ኣብ ኣውስትራልያ ብናይ ደገ ፈቓድ መምርሒ መኪና ከመይ ትዝውር

ምዝዋር መኪና ንብዙሓት ሓደስቲ መጻእቲ ናብ ኣውስትራልያ ኣዝዩ ኣድላዪ’ዩ። እንተኾነ ግን ኣውስትራልያዊ ፈቓድ መምርሒ መኪና የድልየካ ድዩ፡ ከመይ ጌርካ ኸ ትረኽቦ ካብ ግዝኣት ናብ ግዝኣት ክፈላለ ይኽእል። ፈቓድ ከተውጽእ ዘድልዩኻ ነገራት ኣብ ትነብረሉ ከባብን ዘለካ ዓይነት ቪዛን ይምርኮስ።

Australian Road Sign

Australian Road Sign Source: SBS

ንስኻ በጻሒ ወይ ግዚያዊ መንበሪ ቪዛ ዘለካ/ዝሓዝካ እንተኾንካ ኣብ ዝበዝሓ ግዝኣታትን ምምሕዳራዊ ዶባትን ስቴትስ ኤንድ ቴሪቴሪስ (ብዘይካ ኖርዘርን ተሪተሪ) በቲ ዘለካ ናይ ደገ ፈቓድ መምርሒ መኪና ክትዝውር ትኽእል ኢኻ። ፈቓድ መምርሒ መኪናኻ ብእንግሊዝ ዘይኮነ ብኻልእ ቋንቋ እንተኾይኑ ብቋንቋ እንግሊዝ ብወግዒ ዝተተርጎመ ወይ ዓለምለኻዊ ፈቓድ መምርሒ ምሳኻ ክትሕዝ ኣለካ። ወግዓዊ ትርጉም ማለት ብሓደ ኤምባሲ ወይ ቆንስል ወይ ወግዓውነት ዘለዎ ተርጓሚ ዝተመስከረ ትርጉም ማለት’ዩ።

ናይ ሃገራዊ በዓል መዚ ወሃቢ ፈቓድ ንተርጎምቲ ጽሑፍን ቃልን National Accreditation Authority for Translators and Interpreters (NAATI) ፈቓድ ዘለዎ ተርጓሚ ሳይሞን ወስት ጽሑፋት ከተተርጉም ቀሊል’ዩ ይብል።

“ብመሰረቱ ቀጥታዊ/ሕልኽላኽ ዘይብሉ መስርሕ’ዩ። ብሓደ ናይ ናቲ ፈቓድ ዘለዎ ተርጓሚ ነቲ ቀንዲ ፈቓድ መምርሒ መኪና ብቐሊሉ ናብ እንግሊዝ ምትርጓም’ዩል። ማሕተም ናይ ናቲ ክሳብ ዘለዎ ብሓፈሽኡ ኣኻሊ’ዩ።” 

ብዙሕ ግዜ መጻእቲ ሒዞሞ ዝመጹ ናይ ደገ ፈቓድ መምርሒ ናብ ናይ’ዚ ሃገር ክቕይርዎ የድልዮም። ኣብ ቪክሮድስ ዋና ኣካያዲ ምዝገባን ወሃብ ፈቓድን ደቪድ ሸልተን እዚ መስርሕ ብዙሕ ግዜ ፍልልይ ኣለዎ ይብል።

ነቶም ናይ ደገ መምርሒ ፈቓድ ናብ ናይ ኣውስትራልያ ክቕይሩ ዝደልዩ ሰባት እታ ቀዳመይቲ ሕቶ ክትሕተት ዘለዋ “የድልየኒ ድዩ?” ትብል’ያ። ስለዚ ኣነ ዝመክር ግዝያዊ መንበሪ ፈቓድ ቪዛ ኣብ ኣውስትራልያ ዘለኩም እንተኾንኩም ቪዛኹም ቅቡል ክሳብ ዝኾነ በቲ ናይ ደገ ፈቓድኩም ክትዝውሩ ትኽእሉ ኢኹም፡ እዚ ግን እቲ ናይ ደገ መምርሒ ፈቓድኩም ብቋንቋ እንግሊዝ እንተኾይኑ ወይ ከኣ ብእንግሊዝ ዝተተርጎመ ምሳኹም ምስዝህሉ’ዩ። ስለዚ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ናብ ናይ ኣውስትራልያ መምርሒ ፈቓድ ምቕያር ዘየድልየኩም ክኸውን ይኽእል’ዩ።”

ንሱ ዓለምለኸ ፈቓድ መምርሒ መኪና International Driving Permit (IDP) ነቲ ናይ ደገ ፈቓድኩም ይትርጉሞ’ዩ። 

ዓለምለኻዊ መምርሒ ፈቓድ ብመሰረቱ ትርጉም ናይ ሓደ መምርሒ ፈቓድ’ዩ። ስለዚ ዓለምለኻዊ መምርሒ ፈቓድ ክትረኽቡ ምሉእ ፈቓድ መምርሒ መኪና ክህልወኩም ኣለዎ። እቲ ፈቓድ ኣዝዩ ጠቓሚ’ዩ፡ ምኽንያቱ ትርጉም ናይ’ቲ ብእንግሊዝ ዘይኮነ ብኻልእ ቋንቋ ናይ ዝተጻሕፈ መምርሒ ፈቓድኩም ስለዝኾነ። ስለዚ እቲ ትርጉም ብፍላይ ኣብ’ዚ ብግዚያዊ መንበሪ ፈቓድ እናነበርካ እንከለኻ ኣብ ኢድካ ክህሉ ብጣዕሚ ኣገዳሲ’ዩ።”

ቀዋሚ መንበሪ ፈቓድ ዘለካ እንተኾንካ ግን ነቲ ናይ ደገ ፈቓድ መምርሒ መኪና ኣብ’ዚ ካብ ዝመጻኻሉ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክትቅይሮ ግድን’ዩ። እቲ ፈቓድ መምርሒ መኪና ናይ ምቕያር መስርሕ ብመሰረት እቲ ትነብረሉ ግዝኣት ወይ ምምሕዳር ቁሩብ ይፈላለ’ዩ። ካብ ገለ ሃገራት ዝመጹ ሰባት ፈቓድ መምርሒኦም ፈተና ከይወሰዱ ናብ ናይ ኣውስትራልያ ክቕይርዎ ይኽእሉ’ዮም።

ካብ ቪክሮድስ ዝኾነ ደቪድ ሸልተን ከም’ዚ ክብል ይገልጾ።

“ውሑድ ቁጽሪ ዘለወን ዝተለለያ ሃገራት ኣለዋ፡ እዚአን ከኣ ናብ ናይ ግዝኣት ቪክቶርያ ፈቓድ መምርሒ መኪና ክትቅይር ዘየድልየካ ሃገራት እየን። እተን ቅቡላት ሃገራት እምበኣር ሲንጋፖር፡ ጃፓን፡ ስፐይን፡ ማልታ፡ ሽወደን፡ ብርግጽ ከኣ ዩከይ፡ ካናዳን ብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳን’የን።”

ንሱ ኩሎም ካብ ካልኦት ሃገራት ዝኾኑ ሰባት ንመሰረታዊ ፍልጠት፡ ዓይኒ፡ ትዕዝብትን ግብራዊ ምምራሕ መኪና ፈተናታት ክወስዱ የድልዮም።

“እንተኾነ ግን ብዙሓት ሓደስቲ መጻእቲ ናብ ኣውስትራልያ፡ ንኣብነት ከም በዓል ካብ ህንዲ፡ ሱዳን፡ ቻይና፡ ፓኪስታን ዝመጹ ሰባት፡ ካብ’ተን ቅቡላት ሃገራት ዘይኮኑ ሰባት መምርሒ ፈቓዶም ናብ ናይ ቪክቶርያ ክቕይርዎ መታን ብሓደ ምሉእ መስርሕ ፈተናታት ክሓልፉ ግድን ይኸውን።”

ካብ ቪክቶርያ ዝኾነ መምህር ምምራሕ መኪና ኣቲሊዮ ከርማክ ኣብ ፈተና ምምራሕ መኪና ዝትግበሩ እንታይ እንታይ ምዃኖም ብኸም’ዚ ይገልጽ። 

“ፈለማ በቲ ቅድመ ምዝዋር ኢሎም ዝጽውዕዎ ምርግጋጽ ይሓልፉ፡ እቶም ኣመልከትቲ ኣጠቓቕማ’ቶም ናይ መኪና መቆጻጸሪ ኣካላት ኮንትሮልስ ይፈልጥዎን ይርድእዎን እንተኾይኖምን እታ መኪና ኸኣ ንመንገዲ ብቕዕቲ ምዃናን የረጋግጹ። ስለዚ እዚ እቲ ቀዳማይ መኪና ምዝዋር ቅድሚ ምጅማርካ ትገብሮ’ዩ። ድሕሪኡ ክልተ ክፋላት ናይ’ቲ ፈተና ምምራሕ መኪና ኣለው። እቲ ፈተና ብድምር ንከባቢ 30 ደቓይቕ ይኸይድ፡ ግን እተን ቀዳሞት 10 ደቓይቕ ስለስተ ነጥቢ ዘለዎ ምጥዋይ መኪና three point turn እተካይደሉ ወይ ንድሕሪት ጎኒ ጎኒ ደው ከተብል reverse parallel park ክትገብር እትሕተቱለን እዋናት’የን። እንድሕሪ ነዚ ናይ ፈለማ ገምጋም ሓሊፎም ድሕሪኡ ናይ 20 ደቒቕ ምዝዋር የካይዱ፡ እዚ ናይ 20 ደቒቕ ምዝዋር ቀንዲ/ዓበይቲ መንገድታት ዝተኸተለ’ዩ፡ ምቅይያር መስመራት መንገዲ lane changes ይካየደሉ፡ ኣብ መወዳታ ናይ’ዚ ከኣ 30 ደቓይቕ ይኣክል፡ ናብ’ቲ ናይ ፈተና ነቑጣ ትምለስ፡ እዚ ኩሉ እንተሓሊፍካዮ ፈቓድ መምርሒኻ ትረክብ።”

ኩነታት ምዝዋር ናይ ኣውስትራልያ ንሓደስቲ መጻእቲ በዳሂ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኣቲልዮ ከርማክ ንሓደ ሓድሽ ዘዋራይ ከሸግርዎ ዝኽእሉ ነገራት ይዝርዝር።

“ትራማት ዓበይቲ ጸገማት’ዮም። ምስ እግረኛታት ከመይ ትረዳዳእ ምርዳእ፡ ምኽንያቱ እግረኛታት ብመሰረቱ ዝያዳ መሰል ካብ’ተን መካይን ዝህልወን ኣለዎም፡ ኣብ ገለ ሃገራት ከምኡ ኣይኮነን። ስለዚ ነዚኦም ነገራት ክርድእዎም ኣብ ዘይጥዕም ኩነታት ንነብሶም ይረኽብዋ። ካብ ከተማ ወጻኢ ግን ከኣ ኣብ ሃይወይ ካብ ደገ ዝመጹ ብዙሓት ሰባት ንነዊሕ ምዝዋር ዘይለመዱ ኮይኖም ረኺበዮም፡ ኣብ’ዚ ንጓዓዞ ርሕቀት ዓይነት ጉዕዞ ኣይዝውሩን፡ ኣብ ከም’ዚ ንሕና ንዝውረሉ ዓይነት መንገዲ ኣይዝውሩን። ንሕና ብዙሓት ውጽእ ዝበሉ ጫፋትን ከም’ኡ ዝኣመሰሉ ካልኦት ነገራትን ኣለውና፡ ነዚ ጫፋት ወይ ወሰናስን ክትንክፉ ወይ ክሃርሙ እንከለው መኪና ምቁጽጻር ስኢኖማ ካብ መንገዲ ዝወጹ ሰባት ንፈልጥ ኢና።”

ቋንቋ እንግሊዝ ቀዳማይ ቋንቋኹም እንተዘይኮይኑ ምልክታት ትራፊክ ምንባብን ኣንፈታት ጉዕዞ ምርዳእን ካልእ ብድሆ’ዩ።

“ኣነ ንሓደ ካብ ወጻኢ ዝመጽእ ኣመልካቲ እቲ ኣዝዩ ዝኸበደ ኢለ ዝሓስቦ ነገር እቲ ፈተና ከማን ኣይኮነን፡ እቶም ሕግታት መንገድታትና’ዮም ንብዙሓት ሰባት ዘደናግሩ። ርግጽ’ዩ እንግሊዝ ዘይዛረቡ ሰባት ብዙሓት ሕግታት ተንቲኖም ክርድእዎም ኣሸጋሪ’ዩ ዝኾኖም። ብተወሳኺ ናበይ ክኸዱ ከምዘለዎም መምርሒታት ኣንፈት ክቕበሉ እንከለው ኣዝዮም ይደናገሩ። ኣነ እቲ ዝዓበየ ሽግር ኢለ ዝሓስቦ ብዙሓት ሰባት ዝመጹ ካብ’ቶም ብልምዲ ብየማን ወገን ዝዝወሮም መንገድታት ዝመጹ ብምዃኖም’ዩ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ኸኣ ብርግጽ ብጸጋም ኢና ንዝውር። እዚ ኸኣ ብብዝሒ ኣብ ሽግር የእትዎም።”

ነብሲ ወከፍ ግዝኣትን ምምሕዳራዊ ዞባን መንገድታትን ፈቓዳት መምርሒ መኪናን እትቆጻጸረሉ ናይ ገዛእ ርእሳ መምርሒ ኣለዋ። ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝተተርጎመ ሓበሬታ ኣሎ። ንዝያዳ ሓበሬታ መርበብ ሓበሬታ ናይቶም ዝምልከቶም ሰብመዚ ብጽሑ። ACT NSW NT QLD SA TAS VIC WA

 


Share

Published

By SBS Tigrinya
Presented by SBS Tigrinya
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service