ትርጉም’ቲ ዓመት መጸ ዕለት 26 ጥሪ ዝበዓል መዓልቲ ኣውስትራልያ ኣብ ፈለማ እዋናት 19 ክፍለ ዘመን ካብ ዝሕሰብ/ዝውጠን ጀሚሩ በብግዚኡ እናተቐያየረ መጺኡ’ዩ። ሎሚ ብዙሓት እዚ ሃገራዊ መዓልቲ ጽምብላት ንምብዓልን ክብሪ ምሃብን ደቀባት’ዛ ሃገርን ታሪኾምን ዝለዓለ ተኽእሎ ኣለዎ ኢሎም ይኣምኑ።
መዓልቲ ኣውስትራልያ

‘ምምስራት ኣውስትራልያ’ - ቅብኣ ብኣልገርኖን ታልማጅ። ካፕተይን ኣርተር ፊሊፕ ዋንነት ብሪጣንያ ንምእዋጅ ጥሪ 26፡ 1788 ኣብ ሲድኒ ኮቭ፡ ኣውስትራልያ፡ ሰንደቕ ዓላማ የልዕል።
እዚ መዓልቲ 26 ጥሪ 1788 ካፕተይን ኣርተር ፊሊፕ ሰንደቕ ዓላማ ዓባይ ብሪጣንያ ዘንበልበለሉን ኣብ’ቲ ሕጂ ሲድኒ ኮቭ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወደብ ጃክሰን ምቛም ርሑቕ ኣካል ግዝኣት ብሪጣንያ ዝኣወጀሉን ህሞት ዝበዓላሉ ሃገራዊ መዓልቲ ኣውስትራልያ’ዩ።
ሃገራዊ ህዝባዊ በዓል

ቤተሰብ ተኣኻኺቡ ነቲ በዓል ይጽንብል
ካብ 1994 ጥራይ’ያ ብምሉኣ’ዛ ሃገር መዓልቲ ኣውስትራልያ/ኣውስትራልያ ደይ ዕለት 26 ብመልክዕ ሃገራዊ ህዝባዊ በዓል ከተብዕሎ ዝጀምረት። ንብዙሓት እቲ ዕለት ኣብ ውራያት ምዝንጋዕ ማሕበረሰብ/ኮሚውኒቲ ወይ ምስ ቤተሰብ፡ ኣዕሩኽ ኣብ ባርቢኲ/ምጥባስ ስጋ ወይ’ውን ክሪኬት ኣብ ቀጽሪ ገዛ ብምጽዋት ዘሕልፍዎ መዓልቲ’ዩ።
መመረቕታታት ንዜግነት

ቀዳማይ ሚኒስተር ማልከም ተ’ንቡል ምስ ሓደስቲ ተመረቕቲ ኣውስትራልያውያን ዜጋታት ኣብ ሓደ ጽምብል ምዕዳል ዜግነት ኣብ መዓልቲ ኣውስትራልያ
ኣብ’ዚ ዕለት 26 ጥሪ ኣብ መላእ ሃገር ኣውስትራልያ መመረቕታታት ንዜግነት ይካየዱ።
ንዝበዝሑ ሰባት ኣውስትራልያዊ ዜጋ ንምዃን እቲ ናይ መወዳእታ ደረጃ ቃለ መሓላ ምፍጻም’ዩ። እዚ መስርሕ ብኸመይ ይሰርሕ ንምፍላጥ ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ክፍሊ ኢሚግረሽን ከተንብቡ ትኽእሉ ኢኹም።
መዓልቲ ወራር

ኣብ መላእ ሃገር ኣብ መዓልቲ ኣውስትራልያ 2016 ምረሻታት ኣካይዶምን ‘መዓልቲ ወራር’ ተባሂላ ክትስየም መጸዋዕታ ኣቕሪቦምን
ንገለ ኣውስትራልያውያን፣ ብፍላይ ከኣ ደቀባት ኣውስትራልያን ህዝብታት ደሴታት መጻብቦ ቶረስን Aboriginal and Torres Strait Islander people ጥሪ 26 ናይ ሓጎስ መዓልቲ ኣይኮነትን፡ እቲ ወናኒ ዝነበሮ መሬት ብሰፈርቲ ብሪጣንያውያን ዝተወረረሉ ንምዝካር ዝተመደበ ዕለት ኮይኑ ይርአ።
መዓልቲ ሓዘን

ተቓውሞ ዘስምዑ ሰባት ኣብ መዓልቲ ሓዘን ጥሪ 26 1938 ዘርኢ ስእሊ (ስእሊ: AIATSIS)
ኣብ 1938፡ ኣብ መበል 150 ዓመታዊ ጽምብላት፡ ሓደ ኣባል ማሕበር ገስገስቲ መበቆላውያን Aboriginal Progressive Association ዝነበረ ዊልያም ኩፐርን ካልኦት ተቓለስትን ኣብ’ቲ ዕለት ብምርኻብ መዓልቲ ሓዘንን ተቓውሞን ኣካይዶም።
እቲ መዓልቲ ታሪኽ ደቀባት ኣውስትራልያን ህዝብታት ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ጥራይ ዘይኮነ ብሰንኪ’ቶም ኣሲሚሌሽን/መስርሕ ምውህሃድ ህዝብታትን ሴፓረሽን/ምፍልላይ/ምብትታን ዝበሃሉ ፖሊሲታት መንግስቲ ዝሰዓቡ ስቓያትን ንብዙሓት ሰባት ካብ መበቆላዊ መሬቶምን ባህሎምን ብሓይሊ ክውሰዱ ዝገበሩን ብወግዒ ምፍላጥ’ዩ።
ሉኣላውነት ደቀባት

ሉኣላውነት ደቀባት
መዓልቲ ወራር ሉኣላውነት ህዝብታት ደቀባት ንምርግጋጽ ከም ሓደ ዕድል’ውን ይርአ’ዩ። ኣብ ነብሲ ወከፍ ዓመት ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ን’ምብዓል’ መዓልቲ ኣውስትራልያ ዝቃወሙን ሉኣላውነትን ማሕበራዊ ፍትሒ ንደቀባት ኣውስትራልያ ዝጽውዑን ምረሻታት/ሰልፍታት ይካየዱ።
ንምንታይ እቲ መዓልቲ ይቕየር?

ተቓውሞ ኣብ መዓልቲ ኣውስትራልያ ጥሪ 26፡ 2016
እቲ በዓል ዝበዓለሉ ግዜ ዘይከም’ቲ ካልኦት ሃገራት ዝገብርዎ ሃገራዊ መዓልቶም ኣብ መዓልቲ ነጻነት ወይ ካልእ ፍሉይ መዓልቲ ዘብዕሉ እዚ መዓልቲ መግዛእቲ ስለዘመልክት ፍሉይ ስክፍታ ዝፈጥር ኮይኑ’ዩ ዝርአ።
“ኩልና እትዋት ኮይኑ ዝስምዓና፡ ኩልና ብማዕረ ንሳተፈሉን ነቲ ናይ ሓባር ኣውስትራልያዊ መንነትና ብሓበን ነብዕለሉ ካልእ መዓልቲ ንድለ።” ኣብ 1984 ብልጽቲ ኣውስትራልያዊት ተባሂላ ዝተሰለመት ሎዊትያ ኦ’ዶናኊ።
መዓልቲ ህላወ

ሓንቲ ሰበይቲ ባንዴራታት ደቀባትን ደሴት መጻብብ ቶረስን ኣብ ሙዚቃዊ ምርኢት መዓልቲ ህላወ ጥሪ 26፡ 2015 ተንበልብል።
ንብዙሓት ደቀባትን ህዝብታት ደሴታት መጻብቦ ቶረስን መዓልቲ ኣውስትራልያ ህላወ ህዝቦምን ባህሎምን ዝፍለጠሉ/ዝረጋገጸሉ ዕድል’ውን’ዩ።
“99% ካብ ህዝብና መዓልቲ ኣውስትራልያ ንባህልታት ደቀባትን ህዝብታት ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ዝሓቁፍ ክኸውን ኣለዎ’ዮም ዝብሉ። ኣነ ሓደ መዓልቲ ንኹላትና ኣካቢ ዝኾነን ሓቛፊ መዓልቲ ናይ ኩሎም ኣውስትራልያውያን ዝኾነ ዕለት ክንመርጽ ምዃና ድልዱል እምነት ኣለኒ።” ሚክ ዶድሰን ናይ ሕጊ ፕሮፌሰርን ብሉጽ ኣውስራልያዊ ናይ 2009
እቲ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ መዓልቲ ኣውስትራልያ National Australia Day Council ኣብ 1979 ዝቖመ ኮይኑ ስልማታት ናይ’ቲ ዓመት ምሩጽ ኣውስትራልያዊ Australia of the Yearን ብዙሓት ኣብ’ቲ መዓልቲ ዝካየዱ ውራያትn ንጥፈታትን የወሃህድ።

