ሓደስቲ ኣውስትራልያውያን መቕጻዕቲ ክወሃቦም እንከሎ ነብሶም ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ይረኽብዋ፡ ብዛዕብኡ ብዙሕ ኣፍልጦ ዘይብሎም ሓድሽ ሕጋዊ ወይ ንሕጊ ዝምልከት ኣሰራርሓ ኣንፈቶም ወይ ኣካይዳ ጉዕዝኦም ንኽፈልጡ።
ኣብ Legal Aid New South Wales ጠበቓ ኮይና እትሰርሕ ፖውላ ኖቮትና ነቶም ዘድልዮም ሰባት ነጻ ሕጋዊ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ትህብ። ንሳ ኣብ ዝሓለፉ ብዙሓት ዓመታት ንብዙሓት ሓደስቲ ኣውስትራልያውያን ሓጊዛ’ያ።
"ናይ ቋንቋ እንግሊዝ ጸገም ዘለዎም ሰባት ድዮም ዋላ ነቲ ኣሰራርሓ ዘይፈልጥዎ፡ ወይ’ውን ብደብዳበ መቕጻዕቲ ምስ ዝመጾም፡ ወይ ይፈርሑ ወይ ከኣ ከቢድ ኮይኑ ይረኽብዎ፡ እንታይ ከምዝገብሩ ከኣ ኣይፈልጡን’ዮም።"
መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ መቕጻዕቲ ሸለል ክብልዎ ይመርጹ፡ ኣማራጺታቶም እንታይ ከምዝኾኑን እቶም ሳዕቤናት ከኣ እንታይ ክኾኑ’ዮም ከይተረድኦም ስለዝተርፍን።
"ክኸፍልዎ ኣዝዩ ብዙሕ መጠን እንተኾይኑ፡ ኣነ ዝዕዘቦ ሰባት ሸለል ክብልዎ’ዩ፡ ምኽንያቱ እቲ ገንዘብ ኣዝዩ ብዙሕ ስለዝኾነን ክትኣልዮ ኣዝዩ ስለዝኸብድን። እቲ ሰባት ክርድእዎ ክርድእዎ ዝደልዮም ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር መቕጻዕቲ እንተመጺእኩም ሸለል ኣይትበልዎ’ዩ። መቕጻዕትታት ምስ ግዜ መመሊሶም’ዮም ዝውህለሉ፡ ንንዝውሕ ዝበለ ግዜ ሸለል እንተኢልኩሞ ከኣ ዝያዳ መቕጻዕቲ ናብ’ቲ ዘሎ ይውሰኽ።"
ሓንቲ ካብ ዓማዊል ፓውላ ኖቮትና ሓደ ንእሽቶ/ቀሊል ጌጋ ስለዝፈጸመት ኢላ ናይ ባቡር መቕጻዕቲ ከይትኸፍል መሪጻ፡ ድሒራ ብዛዕብኡ ገለ ክትገብር ኣብ ዝወሰነትሉ ግዜ ግን እቲ መቕጻዕቲ ዳርጋ ብሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ።
"ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ግዝኣት ኒው ሳውዝ ወልስ ሓዳስ’ያ ኔራ፡ ባቡር ክትስቀል ኢላ ከተርክብ ክትፍትን እንከላ መረጋገጺ ሰነድ/ካርድ ናይ ኮንሰሽን ስለዘይነበራ መቕጻዕቲ/ፋይን ተዋሂባ፡ ። ንፈለማ ግዜኣ’ያ ብባቡር ትጓዓዝ ኔራ፡ እቲ ቅኑዕ ቲኬት ገዚአ ኣለኹ ኢላ ሓሲባ ኔራ፡ ግን $200 ተቐጺዓ። ሕጂ ጌጋ ስለዝፈጸመትን እቲ ቅኑዕ ትኬት ስለዝገዝአትን ኢላ ነቲ መቕጻዕቲ ክትከፍሎ ከምዘይደለየት ንጹር ጌራቶ’ያ፡ እንታይ ደኣ እቲ መረጋገጺ ካርድ ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ስለ ዘይነበራ ጥራይ። ንዓይ ዝረኸበትኒ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት’ዩ ኔሩ። እቲ መቕጻዕቲ $550’ዩ በጺሑ ኔሩ፡ ስለዘይከፈለቶ ግን ሰለስተ ትእዛዛት/ውሳነታት ቤት ፍርዲ ምውራስ ንብረትን ክልተ ትእዛዛት ደሞዛ ክተሓዝን ተላኢኹላ።"
ገንዘባዊ መቕጻዕቲ እንተመጺኩምን እንታይ ክትገብሩ ርግጸኛታት እንተዘይኮንኩም፡ ክትከራኸሩ ዲኹም ወይ ካብ ክኢላታት ምኽሪ ክትረኽቡ እንተደሊኹም ምስ ወሃብቲ ሓገዝ ሕጊ ዝኾኑ Legal Aid ‘ለጋል አይድ’ ተራኸቡ። ቤት ጽሕፈት ለጋል አይድ ኣብ ነብሲ ወከፍ ግዝኣትን ምምሕዳራዊ ዶባትን/state and territory ጠበቓታት ሕቶታትኩም ክምልሱ ድልዋት ዝኾኑ ኣለውዎም። እዚኦም ብቛንቋኹም ምስ ካልእ መታን ክትዘራረቡ’ውን ኣስተርጎምቲ ኣለውዎም።
ማጂድ ሓደ ካብ ዓማዊል ፖውላ ኖቮትና’ዩ ኔሩ። ንሱ ካብ ወሽመጥ ቓዛ’ዩ ቅድሚ 25 ዓመታት ናብ’ዚ መጺኡ። ፈለማ ሕቶታት ከይሓተተ ነቲ ኩሉ መቕጻዕትታት ከፊልዎ፡ ጌጋ ከምዘይፈጸመ እናፈለጠ እንከሎ።
"ኣብ’ዚ ኣብ ኣውስትራልያ ዝነበርኩለን ቀዳሞት ዓሰርተ ዓመታት ውሑዳት መቕጻዕትታት ምጥሓስ ሕግታት መንገዲ/ትራፊክ ኔረናኒ። ካብ ዝኾነ ካልእ ሰብ ሓገዝ ክሓትት ኢለ ግን ብፍጹም ሓሲበዮ ኣይፈልጥን ኔረ።ኩሉ’ቲ መቕጻዕትታት ሕጊ ትራፊክ ቀልጢፈ ይኸፍሎ ኔረ። ምናልባት ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ፡ ወይ ካልኣይቲ መዓልቲ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ፖስታ ከይደ ገንዘብ ይኸፍል። ምስ ፖሊስ ክራኸብ ኣይደልን’የ። ይፈርሖም ኔረ።"
ሓደ ዓርኩ ብዛዕባ ሌጋል አይድ ምስ ነገሮ ግን ነገራት ተቐይሮም። ነቲ መቕጻዕቱ ክኸራኸር መታን ክኽእል ዘድልዮ ሓገዝ ክረክብን ንኣሰራርሓ’ቲ ሕጊ ብዝበለጸ ክርድኦን ክኢሉ።
"ናተይ ምኽሪ ነቶም ኩሎም ናብ’ዚ ሃገር ዝመጹ ሰባት፡ ሓደስቲ ተሰደድቲ፡ ብፍላይ ነቶም ካብ ከባቢና፡ መሬት ዓረብ ዝመጹ፡ ካብ ፖሊስ ክፈርሑ ከምዘይብሎም’ዩ። ፖሊስ ጌጋ ፈጺምኩም ኢሉ መቕጻዕቲ ክህቦም እንከሎ ብኣኣቶም ወገን ዘሎ ርድኢት ናይ’ቲ ፍጻመ ክነግሩ ኣለዎም። ናብ ሌጋል አይድ ክኸዱ’ለዎም። ሌጋል አይድ ክሕግዝዎም’ዮም። ኣዝዮም፡ ኣዝዮም ንፉዓት ሰባት’ዮም። "
ለጋል አይድ ኣብ ፍሉይ ኩነታት ንዘለው ሰባት’ውን፡ ንኣብነት፡ ኣብ ዝኸፍአ ፋይናንሳዊ ጸገም ዝርከቡ ወይ ናይ ኣእምሮ ሕማም ዘለዎም፡ ፍሉያት መደባት ሓገዝ ክረኽቡ ይሕግዞም’ዩ። እዚ ማለት ውጥን ኣከፋፍላ ክህልዎም ወይ መቕጻዕቶም ኣብ ክንዲ ብገንዘብ ብካልእ ንጥፈታት ክመሓሩ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ብዛዕባ’ዚ ዝፈልጡ ሰባት ብዙሓት ኣይኮኑን፡ ስለ’ዚ’ዩ ኸኣ ምኽሪ ክረኽቡ ብፍሉይ ኣገዳሲ ዝገብሮ ትብል ፓውላ ኖቮትና።
"ነቶም ነቲ መቕጻዕቲ ክኸፍሉ እኹል ገንዘብ ከምዘይብሎም ከርእዩ ወይ ከመስክሩ ዝኸኣሉ ሰባት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ፍሉይ ኣጠማምታ ወይ ኣረኣእያ ክግበረሎም ዝገብሩ ኣለው። ኣብ ከም’ዚ’ዩ ኸኣ ምኽሪ ምርካብ ዝበለጸ ዝኸውን። መደብ ወይ ውጥን ኣገባብ ኣከፋፍላ ክግበር ይከኣል’ዩ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ከኣ ምሕረት ክግበር ወይ ክውንዘፍ ምምልካት ይከኣል። ካልኦት ተኽእሎታት’ውን ኣለው። ሰባት ኣብ ጸገም እንተሃልዮም ገለ ሓገዝ ክረኽቡ ከምዘለዎም ምርዳእ ወይ ምፍላጥ ሓጋዚ’ዩ።"
ብዛዕባ ለጋል አይድን ብኸመይ ንዓኹም ከምዝሕግዘኩም ዝያዳ ክትመሃሩ ድሌት እንተሃልይኩም፡ ኣስተምህሮ ዝወሃበሉ ቅነ ሕጊ/Law Week ሓደ ዓቢይ ዕድል’ዩ። ንኣባላት ለጋል አይድ ክትረኽብዎም እትኽእልሎም ንጥፈታት/ውራያት ካብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ክሳብ ዕስራ ግንቦት ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ተዳልዮም ኣለው። ኣብ ግዝኣት ኒው ሳውዝ ወልስ፡ ኣባላት ለጋል አይድ ኣብ ቤት ንባባት ምብጻሕ ይፍጽሙ’ዮም ትብል ፓውላ ኖቮትና።
"ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣካል ናይ’ቲ ቅነ ኣፍልጦ ሕጊ፡ ሌጋል ኤይድ ናብ ኣብ ከከባቢኡ ዝርከባ ቤት ንባባት ክኸይድ’ዩ፡ ብዛዕባ ሕጊ ዝምልከት ነጻ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎትን መረዳእታትን ክህብ’ዩ። ስለ’ዚ ነቲ ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ቤት ንባብ ጠበቓታት ሌጋል ኤይድ ክምጹ እንተኾይኖም ሕተትዎም፡ ወይ ባዕልኹም ሓደ ጠበቓ ናብኡ ከመጽእ ከም ኣካል ቅነ ኣፍልጦ ሕጊ ምኽሪ ክህብን ክትጠልቡ ትኽእሉ ኢኹም።"
* ሕቶታት እንተሃልይኩም ወይ ንመቕጻዕትታት ዝምልከት ሓገዝ እንተደሊኹም ንለጋል አይድ ርኸብዎም። ነብሲ ወከፍ ኣውስትራልያዊት ግዝኣት ነጻ ኣገልግሎት ደዊልኩም ክትረኽብሉ እትኽእሉ ስልኪ ቁጽሪ ኣለዋ። ንዝያዳ ሓበሬታ መርበብ ሓበሬታ http://www.lawweek.com.au/ ብጽሑ።
Share

