እቲ ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራት ትግራይ ዘሰናድኦ መድረኽ ኣፍልጦ “የቐንየልና ጀጋኑና” ነባራት መራሕቲ ህወሓትን መንግስትን፣ ኣባላት ሓይልታት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ብቅርሕንቲ ካብቲ ዝተፈልዩ ነበራት ተጋደልትን ዝተሓውሱሉ እዩ።
መድረኽ ኣፍልጦ 11 ለካቲት ንህዝቢ ትግራይ፣ ሰማእታት ትግራይ፣ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ስድራ ስዉኣት፣ ክሳብ 1993 ዓ.ም ኣብ ውድብን መንግስቲን ብዝተፈላለዩ ብርኪ ሓላፍነት ዘገልገሉ ነባራት ኣመራርሓ፣ ክሳብ 1993 ዓ.ም ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘገልገሉ ኣባላትን ኣመራርሓን፣ ክሳብ 2010 ዓ.ም ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘገልገሉ ኣባላትን ኣመራርሓን “የቐንየልና ጀጋኑና” ብዝብል ኣፍልጦ ወረቐት ምስክር ተዋሂቡዎም።
ስዒቡ ከኣ ንሓፋሽ ማሕበራት ኣፍልጦ ብምሃብ ንማሕበር ጉዱኣት ኲናት፣ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ፣ ማሕበር መናእሰይ፣ ማሕበር ተጋደልቲ ህወሓት፣ ማሕበር ከየንቲን ማሕበር ባህሊ ትግራይን ተቛደስቲ’ቲ ሽልማት ኮይኖም።
እልብ ምዕባለ ልምዓትን ምንጋስ ሰላምን ትግራይ ግደኦም ዘበርክቱ ዘለዉ ሚዲያት ተሸሊሞም እዮም።
ብመሰረት እዚ ፋና ኤፍ ኤም መቐለ፣ ድምፂ ወያነ ትግራይ፣ ጋዜጣ ወይን፣ ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ፣ ኤፍ ኤም መቐለን መቓልሕ ትግራይን ተሸሊሞም።
ዩንቨርስቲታት ትግራይ እውን ብመሰረት ኣብ ትግራይ ንውሕስነት ሰላም፣ ምርምር ልምዓትን ወዘተ ዝገብርኡ ፃዕሪ ዩንቨርስቲ መቐለ፣ ዩንቨርስቲ ኣክሱም፣ ዩንቨርስቲ ዓዲግራትን ራያን ተሸሊመን እየን።
እቲ መድረኽ ኣፍልጦ ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ሰኑይ ድሕሪ ቀትሪ ክሳለጥ ከሎን፥ ፀሎት ሕሊና ብምክያድ እዩ ተጀሚሩ።
ኣብቲ መድረኽ ካብ ነባራት ተጋዳልቲ ህወሓት፣ ተጋዳላይ ስዩም መስፍን፣ ተጋዳላይ ገብሩ ኣስራት፣ ተጋዳላይ ስብሓት ነጋ፣ ተጋዳላይ ተወልደ ወልደማርያም፣ ተጋዳላይ ኣባይ ፀሃየ፣ ተጋዳላይ ፃድቃን ገብረትንሳኤ፣ ተጋዳላይ ስየ ኣብርሃ፣ ተጋዳሊት ኣረጋሽ ኣዳነ፣ ተጋዳላይ ሳሞራ የኑስ፣ ተጋዳላይ ቢተው በላይ፣ ተጋዳላይ ኣበበ ተኽለሃይማኖት (ጀቤ) ወዘተ ተረኺቦም እዮም።

