ኣብ ኣውስትራልያ ንምንባር ዝሕግዙ ሓበሬታት፡ ሃገራዊ መዓልቲ ኣውስትራልያ መዓልቲ ወራር ድዩ ወይስ መዓልቲ ህላወ?

እዚ ትሕዝቶ ምስ ናይ SBS መደባት ደቀባት ተመሓላልፍ መጻምድትና NITV ዝተፈላለዩ ትርጉማት ጥሪ 26 ንምድህሳስ ዝዓለመ'ዩ። ምንጪ ስእሊ: (Getty Images AsiaPac)

Australian and Aboriginal Flag

Source: Getty Images

ትርጉም’ቲ ዓመት መጸ ዕለት 26 ጥሪ ዝበዓል መዓልቲ ኣውስትራልያ ኣብ ፈለማ እዋናት 19 ክፍለ ዘመን ካብ ዝሕሰብ/ዝውጠን ጀሚሩ በብግዚኡ እናተቐያየረ መጺኡ’ዩ። ሎሚ ብዙሓት እዚ ሃገራዊ መዓልቲ ጽምብላት ንምብዓልን ክብሪ ምሃብን ደቀባት’ዛ ሃገርን ታሪኾምን ዝለዓለ ተኽእሎ ኣለዎ ኢሎም ይኣምኑ።

መዓልቲ ኣውስትራልያ

gettyimages-3295621_0_0.jpg?itok=PhOLKpWy&mtime=1484803300
‘ምምስራት ኣውስትራልያ’ - ቅብኣ ብኣልገርኖን ታልማጅ። ካፕተይን ኣርተር ፊሊፕ ዋንነት ብሪጣንያ ንምእዋጅ ጥሪ 26፡ 1788 ኣብ ሲድኒ ኮቭ፡ ኣውስትራልያ፡ ሰንደቕ ዓላማ የልዕል።


 

እዚ መዓልቲ 26 ጥሪ 1788 ካፕተይን ኣርተር ፊሊፕ ሰንደቕ ዓላማ ዓባይ ብሪጣንያ ዘንበልበለሉን ኣብ’ቲ ሕጂ ሲድኒ ኮቭ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወደብ ጃክሰን ምቛም ርሑቕ ኣካል ግዝኣት ብሪጣንያ ዝኣወጀሉን ህሞት ዝበዓላሉ ሃገራዊ መዓልቲ ኣውስትራልያ’ዩ።

ሃገራዊ ህዝባዊ በዓል

3b24ed5e-ebca-4b4e-a5e4-0d1ccf0d510e_1484782057_0.jpeg?itok=qfDRVjO6&mtime=1484803381
ቤተሰብ ተኣኻኺቡ ነቲ በዓል ይጽንብል


 

ካብ 1994 ጥራይ’ያ ብምሉኣ’ዛ ሃገር መዓልቲ ኣውስትራልያ/ኣውስትራልያ ደይ ዕለት 26 ብመልክዕ ሃገራዊ ህዝባዊ በዓል ከተብዕሎ ዝጀምረት። ንብዙሓት እቲ ዕለት ኣብ ውራያት ምዝንጋዕ ማሕበረሰብ/ኮሚውኒቲ ወይ ምስ ቤተሰብ፡ ኣዕሩኽ ኣብ ባርቢኲ/ምጥባስ ስጋ ወይ’ውን ክሪኬት ኣብ ቀጽሪ ገዛ ብምጽዋት ዘሕልፍዎ መዓልቲ’ዩ።

መመረቕታታት ንዜግነት

e52d24e3-2bcc-487b-be09-372a01209dd2_1484782106_0.jpeg?itok=3-fa-n9r&mtime=1484880824
ቀዳማይ ሚኒስተር ማልከም ተ’ንቡል ምስ ሓደስቲ ተመረቕቲ ኣውስትራልያውያን ዜጋታት ኣብ ሓደ ጽምብል ምዕዳል ዜግነት ኣብ መዓልቲ ኣውስትራልያ


 

ኣብ’ዚ ዕለት 26 ጥሪ ኣብ መላእ ሃገር ኣውስትራልያ መመረቕታታት ንዜግነት ይካየዱ።

ንዝበዝሑ ሰባት ኣውስትራልያዊ ዜጋ ንምዃን እቲ ናይ መወዳእታ ደረጃ ቃለ መሓላ ምፍጻም’ዩ። እዚ መስርሕ ብኸመይ ይሰርሕ ንምፍላጥ ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ክፍሊ ኢሚግረሽን ከተንብቡ ትኽእሉ ኢኹም።

 

መዓልቲ ወራር
a44393d7-9a95-4814-ba71-28d63ac6a43c_1484782158_0.jpeg?itok=UZrQFp1x&mtime=1484880428
ኣብ መላእ ሃገር ኣብ መዓልቲ ኣውስትራልያ 2016 ምረሻታት ኣካይዶምን ‘መዓልቲ ወራር’ ተባሂላ ክትስየም መጸዋዕታ ኣቕሪቦምን


 

ንገለ ኣውስትራልያውያን፣ ብፍላይ ከኣ ደቀባት ኣውስትራልያን ህዝብታት ደሴታት መጻብቦ ቶረስን Aboriginal and Torres Strait Islander people ጥሪ 26 ናይ ሓጎስ መዓልቲ ኣይኮነትን፡ እቲ ወናኒ ዝነበሮ መሬት ብሰፈርቲ ብሪጣንያውያን ዝተወረረሉ ንምዝካር ዝተመደበ ዕለት ኮይኑ ይርአ።

መዓልቲ ሓዘን

32c2ef0c-ade0-4293-9b00-bbe6c29c1cae_1484782459_0.jpeg?itok=Yedva9NA&mtime=1484803668
 ተቓውሞ ዘስምዑ ሰባት ኣብ መዓልቲ ሓዘን ጥሪ 26 1938 ዘርኢ ስእሊ (ስእሊ: AIATSIS)


 

ኣብ 1938፡ ኣብ መበል 150 ዓመታዊ ጽምብላት፡ ሓደ ኣባል ማሕበር ገስገስቲ መበቆላውያን Aboriginal Progressive Association ዝነበረ ዊልያም ኩፐርን ካልኦት ተቓለስትን ኣብ’ቲ ዕለት ብምርኻብ መዓልቲ ሓዘንን ተቓውሞን ኣካይዶም።

እቲ መዓልቲ ታሪኽ ደቀባት ኣውስትራልያን ህዝብታት ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ጥራይ ዘይኮነ ብሰንኪ’ቶም ኣሲሚሌሽን/መስርሕ ምውህሃድ ህዝብታትን ሴፓረሽን/ምፍልላይ/ምብትታን ዝበሃሉ ፖሊሲታት መንግስቲ ዝሰዓቡ ስቓያትን ንብዙሓት ሰባት ካብ መበቆላዊ መሬቶምን ባህሎምን ብሓይሊ ክውሰዱ ዝገበሩን ብወግዒ ምፍላጥ’ዩ።

ሉኣላውነት ደቀባት

Aboriginal Sovereignty
Source: Getty Asia Pacific

ሉኣላውነት ደቀባት


መዓልቲ ወራር ሉኣላውነት ህዝብታት ደቀባት ንምርግጋጽ ከም ሓደ ዕድል’ውን ይርአ’ዩ። ኣብ ነብሲ ወከፍ ዓመት ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ን’ምብዓል’ መዓልቲ ኣውስትራልያ ዝቃወሙን ሉኣላውነትን ማሕበራዊ ፍትሒ ንደቀባት ኣውስትራልያ ዝጽውዑን ምረሻታት/ሰልፍታት ይካየዱ።

ንምንታይ እቲ መዓልቲ ይቕየር?

An Austrarlia Day protes on January 26, 2006
Source: Getty Asia Pacific

ተቓውሞ ኣብ መዓልቲ ኣውስትራልያ ጥሪ 26፡ 2016


እቲ በዓል ዝበዓለሉ ግዜ ዘይከም’ቲ ካልኦት ሃገራት ዝገብርዎ ሃገራዊ መዓልቶም ኣብ መዓልቲ ነጻነት ወይ ካልእ ፍሉይ መዓልቲ ዘብዕሉ እዚ መዓልቲ መግዛእቲ ስለዘመልክት ፍሉይ ስክፍታ ዝፈጥር ኮይኑ’ዩ ዝርአ።

 

“ኩልና እትዋት ኮይኑ ዝስምዓና፡ ኩልና ብማዕረ ንሳተፈሉን ነቲ ናይ ሓባር ኣውስትራልያዊ መንነትና ብሓበን ነብዕለሉ ካልእ መዓልቲ ንድለ።” ኣብ 1984 ብልጽቲ ኣውስትራልያዊት ተባሂላ ዝተሰለመት ሎዊትያ ኦ’ዶናኊ።

መዓልቲ ህላወ

cd036dc2-5584-4bc9-9e17-e76c3dffb708_1484783008_0.jpeg?itok=RZRh248n&mtime=1484803880
ሓንቲ ሰበይቲ ባንዴራታት ደቀባትን ደሴት መጻብብ ቶረስን ኣብ ሙዚቃዊ ምርኢት መዓልቲ ህላወ ጥሪ 26፡ 2015 ተንበልብል።


 

ንብዙሓት ደቀባትን ህዝብታት ደሴታት መጻብቦ ቶረስን መዓልቲ ኣውስትራልያ ህላወ ህዝቦምን ባህሎምን ዝፍለጠሉ/ዝረጋገጸሉ ዕድል’ውን’ዩ።

“99% ካብ ህዝብና መዓልቲ ኣውስትራልያ ንባህልታት ደቀባትን ህዝብታት ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ዝሓቁፍ ክኸውን ኣለዎ’ዮም ዝብሉ። ኣነ ሓደ መዓልቲ ንኹላትና ኣካቢ ዝኾነን ሓቛፊ መዓልቲ ናይ ኩሎም ኣውስትራልያውያን ዝኾነ ዕለት ክንመርጽ ምዃና ድልዱል እምነት ኣለኒ።” ሚክ ዶድሰን ናይ ሕጊ ፕሮፌሰርን ብሉጽ ኣውስራልያዊ ናይ 2009

 

እቲ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ መዓልቲ ኣውስትራልያ National Australia Day Council ኣብ 1979 ዝቖመ ኮይኑ ስልማታት ናይ’ቲ ዓመት ምሩጽ ኣውስትራልያዊ Australia of the Yearን ብዙሓት ኣብ’ቲ መዓልቲ ዝካየዱ ውራያትn ንጥፈታትን የወሃህድ።


Share

Published

Updated

By Karina Marlow, Ildiko Dauda
Presented by NITV
Source: NITV

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service