SKIP TO MAIN CONTENT

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝግበር ናይ ኣድሕን ስርሒትን ዝዋስኣ መራኽብ ከምዘይህልዋ ተፈሊጡ።

Aquarius 2, እታ እንኮ መርከብ ኣብ ማእከላይ መዲተራኒያ ባሕሪ ኣብ ድልያን ኣድሕንን ስደተኛታት ተዋፊራ ዘላ መርከብ እያ። ኣብዚ እዋን 58 ዝደሓኑ ሰባት ሒዛ ኣብ ባሕሪ እያ ተንሳፍፍ ዘላ።

News
Source: AAP

1 min read

Published


Skip to article content

ኣብ ባሕሪ ከይደን ዝዋፈራ መራኽብ ሓዲሽ ፍቓድ እንተዘይረኺበን ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝግበር ናይ ኣድሕን ስርሒት ዝዋስኣ መራኽብ ድሕርሕጂ ከምዘይህልዋ ተፈሊጡ። እዚ ዝመጽእ ዘሎ ሰብ መዚ ማሪታይም ፓናማ፣ ናይ ድልያን ኣድሕንን መርከብ  Aquarius 2 ምዝገባ ከምዝስረዝ ምስገበሩ እዩ።

 Aquarius 2, እታ እንኮ መርከብ ኣብ ማእከላይ መዲተራኒያ ባሕሪ ኣብ ድልያን ኣድሕንን ስደተኛታት ተዋፊራ ዘላ መርከብ እያ። ኣብዚ እዋን 58 ዝደሓኑ ሰባት ሒዛ ኣብ ባሕሪ እያ ተንሳፍፍ ዘላ።

 ትርጉም ናይ እቲ ብሰብ መዚ ፓናማ ዝተወሰነ ዉሳነ እታ መርከብ ናብ ወደብ ምስተመልሰት ሓዲሽ ፍቓድ እንተዘይረኺባ ዳግም ናብ ድልያን ኣድሕንን ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ሊብያ ኣይክትዋፈርን እያ።

 SOS Mediterranee, ሓደ ካብ ናይ ረዲኤት ትካላት ኮይኑ ን Aquarius ዘመሓድር እዩ። እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቲ ምስራዝ ፍቓድ ዝተወሰነ ብመንግስቲ ጥሊያን ጸቕጢ ምስበዝሐ እዩ።

 መንግስቲ ጥሊያን ኣብ ልዕሊ ፓናማ ዝኾነ ይኹን ጸቕጢ ኣይፈጠረን ክብል ናይ ጥልያን ናይ ዉሽጢ ሃገር  ሚኒስተር ማቴው ሳልቪኒ ገሊጹ ኣሎ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now