SKIP TO MAIN CONTENT

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሰልፊ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ኮንግረስ (ANC) ንስይሪል ራማፎዛ መራሒ’ቲ ሰልፊ ክኸውን መሪጽዎ።

Ramaphoza
Ramaphoza Source: AAP

2 min read

Published

By Beyene Semere


Skip to article content

 ምክትል ፕረሲደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ወዲ  65 ዓመት ራማፎዛ  ን ንቆሳዛና ድላሚኒ ዙማ ብዉሑድ ድምጺ ቀዲሙ’ዩ ንፕረሲደንት ጃኮብ ዙማ ዝትክኦ ዘሎ።

ኣብ 2019 ኣብዝግበር ሃገራዊ ምርጫ  ሰልፊ ኤአንሲ አንተተዓዊቱ፡ ራማፎዛ ፕረሲደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ክኸውን ማለት እዩ። ድሕሪ ምውዳቕ ኣፓርታይድ ካብ 1994 ኣትሒዙ ሰልፊ አኤአንሲ’ዩ እናተዓወተ ኣብ ስልጣን ጸኒሑ ንደቡብ ኣፍሪቃ ዝመርሓ ዘሎ።

ራማፎዛ ኣብ 1952 እዩ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ናይ ጆሃንስበርግ ኣብ ሶወቶ ተወሊዱ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣትዩ ብሕጊ ተመሪቑ። ኣብ ናይ ተመሃሮ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኣትዩ ድማ መራሒ ማሕበር ተመሃሮ ደቡብ ኣፍሪቃ ኮይኑ ኣገልጊሉ።

ራማፎዛ ብሰንኪ ኣብ ፖለቲካ ዝነበሮ ንጥፈት ክእሰር ክፍታሕ ድሕሪ ምጽናሕ ናይ ሕጊ ትምህርቱ ካብ ዩኒቨርሲቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ብናይ ርሑቕ ትምህርቲ ዲግሩ ወዲእዎ። ራማፎዛ ኣብ ግዜ ቃልሲ ብዙሕ ኣበርክቶ ክገብር ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 1991 ናይ አኤአንሲ ዋና ጸሓፊ ኮይኑ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ደሞክራሲ ኣብትገብሮ ዝነበረት ምስግጋር ቀንዲ ተላዛቢ ነይሩ። ኣብ 1994 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተገብረ ናይ ፈለማ ደሞክራሲያዊ ምርጫ ኣባል ፓርላማን ናይ ድሕረ ኣፓርታይድ ቅዋም ዝጸሓፈ እዩ።

ንሱ ምክትል ፕረሲደንት ናይቲ ቀዳማይ ጸሊም መራሒ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ነልሰን ማንዴላ ክኸውን ትጽቢት ተገይርሉ ዝነበረ ኮይኑ፡ እንተኾነ ታቡ ኢምቤኪ በሊጽዎ ዳሕሪ ማንዴላ ድማ ኢምቤኪ ፕረሲደንት ደቡ ኣፍሪቃ ኮይኑ።

ራማፎዛ ኣብቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ንጸለምቲ ብቑጠባ ንምምዕባል ኣብ ዝተገብረ ፕሮግራም ኣብ ቢዝነስ ተዋፊሩ ብፍላይ ድማ ኣብ ወፍሪ ዕደናን ሕርሻን ተዋፊሩ ሎሚ ካብ ሃብታማት ደቡብ ኣፍሪቃዊያን ሓደ ክኸውን ኪኢሉ ኣሎ።

እቲ ዝተዋፈረሉ ናይ ማዕድን ቢዝነስ ምስቲ ኣብ 2012 ኣብ ሰራሕተኛታት ማዕድን ማሪካና ዝትፈጸመ ቅትለት 34 ሰራሕተኛታት ስለዘተሓሓዞ ብሕማቕ ክጥመት’ዩ ጸኒሑ። እንተኾነ ነቲ ጉዳይ ዘጻሪ ኮሚሽን ተጣይሱ ራማፎዛ ካብ ገበን ነጻ ገይርዎ። ተቓወምቲ ሰልፊታትን ናይ ቀደም ተጋደልቲን ግና ኣብ ቅትለት ማሪካን ኢድ ኣለዎ አናበሉ ክኸስዎ እዮም ጸኒሑ።

ራማፎዛ ኣብቲ እዋን ዝተዛረቦ ሕማቕ ዘረባ ይቕረታ ድሕሪ ምሕታት ኣብቲ እዋን ቅትለት ተወሳኺ ህልቂት  ሰባት ከይህሉ ምስራሑ ስለተረጋገጸሉ፡ ኣብ 2014 ምክትል ፕረሲደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ክኸውን ኪኢሉ ኣሎ። ሎሚ ድማ ኣቦ ወምበር ሰልፊ ሃገራዊ ኣፍሪቃዊ ኮንግረስ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now