ኣብ ኣውስትራልያ ንምንባር ዝሕግዙ ሓበሬታታት፡ ስራሕ ንዘይብሎም ሰባት ሓገዝ ከምዝወሃብ ትፈልጡ ዶ፧

መጠን ሽቕለተ ኣልቦነት ኣብ ኣውስትራልያ ንታሽዓይ ወርሒ ኣከታቲሉ 5.7% ብምዃን ይቕጽል ኣሎ - ብመሰረት ቤት/ጽ ስታቲስቲክስ ኣውትራልያ ኣሃዛት ለካቲት 2017። ስራሕ ኣብ ምድላይ ንዝርከቡ ሰባት ዝግበር ቅሩብ ዝኾነ ናይ ደገፍ ወይ ሓገዝ ኣገልግሎት ኣሎ።

Jobseekers

Source: AAP

ደለይቲ ስራሕ ፋይናንሳዊ ጸገም ከጋጥሞም እንከሎ ናይ መንግስቲ ኣውስትራልያ ስርዓት ማሕበራዊ ድሕነት (social security system) ክረኽቡ ይኽእሉ’ዮም። Newstart Allowance እቲ ቀንዲ ሓገዝ ስራሕ ንዘይብሎም ዝወሃብ ኮይኑ ነቶም ኣብ ናይ ስራሕ ዕድመ ዝርከቡ ሰባት ይኣሊ።
Newstart Allowance
Source: SBS
ፕረዚደንት ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣብ ስራሕ ዘይርከቡ ኣውስትራልያውያን ኦወን በነት ብኸም’ዚ ይገልጾ።

ናይ ምሉእ ሰዓታት ስራሕ ትደልዩ ከምዘለኹም ከተመስክሩ ኣለኩም፡ ኣብ’ቶም ምስ ወኪል ስራሕኩም መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ነብሲ ወከፍ ወርሒ ዝተሓዙ ቆጸራታት ስራሕ ክትርከቡ ኣለኩም፡ ካልእ ክማልኡ ዘለዎም ግዴታዊ ጠለባት’ውን ከተማልኡ ኣለኩም።”

 

ደለይቲ ስራሕ ኣብ ስራሕ ናይ ምርካብ ተኽእሎኦም ዝተሞርኮሰ ኣብ ኣርባዕተ ክፋላት ሓገዝ (Assistance streams) ይምደቡ። ንኣብነት ስትሪም 1 ደለይቲ ስራሕ ‘ንስራሕ ቅሩባት’ ተባሂሎም ይቑጸሩ፡ እቶም ኣብ ስትሪም 4 ዘለው ንሽቕለት ወይ ዕዮ ዝበኣሰ ጸገማት ዘለዎም ተባሂሎም ይምደቡ። ኣብ ትሕቲ ኒውስታርት ዝእለ ሓደ ቆልዑ ዘይብሉ ውልቀሰብ ክሳብ $528.70 ኣብ ክልተ ቕነ ይቕበል። ብኻልእ ወገን ስራሕ ዘይብሎም ጽምዲ ሰባት ንነብሲወከፎም $477.40 ኣብ ክልተ ቕነ ይቕበሉ። እዞም መጠናት ዓመታዊ ዕልተ 20 መጋቢትን 20 መስከረምን ገምጋም ይካየደሎም።

ክንደይ ይወስድ፧
Source: AAP


“መመልከቲኻ ንኒውስታርት ሓንሳብ እንተእቲኻዮ ውሳነ ክወሃበካ እትጽበየሉ ግዜ ካብ ክልተ ሰሙናት ክሳብ ክልተ ኣዋርሕ ክኸውን ይኽእል’ዩ። እዚ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሰንተርሊንክ’ዩ ዝውሰን።”
ክንደይ ትኽፈሉ፧
Source: AAP
ኣብ ስራሕ ተዋፊርኩም ኣብ ክልተ ቕነ ክሳብ $104 ቅድሚ ምቑራጽ ግብሪ ከተእትው ትኽእሉ ኢኹም፡ ክፍሊት ኒውስታርት እናተቐበልኩም። ኣብ ክልተ ቕነ ኣብ መንጎ $104 ክሳብ $254 ዘሎ ኣታዊ ምስ እትረኽቡ ናይ ሰንተርሊንክ ክፍሊትኩም ነነብሲ ወከፍ ሓንቲ ዶላር ትረኽብዎ 50 ሳንቲም ይቕነስ። እቲ መጠን ምቕናስ $75 ዶላር ዝተደመሮ 60 ሰናቲም ንነብሲወከፍ ሓደ ዶላር ልዕሊ $254 ተእትውዎ ማለት’ዩ።

“ስራሕ እናሰራሕኩም ኣብ ትሕቲ ክፍሊት ኒውስታርት ክትኮኑ ትኽእሉ ኢኹም። ብዙሓት ሰባት ካብ ዓቕሞም ንታሕቲን ሓደ ሺፍት ኣብ ሰሙንን ዝሰርሑን ኣብ ርእሲኡ ኒውስታርት ዝቕበሉን ኣለው፡ ግን እዚኦም እቲ ‘ክፋል ክፍሊት’ ኢልና ንጽውዖ ዝረኽቡ’ዮም። ኣብ ሰሙን ዝኾነ ክፍሊት ኣታዊ ትረክብ እንተኾንካ ካብ’ቲ ዝወሃበካ ገንዘብ ይውሰድ’ሞ ውሑድ መጠን ኒውስታርት ትወሃቡ፡ ግን ክፍሊት ኒውስታርት ክትረኽቡ ”
መን'ዩ ዝምልከቶ፧
Source: AP
ካብ ክልተ ዓመት ንላዕሊ ኣብ’ዛ ሃገር ክነብሩ ዝጸንሑ ኣውስትራልያውያን ነበርቲ ኒውስታርት ክቕበሉ ይኽእሉ’ዮም። እቶም ኣካል ናይ ስደተኛ ወይ ሰብኣዊ መደባት ብምዃን ዝመጹ ካብ’ቲ 104 ሰሙናት መጸበዪ ግዜ ነጻ ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም። እቶም ተቐበልቲ መለክዒታት ኣታዊን ዋንነት ንብረትን ከምኡ’ውን ምምላእ ሓባራዊ ግዴታዊ ጠለባት Mutual Obligation Requirements ከማልኡ የድልዮም።
ስራሕ ንሓገዝ እንታይ'ዩ
Source: ኤስቢኤስ
“ዎርክ ፎር ዘ ዶል ሓደ ካብ’ቶም ከተማልእዎም ዘለኩም ሓባራዊ ግዴታዊ ጠለባት Mutual Obligation Requirements ኮይኑ ኣብ’ኡ ክትርከቡ ዝግባኣኩም’ዩ። ንመለክዒታት ሓባራዊ ግዴታዊ ጠለባት Mutual Obligation Requirements ብኻልእ መንገዲ’ውን ከተማልእዎ ትኽእሉ ኢኹም፡ ንኣብነት ከም በዓል ወለንታዊ ስራሕ ብምክያድ ወይ ክፋል ግዜ ትምህርቲ ወይ ናይ ምንባብ፡ ምጽሓፍን ቁጽርን ትምህርታት/ኮርሳት ብምውሳድ፡ ስለ’ዚ ዎርክ ፎር ዘ ዶል ክፍሊት ኒውስታርት ንኽትቅበሉ ከተማልእዎም ካብ ዘለኩም ሓባራዊ ግዴታዊ ጠለባት ሓደ ካብ’ቶም ዝተፈላለዩ መንገድታት’ዩ። ”

 

እቶም ተቐበልቲ ኣብ ሓደ ቅቡል ዝኾነ ንጥፈት ወይ መደባት ወርክ ፎር ዘ ዶል ኣብ’ታ ዓመት ንሽዱሽተ ወርሒ ክሳተፉ ትጽቢት ይግበረሎም፡ መታን ብመሰረት ረቛሒታት ሓባራዊ ግዴታዊ ጠለባት ክፍሊቶም ከመልክቱ። ወርክ ፎር ዘ ዶል ነቶም ዝያዳ ክእለት ዘድልዮም ደለይቲ ስራሕ ተሞክሮ ስራሕ ክረኽቡን ንማሕበረሰቦም ከኣ ከበርክቱ መታን ክኽእሉ ተባሂሉ ዝተወጠነ’ዩ። ደለይቲ ስራሕ ብተወሳኺ ምስ’ቲ ናቶም ወሃቢ ኣገልግሎታት ዕዮ (employment services provider) ክዘራረቡን ውጥን ስራሕ (Job Plan) ክኽተሉን ግዴታ ኣለዎም።  

“እዚ ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ ወኪል ዕዮ/ስራሕ ናትኩምን ንስኹም እንታይ ክትገብሩ ከም ዝግባኣኩም ንጹር ንምግባር ተባሂሉ ዝግበር ዘተ ወይ ዝርርብ’ዩ። ነቲ ውጥን ዕዮ/ስራሕ ክትፍርምሉ’ዩ ዘለኩም። ክትፍርምሉን ኣብ’ታ ካልኣይቲ ቆጸራ ክትራኸቡ እንከለኹም ከኣ ክትሰማምዕሉን ዘለኩም ተባሂሉ’ዩ። ስለ’ዚ ከመይ ይሰርሕ ንዝብል ምስ ወኪል ስራሕ/ዕዮ ናትኩም ቀዳመይቲ ቆጸራ ክትህልወኩም እንከላ እታ ግዜ ንፈለማ ግዜ ውጥን ስራሕ ትዘራረቡላ’ያ፡ ንሶም እቶም ወኪላት እዚ ውጥን ስራሕኩም ክኸውን ንእምሞ ኣለና ይብልኹም። ድሕሪኡ ከም ስራሕ ዘይብልኩም ሰራሕተኛ መጠን፡ ኣብ ኒውስታርት ከምዘለኹም መጠን፡ ነቲ ውጥን ስራሕ ትምልከትዎ፡ ድሕሪኡ ንዓኹም ቅቡል ዝኾነ ድዩ ኣይኮነን ኢልኩም ትሕስቡ ትውስኑ።”

 

ኦወን በነት ደለይቲ ስራሕ ቅድሚ’ቲ ሓባራዊ ግዴታዊ ጠለባት ወይ ውጥን ስራሕ ምፍራሞም መሰላቶም ንምፍላጥ ዕዮ ገዝኦም ክገብሩ ኣለዎም ክብል ይመክር።

“ስራሕ ከምዘይብልኩም ሰብ መጠን ነቲ ውጥን ስራሕ ንገዛ ክትወስድዎ መሰል ኣለኩም፡ ብዕምቆት ክትርእይዎ መሰል ኣለኩም። ድሕሪኡ ኣብ’ቲ ካልኣይ ቆጸራኹም’ዩ ክትሰማምዕሉ ዝግባኣኩም፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ውጥን ስራሕ መዘኻኸሪ ነጥብታት ክትጽሕፍሉ ትኽእሉ ኢኹም፡ ዘይትደልይዎ ክትስርዙ፡ ኣብ’ቲ ውጥን ሚዛናዊ ኢልኩም ትሓስብዎ ክትውስኽሉን፡ እዚታት ከኣ ኣካል ናይ’ቲ ዘተ’ዩ።”

ደላይት ስራሕ
Source: AP


ሓባራዊ ግዴታዊ ጠለባት Mutual Obligation Requirements ዘይምምላእ/ዘይምትግባር ወይ ምስ ናትኩም ወሃብቲ ኣገልግሎታት ዕዮ ዝነበረኩም ቆጸራ ምስ ዘይተኽብሩ/ምስ ዘይትርከቡ ናብ ዓበይቲ ሳዕቤናት ከምርሕ ይኽእል’ዩ።

“ናይ ኒውስታርት ክፍሊትኩም ንግዚኡ ደው ምባል ኣሎ - እዚ እቲ ዝተሓተ/ዝቐለለ ደረጃ መቕጻዕቲ ኮይኑ ናይ ኒውስታርት ክፍሊትኩም ደው ክብል’ዩ፡ ምስ ወኪል ዕዮ/ስራሕ ደጊምኩም ክትራኸቡ ምስ ጀመርኩም ግን ምሉእ ክፍሊትኩም ይምለሰልኩም። ናብ’ቲ ምሉእ ክፍሊትኩም ተመሊስኩም ኣለኹም። ካልኦት ዝያዳ ትርር ዝበሉ መቕጻዕትታትውን ኣለው፡ እዚኦም ከኣ ፋይናንሳዊ መቕጻዕትታት ይበሃሉ። እዚ ገንዘብ ክጎድለኩም/ክቑረጸልኩም እንከሎ ማለት’ዩ። ካብ ኒውስታርት ክፍሊትኩም ገንዘብ ይቑረጸልኩም። ገንዘባዊ መቕጻዕቲ መብዛሕትኡ ግዜ ከም ዝተወንዘፈ መቕጻዕቲ ኮይኑ ይጅምር፡ ድሕሪኡ ናብ ገንዝባዊ መቕጻዕቲ ይምዕብል/ክብ ይብል፡ እቲ ስራሕ ዘይብሉ ሰብ ግቡኡ ዘይፈጸመሉ ዝኾነ ጉዳይ እንተኔሩ ቅቡል ዝኾነ ምኽንያት እንተዘይኣቕሪቡ።”

 

ካልኦት ዓይነታት ሓገዛት: ናይ ሽቕለኣልቦነት ኣበል ንመንእሰያት ነቶም ናይ ምሉእ ሰዓታት ስራሕ ዝደልዩ ካብ 16 – 21 ዕድሚኦም፡ ኣበል ጥሮታ ደገፍ ስንክልና ካብ 16 ዓመት ክሳብ ናይ ጥሮታ ዕድመ ንዘለው ብምኽንያት ኣካላዊ፡ ሓሳባውን ስነኣእምሮኣዊን ጸገም ጥዕና ክሰርሑ ዘይክእሉን የካትቱ።
ሓገዝ ብቋንቋኻ
Source: ኤስቢኤስ
ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ደገፍ ኣታዊታት፡ መርበብ ሓበሬታ ክፍሊ ሰብኣዊ ኣገልግሎታት Department of Human Services ብጽሑ። ናይ ቋንቋ ደገ እንተደሊኹም፡ ምስ ሓደ ስራሕተኛ ኣገልግሎት ድርብ ቋንቋ ክትዘራረቡ ኣብ ናይ’ዚ ክፍሊ ኣገልግሎት ተሌፎን ብዝሐቋንቋንታት (Multilingual Phone Service) 131 202 ኣብ ናይ ስራሕ መዓልታት ካብ ሰዓት 8 ቅ. ቀ ክሳብ ሰዓት 5 ድ. ቀ ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም።


Share

Published

By Ildiko Dauda

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service