SKIP TO MAIN CONTENT

ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብ ድንድል ኦምሓጀር-ሑመራ ተዓጽዩ።

እቲ ዶብ ብወግዒ ከምተኸፍተ ዝተዋህበ ሓበሬታ ከምዘይነበረን፡ ዳግማይ ንኽዕጾ ዝገበረ ምኽንያት’ውን ዛጊት ከምዘይተገልጸ እቲ ዜና ገሊጹ ኣሎ።

Horn Africa
Source: Awate.com

1 min read

Published

By SBS Tigrinya

Source: SBS


Skip to article content

ካብ ኦምሓጀር ንሑመራ ዘሰጋግር ሩባ ሰቲት ናይ ተፈጥሮ ሕንጻጽ ዶብ ኮይኑ ናብ ክልቲኡ ሃገራት ዘሰጋግር ድንድል ዝተሃንጸሉ እዩ። ድሕሪቲ ናይ 1998-2000 ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ፡ ብምሉኡ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ተዓጽዩ ምጽንሑ ዝዝከር እዩ። ኣብዚ ቅሩብ እዋን ኣብ መንጎ ክልቲኡ መንግስታት ብዝተበጽሕ ስምምዕ እቲ ናይ ዶብ ኦምሓጀር ሑመራ ንትሕቲ ሓደ ሰሙን ተኸፊቱ ድሕሪ ምጽናሕ ከምተዓጽወ ገዳብ ኒውስ ካብቲ ከባቢ ብዝረኸቦ ሓበሬታ ጸብጺቡ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን እቲ ናብ ክልቲኡ ሸንኽ ዘሰጋግር መገዲ ብኣእማንን ኣእሻዂ ዘለዉ ጨንፈራትን ዳግማይ ከምተዓጽወ እቲ ዜና ወሲኹ ገሊጹ ኣሎ። እቲ ዶብ ብወግዒ ከምተኸፍተ ዝተዋህበ ሓበሬታ ከምዘይነበረን፡ ዳግማይ ንኽዕጾ ዝገበረ ምኽንያት’ውን ዛጊት  ከምዘይተገልጸ እቲ ዜና ገሊጹ ኣሎ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now