ፈደራላዊ ስርዓተ ምሕደራ ኣውስትራልያ ስልጣን ኣብ መንጎ ኮሞንዌልዝ ወይ ፈደራላዊ መንግስትን ሽዱሽተ ምምሕዳራዊ ግዝኣታት ቅዋማዊ ምምቕራሕ ይህብ። ኩሎም ብባይቶ ዝሕገጉ ሕግታት ብክልቲኦም ማለት ባይቶ ተወከልትን ሰነትን ክሓልፉ ኣለዎም፡ ድሕሪኡ ብጋቨርነር ጀነራል/ወኪል ንግስነት ክታም ይንበረሉ።
ኣብ ሲድኒ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ዝኾነ ሮድኒ ስሚዝ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ፖለቲካ ኣውስትራልያ ቁልፊ ዝኾነ እጃም ይጻወት ይብል።
“ብቐዳምነት መንግስታት ኣብ ኣውስትራልያ ወጻኢ ዝገብርዎ ገንዘብ ዝበዝሕ ክፋሉ ይእክብ። ኣብ ናቱ መደባት ዝበዝሐ ካብ’ቲ ገንዘብ የውዕሎ። ነተን ምምሕዳራዊ ግዝኣታትን ዶባትን ገለ ካብ’ቲ ገንዘብ ክንህበክን ኢና፡ ግን ንሕና ብዝደለናዮ ፍሉይ ኣገባብ ክትጥቀማሉ ኣለክን ክብለን ይኽእል’ዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ስራሓት መንገዲ ከተውዕልኦ ኣለክን፡ ወይ ኣብ ትምህርቲ፡ ወይ’ውን ኣብ መዓላ ንሆስፒታላትን። ስለ’ዚ ፈደራላዊ መንግስቲ ብዘጥርጥር እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ደረጃ መንግስቲ ኣብ ፖለቲካ ኣውስትራልያ’ዩ።”
እቲ ሰነት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ላዕለዋይ ባይቶ ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ 76 ኣባላት ይሓቁፍ፡ ዓሰርተ ክልተ ካብ’ተን ሽዱሽተ ግዝኣታትን ከክልተ ከኣ ካብ’ተን ክልተ ምምሕዳራዊ ዶባት ወይ ተሪተሪታት። ቀንዲ ዕማሙ ካብ ናይ’ቲ መዓልቲ መንግስቲ ዝመጽእ ሕጋጋት ምግምጋም ወይ ደጊምካ ምርኣይ’ዩ።
“እቲ ሰነት ብዙሕ ግዜ ነቶም ዝተኣመሙ ሕግታት ናብ ውሑድ ቁጽሪ ዘለዎ ጉጅለ ስነተራት፡ ኮሚተ ተባሂሎም ዝጽውዑ፡ ብዝያዳ ዑምቀት ክምርምርዎም ይልእኮም። ነቶም እማመታት ከኣ ኣብ መወዳእትኡ ፈትይዎም’ዶ ኣይፈተዎምን ይውስን። ገለ ምትዕርራያት ክግበረሎም፡ ማለት ነቶም ዝተኣመሙ ሕጋጋት ለውጢ ክግበረሎም ክመኽሩ ወይ እዚ ሕጊ ከምዘለዎ ኣይንፈትዎን ኢና ክብሉ ይኽእሉ’ዮም። ነገራት ብኻልእ ፍልይ ዝበለ መንገዲ ክትግበርሉ ዝኽእሉ’ውን ክሓስቡ ይኽእሉ’ዮም።”
ሰነተራት ሽዱሽተ ዓመት ንውሓት ግዜ የገልግሉ፡ ፍርቁ እቲ ሰነት ከኣ ኣብ ነብሲ ወከፍ ሰለስተ ዓመት ኣብ ግዜ ፈደራላዊ ምርጫ ይምረጽ።
“እቶም ነቲ ቅዋም ኣብ ዳሕረዋይ ክፋል 1880ታትን 1890ታትን ዝጸሓፍዎ ሰባት ሰነት ክህሉ ኣለዎ ዝብሎ ሓሳብ ዘምጽኡ፡ ገለ ካብ’ቶም ሓሳባት እቲ ሰነት ካብ ዝኾነ ሱርበተኽ/ካብ ንቡር ወጻኢ ወይ’ውን ብሃውሪ ዝመጸ መንግስቲ ክህልዎ ዝኽእል ፍሉያት ሓሳባት ልጓም ክኸውን ተባሂሉ’ዩ። ። ከምኡ ንኽግበር፡ ንዕኡ ተፈጻሚ ንምግባር ዝወሰንዎ ሓደ ጽቡቕ ኣገባብ ኣብ ሓደ ናይ ምርጫ ግዜ ፍርቂ ኣባላት ሰነት ጥራይ ከምዝምረጹ ምግባር’ዩ።”
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ መብዛሕትኡ ግዜ ‘ታሕተዋይ ባይቶ’ ወይ ከኣ ‘ባይቶ/ገዛ ህዝቢ’ ይበሃል። እዚ ሰለስተ ዓመት ንውሓት ግዜ ብዘገልግሉ ካብ ተመሳሳሊ ብዝሒ ህዝቢ ዘለወን ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ዝርከባ ናይ ምርጫ ክልላት ዝምረጹ 150 ኣባላት ዝቖመ’ዩ። ዝተፈላለየ ጻዕቂ ህዝቢ ማለት ከኣ ገለ ኣብ ከተማታት ዝርከባ ናይ ምርጫ ክልላት ንእስ ዝበላ’የን፡ እተን ኣብ ገጠራት ዝርከባ ናይ ምርጫ ክልላት ግን ዕብይ ዝበላ’የን።
“ካብ’ቲ ዝውክሎ መሬታዊ ክሊ ናይ ኣውስትራልያ ወጻኢ፡ ናይ’ቲ መዓልቲ መንግስቲ ዝምስረት በቲ ኣብ ውሽጢ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ዝበዝሐ/ኣብዝሓ ደገፍ ክረክብ ዝኸኣለ ሰብ ይኸውን። ስለ’ዚ ማልከም ተርንቡል ሕጂ ቀዳማይ ሚኒስተር ዘሎ’ዩ፡ ምኽንያቱ ኣብዝሓ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ይድግፍዎ፡ ነቶም ካልኦት ሚኒስተራት ከኣ ከም’ኡ።”
ብቀዳማይ ሚኒስተር ማልከም ተርንቡል ዝምራሕ መንግስቲ ጥምረት ኣብ’ዚ እዋን ኣብዝሓ 90 መናብር ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክሕዝ እንከሎ ሰልፊ ለይበር ከኣ 55 መናብር ይሕዝ። ንኽትዕወትን መንግስቲ ክትምስርትን እቲ ኣብ መሪሕነት ዝርከብ ሰልፊ ብውሑድ 76 መናብር ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክረክብ ኣለዎ። እዚ ዝመጽእ ምርጫ ንሰልፊ ለይበር መንግስትነት ንኸምልስ ዕድል ይፈጥረሉ፡ 62 ኣብ ኣጠራጣሪ ዝርከባ መናብር ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ንዋንነት/ውድድር ቅሩባት ኮይነን ኣለዋ።
“ማርጅናል/ኣጠራጣሪ መንበር ዝበሃል ሓደ መንበር ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኮይኑ፡ ክልቲኤን ዓበይቲ ሰልፍታት፡ ሰልፊ ሌበርን ጥምረት ሊበራልን ናሽናልን ንርዱእ ምኽንያታት ተመሳሳሊ ዓቐን ደገፍ ዝህልወን ቦታ ማለት’ዩ። 100% ኣድመጽቲ ኣለውና ኢልና እንተሓሲብና ኣብ ሓደ ናይ ምርጫ ክሊ ወይ መንበር፡ ንኣብነት 51% ካብ’ኦም ንሓደ ሰልፊ ይድግፉ፡ 49% ከኣ ንኻልእ ሰልፊ ይድግፉ፡ ኣዝዩ ተቐራራቢ ውጽኢት ምርጫ ማለት’ዩ። ስለዚ ማርጅናል ወይ ኣጠራጣሪ መንበር ምስ ከም’ዚ ዓይነት ሚዛን ደገፍ ዘለዎ ኩነታት ዝገልጽ’ዩ፡ ኣብ ሓደ ምርጫ እቲ ደገፍ ናብ ሓደ ሰልፊ ክኸይድ እንከሎ፡ ኣብ’ቲ ካልእ ከኣ ናብ ካልእ ሰልፊ ይኸይድ ማለት’ዩ።”
ክልቲኦም ዓበይቲ ሰልፊታት ሓደ ዓይነት ቁጽሪ መናብር ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እንተተዓዊቶም ውጽኢቱ ጠልጠል ዝበለ ባይቶ/ሃንግ ፓርላመንት ክኸውን’ዩ። ናይ’ዚ ዝቐረበ ኣብነት ኣብ 2010 ምርጫ ዘጋጠመ ኮይኑ ክልቲኦም ዓበይቲ ሰልፊታት መንግስቲ ክምስርቱ ዘድልዮም 76 መናብር ክረኽቡ ዘይምኽኣሎም’ዩ። እዚ ከኣ ብደገፍ ሰለስተ ነጻ ተወዳደርቲ ኣባላት ባይቶን ሰልፊ ኣውስትራልያን ግሪንስን ሰልፊ ዕዮ ዝመርሖ ናይ ውሁዳን መንግስቲ/ማይኖሪቲ ጋቨርንመንት ክምስረት ክኢሉ።
“ሃንግ ፓርላመንት ክበሃል ከሎ፡ ንበል ካብ 150 መናብር፡ ሰልፊ ሌበር 72 ክህልዎ እንከሎ፡ ሰልፊ ሊበራል ናሽናል ከኣ 72፡ 6 መናብር ኣብ ኢድ ነጻ ዝኾኑን ንኡሳን ሰልፍታት ዝውክሉን ኣባላት ባይቶ ዝተሓዝሉ ኩነታት ዝገልጽ’ዩ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ናቱ/ናታ መንግስትን ደገፍ ናይ ኣብዝሓ ኣባላት ወከልቲ ክህልዎም ስለዘለዎ፡ ክልቲኦም ስልፍታት፡ ሰልፊ ሌበርን ሰልፊ ጥምረትን ብኣግኡ መንግስቲ ክምስርቱ ኣይክእሉን’ዮም። መንግስቲ መታን ክምስርቱ ምስ’ቶም ነጻ ኣባላት ባይቶን ኣባላት ንኡሳን ሰልፍታትን ክዛተዩ ኣለዎም።”
ሓደ ካብ ኣርባዕተ ነበርቲ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ደገ ዝተወልደ’ዩ፡ ኣስታት ፍርቂ ብዝሒ ናይ ህዝቢ ከኣ ብውሑዱ ሓደ ኣብ ደገ ዝተወልደ ወላዲ ኣለዎም። እዚ ኮይኑ ከብቅዕ ግን እዚ ባህላዊ ብዙሕነት ኣብ ፖለቲካ ኣውስትራልያ ኣይንጸባረቕን’ዩ።
“መብዛሕትኡ ግዜ ሰልፍታት ካብ ብተዛማዲ ውሑዳት ዓይነታት ሰባት ዝመጹ ሕጹያት ንምርጫ ቅድመ መረጻ የካይዳ። እዚኦም ከኣ ከም ልምዲ ደቂተባዕትዮ/ሰብኡት’ዮም። ከም ልምዲ ኣብ ተመሳሳሊ ሞያታት ክሰርሑ ዝጸንሑ ሰባት ይኾኑ። ከም ልምዲ ቀዳማይ ቁንቋ እንግሊዝ ካብ ዝዛረቡ ሰባት ይኾኑን ንዕኡ እናገበሩ ዝዓበዩ እዮም።”
ኣብ ዲክን ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ዝኾነ ፈትሒ ማንሱሪ ኣካያዲ ወይ ዳይረክተር ናይ ትካል ምርምር ዜግነትን ዓውለማን ኣልፍረድ ዲክን’ዩ። ንሱ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ምስ ሓደስትን ዝስስኑ ዘለው ማሕበረሰባትን ክላዘባ/ክዛተያ ክወሃሃዳ መታን ብዙሕነት ከተኣታትዋ ከድልየን’ዩ ዝብል እምነት ኣለዎ።
“ክሳብ እቲ ዘለና ብዙሕነት ኣብ ህዝቢ ዋላ ብውሑድ ብመጠኑ ኣብ’ቲ ኣብኣውስትራልያ እነማዕብሎ ዘሎና ቅርጽታት መሪሕነት ክንርእዮ እንጅምር፡ኩሉ ግዜ ገለ ጋግ ኣብ መንጎ ምሩጻት, ፍሉያት ፖለቲካን እቶም ከዘራርብዎ ምዝፍትኑ ዘለው መረጽትን ክህሉው’ዩ። ብዙሓት ዛዕባታት ኣለው መጻእቲ ሰባት ኣዝዮም ኣዝዮም ዝደልይዎምን ዝግደሱሎምን፡ግን ኣነ እቲ መንግስቲ ይኹን ዋላ እቶም ተቓወምቲ ዋላ’ውን ካብ’ቶም ንኡሳን ሰልፊታት በቶም ሕብረተሰባት ብቐሊሉ ክረኽብዎምን ክርድእዎምን ዝኽእሉ መንገድታት ብልክዕ ክገልጽዎም ክኢሎም ኢለ ኣይሓስብን’የ።”
ልዕሊ 15.6 ሚልዮን ኣውስትራልያውያን ኣብ መዓልቲ ምርጫ ድምጾም ክህቡ ትጽቢት ይግበር። ፕሮፌሰር ማንሱሪ ንሓደስቲ ኣውስትራልያውያን ኣብ’ዚ መስርሕ ደሞክራሲ ክሳተፉ ብፍሉይ ኣገዳሲ’ዩ ይብል።
“ንሕና ንዕኦም ነዛ ሃገር ኣብ ቅድሚኣ ተደኲኖም ዘለው ብድሆታት ክርድእዎምን ንደሊ። ምምጻእ ሰባት ወይ ማይግረሽን ኣብ ሕብረተሰብ ኣውስትራልያ ብመዳያት ብዝሒ ህዝቢ፡ቁጠባ፡ ባህሊን ማሕበራዊ ናብራን ወዘተ… ዓቢ ኣበርክቶ ኣለዎ። ንመጻእቲ ሕብረተሰባት ዝጸልውዎም ፍሉያት ሽግራት ኣለው። እዞም ማሕበረሰባት ኣብ’ቲ ፖለቲካዊ መስርሕ/ስርዓት ብምሉእ ክሳተፉ መታን ከነረጋግጽ እንተዘይኮይንና፡ ዓቢይ ሽግር ክህልወና’ዩ። ኣብ’ኡ’ውን በጺሕና ኣለና፡ግን እናገደደ ክኸይድ’ዩ፡ክንይኡ ክንግስግስ’ውን ዝሓየለ ብድሆ እናኾነ ክመጽእ’ዩ።”
እዚ ፈደራላዊ ምርጫ ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ኣብ ዝተመደባ ልዕሊ 8000 መድመጺ ነቑጣታት 2 ሓምለ ካብ ሰዓት 8 ቅ. ቀ. ክሳብ 6 ድ. ቀ. ክካየድ’ዩ።
Share

