነትን ማለት’ዩ።
ካብ AEC ዝኾነ ኢቫን ኤኪን-ስሚዝ ኣውስትራልያ ኣብ 1901 ከም ሃገር ካብ እትቐውም እዚ ንሻብዓይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ምርጫ ንድርብ ምፍራስ ባይቶታት’ዩ።
“ምርጫ ንድርብ-ምፍራስ ባይቶታት ማለት ኣብ ንቡር ናይ ምርጫ ግዜ ኢልና ንጽውዖ እትመርጾም ብዝሒ ኣባላት ዕጽፊ ትመርጽ ኣለኻ ማለት’ዩ። እዚ ከኣ ኣብ ግዝኣታት ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ኣብ ኩለን ግዝኣታት ኣብ ንቡር ናይ ምርጫ ግዜ፡ እዚ ማለት ከኣ ፍርቂ ምርጫ ንሰነት ማለት’ዩ፡ 6 ሰነተራትን ንነብሲ ወከፍ ግዝኣት፡ ክልተ ከኣ ነተን ምምሕዳር ዶባት/ተሪተሪታት ትመርጽ። ንሓደ ምርጫ ንድርብ-ምፍራስ ባይቶታት ግን ብምሉኡ እቲ ሰነት ይፈርስ፡ እዚ ማለት ከኣ 12 ክፉታት ቦታታት ንሰነተራት ነብሲ ወከፍ ግዝኣትን ክልተ ጥራይ ከኣ ንቴሪቴሪታትን ኣለው ማለት’ዩ።”
ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ኣብ ዝተመደባ 8000 መድመጺ ነቑጣታት ዘድምጹ መረጽቲ ክልተ መድመጺ ወረቓቕቲ ክወሃቡ’ዮም። እታ ቀጠልያ መድመጺ ወረቐት ንባይቲ ተወከልቲ (House of Representatives) ዝቐረበ ሕጹይ’ቲ ከባቢ ንምምራጽ’ያ። እታ ጻዕዳ መድመጺ ወረቐት ግን ኣብ ግዝኣቶም ወይ ተሪቴሪታቶም ዝወዳደር ሰነተር ንምምራጽ’ያ። ሕጹያት ዝምረጹ ብሓለፋዊ ሜላ ኣደማምጻ (preferential voting system)’ዩ። እዚ ከመይ ከም ዝሰርሕ ኢቫን ኤኪን-ስሚዝ ብኸምዚ ይገልጽ።
“ስለዚ እዚ ናይ ኣውስትራልያ preferential voting ሓለፋዊ ሜላ ኣቆጻጽራ ድምጺ ብመሰረቱ ዕላምኡ ነቲ ዝሃብኩሞ ድምጺ ናብ ዝለዓለ ክኸይድ ንምግባር’ዩ። ስለ’ዚ ኣብ’ቲ ናይ ባይቶ ተወከልቲ (House of Representatives) መድመጺ ወረቐት ቁጽሪ ተንብሩ እንተሃሊኹም፡ ኩሎም እቶም ሰናዱቕ ቁጽሪ ክትህቦም/ክትጽሕፈሎም ኣለኩም። እቲ ቁጽሪ ሓደ ሂብኩም ዝመረጽክሞ ሰብ ካብ ምቑጻር እንድሕሪ ተኣልዩ (እንተዘይሓሊፉ ወይ እንተዘይስዒሩ) ድምጽኹም ናብ’ቲ ስዒቡ ዝመረጽክሞ ሰብ ይኸይድ፡ ወዘተ ከም’ኡ እናበለ ይቕጽል፡ ክሳብ ንሓደ ሕጹይ ዝቑጸረል ማለት’ዩ።”
ኣብ’ታ ጻዕዳ ናይ ሰነት መድመጺ ወረቐት ዝግበር ኣደማምጻ ቁሩብ ፍልይ ይብል። ኣድመጽቲ ምርጭኦም ንሓደ ሰልፊ/ፓርቲ ልዕሊ ሕንጻጽ ምልክት ብምግባር ወይ ዝመርጽዎ ሕጹይ እንተኾይኑ ትሕቲ ሕንጻጽ ቁጽሪ ብምሃብ ክመርጹ ይኽእሉ።
“ንሰልፍታት ከተድምጽ እንተወሲንካ ብውሑዱ ካብ 1 ክሳብ 6 ቁጽርታት ልዕሊ ሕንጻጽ ከተንብር ክህልወካ’ዩ። ወይ ብቐጥታ ነቶም ሕጹያት ከተድምጽ እንተደሊኻ ካብ 1 ክሳብ 12 ትሕቲ ሕንጻጽ ከተንብር ኢኻ። እቶም ዝምረጹ ሰባት ንከባቢኻ፡ ግዝኣትካ ወይ ተሪተሪኻ ዝጸልው ውሳነታት ዝወስዱ ክኾኑ ኣገዳሲ’ዩ። ስለዚ ቁሩብ መጽናዕቲ ኣካይዱ፡ ሓበሬታ ሰኒቕኩም ኣድመጹ።”
ኣብ መዓልቲ ምርጫ ኣብ መድመጺ ቦታ ክርከቡ ዘይክእሉ ኣድመጽቲ ብኻልእ መንገድታት ከድምጹ ይኽእሉ’ዮም።
“መድመጺ ቦታ ልዕሊ 8 ኪ. ሜ. ዝርሕቕ እንተኮይኑ ወይ ኣብ መዓልቲ ምርጫ ከይተድምጹ መሰናኽል እንተሃልዩ፡ ቀቅድሚ መዓልቲ ምርጫ ኣብ ዘለው ሳምንታት ኣቐዲምኩም ከተድምጸሎም እትኽእሉ ነቑጣታት ኣለው። ብተመሳሳሊ ኣብ’ዚኦም ኣቐዲምካ ዝድመጸሎም ነቑጣታት ከተድምጹ እንተዘይክኢልኩም ብጶስጣ ከተድምጹ’ውን ትኽእሉ ኢኹም።”
ካብ ኣውስትራልያ ወጻኢ ንዘድምጹ፡ መድመጺ ወረቓቕቲ ኣብ መዓልቲ ምርጫ ወይ ቅድሚኡ ተመሊኦም ናብ AEC ከለኣኹ ኣለዎም።
“ካብ ኣውስትራልያ ወጻኢ እንተሃሊኹም፡ ኣብ መብዛሕትኦም ኣብ ደገ ዝርከቡ ላዕለዎት ኮሚሽናት ኣውስትራልያ መድመጺ ማእከላት ስለእንቕርብ፡ ዝርከብሉ ቦታታት ንምርኣይ ናብ aec.gov.au/overseas ተወከሱ። ናብ ሓደ ካብ’ዚኦም ክትከዱ እንተዘይከኣልኩም ብጶስጣ ከተድምጹ ከተመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም፡ ጶስጣ መድመጺ ክንልእከልኩም ክንፍትን ኢና። እንተኾነ ግን ገለ ሰባት ናይ ጶስጣ መድመጺ ኣብ ዘይርከበሉ ኩነታት ወይ ናብ መድመጺ ነቑጣ ክመጹ ኣይክእሉን ይኾኑ። ከምኡ እንተኾይኑ እዚ ቅቡል ምኽንያት ንዘይምድማጽ’ዩ።”
መድመጺ ወረቓቕቲ ብጌጋ እንተተመሊኦም ከምዘይቅቡላት ይውሰዱ። ርግጸኛታት እንተዘይኮይኖም፡ ኣድመጽቲ ኣብ መድመጺ ነቑጣ ንዝተመደቡ ሓለፍቲ ቀሪቦም ሓገዝ ክሓቱ ይኽእሉ’ዮም። ቀንዲ ተወዳደርቲ ሰልፍታት ብዙሕ ግዜ ኣገባብ ኣደማምጻ ዝሕብሩ ከመይ ጌርካ ተድምጽ ዝብሉ ካርድታት ኣብ ኣፍደገ መድመጺ ነቑጣታት ይዕድላ።
እንተኾነ ግ ኢቫን ኤኪን-ስሚዝ ኣብ ኣደማምጻ ጌጋ ከይህሉ ኣገዳሲ’ዩ ይብሉ።
“ሰራሕተኛታት ተወዳደርቲ ሰልፍታት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ’ቲ ንስኹም ኬድኩም ድምጽኹም እትህብሉ መድመጺ ነቑጣ ካርድታት ይዕድሉኻ፡ ከመይ ጌርካ ድምጽታትካ ከምእትህብ ይሕብሩኻ። እዚ ግን መምርሒ ጥራይ’ዩ። ናትኩም ድምጺ ናትኩም’ዩ። ከመይ ከም ተድምጹ ናይ ዝኾነ ሰብ ትእዛዝ ክትክተሉ ኣየድልየኩምን’ዩ። እዚ መምርሒ ጥራይ’ዩ፡ ብፍላይ ደጋፊ ናይ ሓንቲ ፖለቲካዊ ሰልፊ እንተኾንካ ከመይ ከምእተድምጽ ምኽሪ ይህቡኻ። ንስኻ ብመሰረት ነቲ ክትመርጾ ዝደለኻ ጥራይ ድምጽኻ ምሃብካ ኣዚኻ ኣረጋግጽ።”
AEC ኣብ መድመጺ ነቑጣታት መላእ ኣውስትራልያ ብ26 ቋንቋታት ዝተጻሕፉ መምርሒታት ኣደማምጻ የቕርብ። እንተኾነ ግን ሕጽረታት ቋንቋ ዘለዎም ኣድመጽቲ ተሓጋገዝቲ ከሰንይዎም ክሓቱ ይኽእሉ’ዮም።
“ድምጽኹም ክትህቡ ሓገዝ እንተደሊኹም፡ እወ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ምድማጽ ክሕግዘኩም ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ሕዚ እዚ ፍቑድ’ዩ። ንሕና ክትጥቀምሉ እትኽእሉ ናይ ቴሌፎን ናይ ትርጉም ኣገልግሎት ኣለና። ንከምዚ’ኦም ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት ቀረብ የድልየኒ’ዩ ኢልኩም እንተሓሲብኩም፡ ደዊልኩም ክትረኽብሉ እትኽእሉ ቁጽሪ ኣብ መርበብ ሓበሬታና aec.gov.au/translated ኣቐሚጥና ኣለና። እቲ ቑጽሪ ደዊልኩም ሕቶታት ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ብቋንቋኹም ሓደ ሰብ ከመይ ጌርኩም ብትኽክል ድምጽኹም ክትህቡ ከምእትኽእሉ መምርሒ ክህበኩም’ዩ።”
መድመጺ ቦታታት ኣብ መዓልቲ ምርጫ ካብ ሰዓት 8 ቅ. ቀ. ክሳብ 6 ድ. ቀ. ክኽፈቱ’ዮም። AEC ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝርከቡ መድመጺ ቦታታት ብግምት ሓደ ሚልዮን ኣድመጽቲ ኣብ ሓደ ሰዓት ከድምጹ ትጽቢት ይገብር። ድምጺ ምሃብ ምስ ተወደአ መድመጺ ወረቓቕቲ ብሰራሕተኛታት መድመጺ ነቑጣታት ብሕጹያት ተወዳደርቲ ዝተመርጹ ተዓዘብቲ እናተሓለው ይቑጸሩ። ውጽኢታት ባይቶ ተወከልቲ (House of Representatives) ኣብ መዓልቲ ምርጫ ይውሰኑ። ብምኽንያት ዝተሓላለኸ ሜላ ኣቆጻጽራ ግን ምውዳእ ፍቕዲ መናብር ንሰነት ሓያለ ሰሙናት ክወስይ ይኽእል’ዩ። ኣብ ታሕተዋይ ባይቶ (House of Representatives) ልዕሊ 75 መናብር ረኺቡ ዝተዓወተ ሰልፊ መንግስቲ ይምስርት።
ድምጽኹም ክትህቡ ብኸመይ ክትምዝገቡ ከምእትኽእሉ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ መርበብ ሓበሬታ ኮሚሽን ምርጫ ኣውስትራልያ www.aec.gov.au ተወከሱ ወይ ከኣ 13 23 26 ደውሉ።
Share

