SKIP TO MAIN CONTENT

ኣብ ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ኣርባዕተ ናይ ንግዲ መተሓላለፊ ነቑጣታት ክትከሉ እዮም።

እቶም ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝኽፈቱ ነቑጣታት ግዚያዊ ኮይኖም፡ ንጥፈታት ንግዲ እናሰፍሐ ምስከደ ከከም ኩነታቱ ተወሰኽቲ ነቑጣታት ክኽፈቱ እዮም። ብወገን ኢትዮጵያ፡ ነቶም ነቑጣታት ዘድልዩ ሎጂስቲካውን ሓይሊ ሰብን ተመዲቡ ከምዘሎ ወሲኹ ገሊጹ።

Feature
Source: ETV

2 min read

Published

Updated

By Beyene Semere

Source: EBC


Skip to article content

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ ን ኤርትራን ሕጋዊ ናይ ንግዲ ምልውዋጥ ንምጅማርን ንምቁጽጻርን፡ ኣርባዕተ ናይ ንግዲ መቆጻጸሪ ነቑጥታት ንምኽፋት ብሕቡእ ስርሑ ከምዝዛዘመ ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ጉምሩክ ኣፍሊጡ።

ካብቶም ኣርባዕተ ዝኽፈቱ ነቑጣታት፡ እቶም ክልተ ኣብ ዛላምበሳን ራማን እዮም ክኾኑ። ክልቲኤን ሃገራት ብሰንኪ ኲናት ዶብ፡ ኣብ መንጎኤን ዝነበረ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ምልውዋጣት ንኣስታት ዕስራ ዓመት ድሕሪ ምዕጻዉ፡ ዝሓለፈ ዓመት ብ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ናይ ለውጢ ሓይሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስልጣን ምስተረከበ እዩ ዝምድናታት ተጀሚሩ።

ዝሓለፉ ኣዋርሕ ህዝቢ ንህዝቢ ብናጻ ክራኸብ እንተኸኣለን ንግዲታት ብፍኑው ካብን ናብትን ክንቀሳቐስ እንተጸንሐኳ፡ እቲ ናይ ንግድ ልውውጥ ኣሰራርሓ ጉምሩክን ሕጋዊ ልውውጥ ንግዲን ከይተኸተለ እዩ ክግበር ጸኒሑ።

ከምዝፍለጥ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ንምትእትታው ብዝብል ምኽንያት እቲ ተኸፊቱ ዝነበረ ዶብ ዛላምበሳ ተዓጽዩ እዩ ዘሎ።

ነዚ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝህሉ ቁጠባዊ ምልውዋጥ ሕጋውነት ንምልባስ ተባሂሉ እምበኣር’ዩ ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ግምሩክ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ድሉው ኮይኑ ከምዘሎ ዝገለጸ።

በዚ መሰረት እቲ ዝተዳለወ ናይ ንግድ ትራንዚት ኣሰራርሓ፡ ብናይ ጉምሩክ ኮሚሽን ኣቢሉ ተዳሊዩ እቲ ሰነድ ነቲ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝምራሕ ብደረጃ ሃገር ቆይሙ ዘሎ ኮሚቴ ከምተረከበ፡ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ግምሩክ ክፍሊ ምክትታል ሕጊ ምክትል ኮሚሽነር አቶ ሙሉጌታ በየነ ኣፍሊጡ ኣሎ።

 

እቲ ፕሮቶኮል ትራንዚት ንግድ ፡ ብክልቲኤን ሃገራት ጸዲቑ ኣብዝቅሩብ እዋን ኣብ ተግባር ከምዝውዕል ካብ ኢትዮጵያ ዝተፈነወ ዜና ሓቢሩ።

ብመሰረ መግለጺ ኮሚሽነር ሙሉጌታ እቶም ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝኽፈቱ ነቑጣታት ግዚያዊ ኮይኖም፡ ንጥፈታት ንግዲ እናሰፍሐ ምስከደ ከከም ኩነታቱ ተወሰኽቲ ነቑጣታት ክኽፈቱ እዮም። ብወገን ኢትዮጵያ፡ ነቶም ነቑጣታት ዘድልዩ ሎጂስቲካውን ሓይሊ ሰብን ተመዲቡ ከምዘሎ ወሲኹ ገሊጹ።

ብዘይካዚ፡ ኮሚሽን ግምሩክ ኢትዮጵያ፥ ናይ ክልቲኤን ሃገራት ቁጠባዊ ዝምድና ንምድልዳል፡ ኣብ ባጽዕን ዓሰብን ቤት ጽሕፈት ከምዝኸፍት ኮሚሽነር ሙሉጌታ ገሊጹ። ኣብዚ እዋን ኢትዮጵያ እቲ ቀንዲ ናይ ወደብ ኣገልግሎት ትረኽበሉ ጂቡቲ ኮይኑ፡ እዚ ኣብ ባጽዕን ዓሰብን ዝኽፈት ኣብያተ ጽሕፈት ግምሩክ ካብተን ናይ ኤርትራ ወደባት ዝርከብ ኣገልግሎታት ንምቅልጣፍ ከምዝሰርሕ ተሓቢሩ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now