ዘቤታዊ ዓመጽ ኣብ ብዙሓት ኣውስትራልያውያን ስድራቤታት ቀጻሊ ዘጋጥም ጉዳይ’ዩ። ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ኣሃዛት ህዝቢ ኣውስትራልያ 2012 Australian Bureau of Statistics 2012 ሓንቲ ካብ ነብሲ ወከፍ ሓሙሽተ ደቀንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ፡ ሓንቲ ካብ ሰለስተ ኸኣ ኣካላዊ ዓመጽ ኣጋጢምወን ይብል። ንስድራቤታዊ ዓመጽ ዝምርምር ሮያል ኮሚሽን ግዝኣት ቪክቶርያ 2016 ካብ’ቶም ብባህሊን ቋንቋን ፍሉያት ሕብረተሰባት ዝመጹ ሰባት ሓገዛት ንስድራቤታዊ ዓመጽ ክረኽቡ ዝያዳ ማሕለኻትታት ከጋጥሞም ዝኽእሉ’ዮም። እቲ ኮሚሽን ብተወሳኺ ካብ ዝተፈልዩ ሕብረተሰባት ዝመጻ ደቀንስትዮ ካብ’ቶም ዝዓበየ ሓደጋ ናይ ስድራቤታዊ ዓመጽ ከጋጥሞም ዝኽእል ጉጅለታት’የን። ማሕበራዊ ተነጽሎ፡ ስግኣት ግዴታዊ ምምላስ ንዓዲን መሰናኽላት ቋንቋን ገለ ካብ’ቶም ቀንዲ ብከም በዓል ሊቨርፑል ማይግራንት ሪሶርስ ሰንተር Liverpool Migrant Resource Centre (LMRC) ዝኣመሰሉ ኣብ ምዕራባዊ ሲድኒ ወሃብቲ ኣገልግሎት ቅድመ ግንባር ዝተለለዩ ዛዕባታት ደቀንስትዮ ንምንታይ ሓገዝ ክሓታ ከምዘይደልያ’ዮም።
ኣካያዲት ስራሕ LMRC ኦሊቪያ ናይ ዋላ’ኳ ዘቤታዊ ዓመጽ ኣድልዎ ዘይገብር እንተዘይኮነ፡ ደቀንስትዮ ስደተኛታት ግዳያት ክኾና ዝዓበየ ተኽእሎታት ሓደጋ ዘለወን’የን ትብል።
“መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣሎ ደቀንስትዮ ስደተኛታት ብምኽንያት ናብ’ዚ ቅድሚ ምምጻአን ዝነበረን ተሞክሮ፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ኣካላዊ ዓመጽ ወይ ኣሰር ስቓይ ኣብ መበቆል ሃገረን፡ ናብ’ዚ ኣብ ዝመጻሉ ግዜ ዝለዓለ ስግኣት ዘቤታዊ ዓመጽ ከጋጥመን ዘለወን ተኽእሎ ዝለዓለ ክኸውን ይኽእል’ዩ።”
ኦሊቭያ ናይ ሓደ ካብ’ቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ ጉዳያት ንመጻእቲ ወይ ስደተኛታት ደቀንስትዮ ኣድላይነት ምስ ዘቤታዊ ዓመጽ ዝተኣሳሰር መረዳእታ ሕጋዊ መረዳእታ’ዩ፡ ንኣብነት መስርሕ ፍርድን ዓመጸኛ ክርሕቕ ኣለዎ ዝብል ትእዛዝ ቤትፍርዲ AVOs (Apprehended Violence Order).
“ዝበዝሐ ግዜ ሰባት ብዛዕባ ውልቃዊ ሓበሬታ፡ ምሕታት ደገፍ ወይ ካብ ሓዳር/ዝምድና ምውጻእ ንካልእ ሰብ ክዛረቡ ክስከፉ ይኽእሉ’ዮም፡ ብፍላይ ብቪዛ ዝነብሩ እንተኾይኖም፡ ምኽንያቱ ስግኣታት ምጥራዝ ናብ ዓዲ ስለዘሎ፡ ብፍላይ ኣብ ሕጊ ሕድገታት ንዘቤታዊ ዓመጽ ዝምልከት ከምዘለዎም ሕጋዊ መሰሎም ከይፈልጡ ይኽእሉ’ዮም።”
ሓዳስ ኣብዚ ዓዲ መጻኢት ዝኾነት ፖላንዳዊት ፖሊና (መንነታ ንምዕቃብ ስማ ተቐይሩ’ሎ) ንኣርባዕተ ዓመት ካብ ኣቦ ወዳ ኣካላዊ ማህረምቲ ተሳቕየ ትብል። ብሓባር እንከለው መጻምዳ ንፖሊና ካብ ናይ ደገ ዓለም ዓጽይዋ።
“ኣነ ካብ ኩሎም ኣዕሩኽተይ ተነጺለ ኔረ፡ ዋላ ሓደ ይበጽሓኒ ኣይነበረን፡ ኢንተርነት ክኸፍት ኣይፍቀደለይን ኔሩ፡ ንመን ይድውል ይቆጻጸረኒ ኔሩን ብዙሕ ግዜ ነታ ሞባይል ይምንጥለኒ ኔሩ። ምስ ኣብ ፖላንድ ዘለው ቤተሰበይ ብስካይፕ ንሱ ኣብ ዘለዎ ጥራይ የዘራርቦም ኔረ፡ መታን ዝኾነ ዓእይነት ጥርዓን ከየቕርብ።”
ፖሊና ኣብ በዓል ቤታ’ያ ንፋይናንሳዊ ሓገዝ ጽግዕተኛ ዝነበረት። ንጓላ ከተዕቢ ስለዝነበራ ስራሕ ክትወፍር ኣይከኣለትን።
“ኣነ ኣይሰርሕን ኔረ፡ ንሱ’ዩ ዝሰርሕ ኔሩ። ኣነ ኣብ ገዛ’የ ዝውዕል ኔረ። ኣነ የጽሪ፡ ይኽሽን፡ ጓለይ ይኣሊ፡ ኣብ ጀርዲን ይሰርሕ ኔረ… መዓልታዊ። በይነይ ካብ ገዛ ክወጽእ ኣይፍቀደለይን ኔሩ። ምስኡ ጥራይ’የ ንደገ ዝወጽእ ኔረ። ኣነ ብወገን ፋይናንስ ምሉእ ብምሉእ ኣብኡ’የ ጽግዕተኛ ኔረ። ገንዘብ ዝበሃል ኣይነበረንን። ንጓለይ ናብ ሓኪም ክወስዳ እንተድልዩኒ ከም’ኡ ክገብር’ውን ኣይክእልን፡ ንታክሲ መኽፈሊ ገንዘብ ኣይነበረንን።”
ብዘይ ናይ ቀዋሚ መንበሪ ፈቓድ፡ ፖሊና ጓል ሰለስተ ዓመት ጓላ ከይትስእን ፍርሒ ኔርዋ።
“ጓለይ ካባይ ክወስዳ ኣፈራሪሑኒ፡ ንዓይ ከኣ ናብ ፖላንድ ከመልሰኒ ኣፈራሪሑኒ ብቪዛ ይነብር ስለዝነበርኩ። ንሱ እዚ ቀሊል’ዩ ይብለኒ ኔሩ፡ ጓለይ ኣብ’ዚ’ያ ተወሊዳ፡ ኣውስትራልያዊት ዜጋ ስለዝኾነት ከኣ ኣብ’ዚ ክትጸንሕ’ያ፡ ንሱ’ውን ከም’ኡ። ኣነ ቀዋሚ ነባሪት ሰለዘይኮንኩ ክጥረዝ’የ፡ ጓለይ ከኣ ደጊመ ኣይክርእያን’የ ይብለኒ’ዩ ኔሩ። ወይ ናብ ካልእ ቦታ ክወስዳ ይኽእል’ዩ፡ ኣውስትራልያ ዓቢ ዓዲ ስለዝኾነ።”
ኦሊቭያ ናይ ካብ Liverpool Migrant Resource Center ቪዛ ዘለዎም ሰባት ሕድገታት ኣብ ጉዳይ ዘቤታዊ ዓመጽ ክረኽቡ ይኽእሉ’ዮም፡ ካብ’ዚ ሃገር ምውጻእ’ውን ኣይከድልዮምን’ዩ።
“ንቪዛ ተመልክት እንተሃሊኻን ዘቤታዊ ዓመጽ የጋጥመካ እንተሃልዩ፡ ዝምድናኻ እንተኣቋሪጹ፡ ቪዛ ምምልካት ክትቅጽሎ ትኽእል ኢኻ፡ ካልኦት ስክፍታታት’ውን ኣለው ሓደ ሓደ ግዜ ቀዋሚ መንበሪ ፈቓድ ዘለዎም ካብ’ቲ ዓመጽ ዝዓብለሎ ዝምድና እንድሕሪ ወጺኦም ቪዝኦም ክቕጽል ከምዝኽእል ዘይምፍላጦም’ዩ።”
ሓደ ውልቀሰብ ወይ ማሕበረሰብ ንዘቤታዊ ዓመጽ ከመይ ከምዝሕዞ ዝጸልው ብዙሓት ባህላዊ ጽልዋታት ኣለው። ኦሊቭያ ናይ ኣብ ምሕባር ዘቤታዊ ዓመጽ ገለ ስክፍታታት ገና ኣለው ትብል።
“ንሶም እዚ ነቲ ቤተሰብ ውርደት የምጽኣሉ ዝብል ስምዒት ክህልዎም ይኽእል’ዩ ወይ ማሕበረሰቦም ከመይ ከምዝቕበሎ ነቲ ነገር የሻቕሎም ይኸውን፡ እቶም ሓገዝ ዘበርክቱ’ውን መርበባት ካብ’ቲ ሕብረተሰብ ከርሕቕዎም ይኽእሉ፡ ወይ መጻምዶም ገዲፎም ክኸዱ ኣይተባብዑን ይኾኑ ብሰንኪ’ቲ ባህሎም ኣብ ምጥርናፍ ስድራ/ሓድነት ወይ’ውን ኣብ መርዓ ዘንብሮ ሚዛን፡ ወይ ምስ ወሃቢ ኣገልግሎት/በዓል ሞያ ነቲ ዓመጽ ከም ጉዳይ ከየልዕልዎ ይኽእሉ ከም ውልቃዊ ወይ ባእሲ ኣብ መንጎ ጌሮም ክሓስብዎ ስለዝኽእሉ፡፡”
ንስኹም ወይ ካልእ እትፈልጥዎ ሰብ ዘቤታዊ ዓመጽ የጋጥሞ እንተሃልዩ ሓገዝ ኣብ ቀረባ’ሎ። ኣብ ግዜ ህጹጽ ኩነታት፡ ቅልጡፍ ሓገዝ ኣብ ዝድለየሉ እዋን ወይ ሓደጋ ከጋጥም ከም ዝኽእል ፍርሒ እንተሃልዩ፡ ሰባት ቁጽሪ ስልኪ 000 ደዊሎም ንፖሊስ ክሓቱ ኣለዎም። እቲ ኦፐሬተር ነቲ ዝድውል ዘሎ ሰብ ዝርዝር ናይ’ቲ ኩነታት ክሓቶ’ዩ፡ ዘጋጠመሉ ቦታ፡ እንታይ የጋጥም’ሎ፡ እቲ በደል ዝፈጸመ ሰብ ኣበይ ከምዝህሉ፡ ቆልዑት እንተሃልዮምን ኣሎኮል ወይ ድራግ ዝተወስደ እንተኾይኑ ዘጠቓልል ማለት’ዩ።
ፖሊስ ግዝኣት ኒውሳውዝዌልስ ስድራቤታውን ዘቤታዊን ዓመጻት ካብ’ቶም ኩሎም ዝርእይዎም ጉዳያት እቶም ኣዝዮም ሓደገኛታት’ዮም ይብሉ። እቲ ስድራቤታዊን ዘቤታዊን ዓመጻት ዘጋጥም ዘሎ፡ ንእትፈልጦ ሰብ ኣብነት ጎረቤት፡ ዓርኪ/መሓዛ ወይ ዘመድ እንተኾይኑ ንስኻ ክትሕብር ትኽእል ኢኻ፡ ስምካ’ውን ክትዕቅብ ትኽእል ኢኻ። ኦሊቭያ ናይ ገለ ሰባት ንፖሊስ ምዝራብ ይፈርሑ/ይሰግኡ’ዮም፡ እዚ ኸኣ ነቲ ካብ ፖሊስ ዝረኽብዎ ኣገልግሎት ይጸልዎ ትብል።
“ዝበዝሕ ግዜ ብኣና ወገን ዝለዓል ጉዳይ ሰባት AVO ምስ ዘይህልዎም ካብ ንዘቤታዊ ዓመጽ ዝኣመሰሉ መደባት ደገፍ ከይሓቱ መብዛሕትኡ ግዜ ይግለሉ’ለው፡ ከም በዓል Housing NSW Start Safely program - ሰባት ዓመጽ ዘጋጠሞም AVO እንተዘይሃልዮም ካብ’ቲ ሓገዛት ክግለሉ ይኽእሉ’ዮም። ገለ ሰባት ብፍላይ’ቶም ካብ ዝተፈላለየ ማሕበረሰባት ምስ ፖሊስ ምዝርራብ ዝለመድዎ ከይከውን ይኽእል’ዩ፡ ስለዚ AVO የድልዮም። ስለ’ዚ AVO ከየድለየካ ቀረብ ፍሉይ ንዘቤታዊ ዓመጽ ተባሂሉ ዝወሃብ ደገፍ ንምርካብ ኣዝዩ ሓጋዚ’ዩ።”
ምኽሪ ብዛዕባ ዘቤታዊ ዓመጽ እንተደሊኻ፡ ናይ ፈደራል መንግስቲ ዝኾነ 1800 ሪስፐክት 24 ሰዓት ኣገልግሎት ማለት፡ ምስ ሓደ ክኢላ/ፕሮፌሽናል ደዊልካ ከተዘራርብ ወይ ብመርበብ ብቐጥታ ብጽሑፍ ክትዘራረብ/ቻት ክትገብር ትኽእል ኢኻ ማለት’ዩ።ግዝኣታዊ መንግስታት ኒውሳውዝዌልስን ቪክቶርያን ብምስጢር ዝተሓዙ መስመራት ሓገዝ ንደቀንስትዮ ምኽሪ ዘቕርቡን ናይ ህጹጽ እዋን መዕቆቢ ንዝተሸገራን ደገፍ ይህቡ።
ኦሊቭያ ናይ ደቀንስትዮ ባህላዊ ድሕነቱ ዝሓለወ ቀረብ መንበሪ ክረኽባ/ክህልወን ኣገዳሲ’ዩ ትብል።
“ኣብ ጾታ ተሞርኲሶም ዝወሃቡ መዕቆቢታት ኣለው፡ እንተዘይተረኺቦምን ካልኦት ናይ ህጹጽ እዋን መንበሪ ኣድለይቲ እንተኾይኖም፡ ብፍላይ ኣብ ሕውስዋስ ጾታታት ዝርከብዎ ዓይነት ኣባይቲ ድሕነት ከይስምዐን ይኽእል’ዩ። ሰለ’ዚ ምስ ጓል ኣንስተይቲ ኮይና ዘቤታዊ ዓመጽ ዘጋጠማ ዝመጹ ፍሉያት ባህላዊያን ተነቃፍነታት ካልኦት መንገድታት ብምርኣይ ተደናጋጺ ምዃን’ዩ።”
ኣብ ዝኾነ እዋን ምስ ወሃቢ ኣገልግሎት ምኽሪ ክትራኸብ 1800 737 732 ደውል (ወይ 1800 R-E-S-P-E-C-T ኣብ on your keypad) ወይ www.1800respect.org.au ብጽሑ።
ቅሩብ ሓገዝ ካብ Women's Domestic Violence Crisis Service of Victoria (WDVCSV) ክትረኽቡ ነዚ ቁጽሪ 1800 015 188 ወይ ኣብ ኒውሳውዝዌልድ እትርከቡ እዚ ቁጽሪ 1800 65 64 63 ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም።
Share

