ኣብ ዋና ከተማ ናይ ኬንያ ኣብ ናይሮቢ ዕጡቓት ናብ ሓደ ሆቴል ኣትዮም መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙን ነቲ መጥቃዕቲ ኣልሸባብ ከምዝፈጸሞን ኣፍሊጡ። በቲ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 6 ሰባት ከምተቐትሉን እዚ ኣብ ናይሮቢ ዝተፈጸመ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ድሕሪ 5 ዓመት እዩ ዝኸውን ዘሎ።
ናይ ኬንያ ሓላፊ ፖሊስ ጆሴፍ ቦይነንት ከምዝገለጾ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ መኻይን ዝዓለመ ተዂሲ ድሕሪ ምጅማር ብነፍሰ ቅትለታዊ ምፍንጃር እዩ ቀጺሉ።
ድሕርቲ ኣብ እዋን ለይቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ናይ ናይሮቢ ፖሊስ ኣብ ዙርያ እቲ ሆቴል ዘሎ ህንጻታት ብምኽባብ ካብቲ መጥቃዕቲ ህይወቶም ዝደሓነ ንምድላይ ኣብ ተፍትሽ ኣትዮ።
"እቲ ናይ ገበን ስራሕ ኣብ ሰዓታት 12 ፍርቂ ለይቲ ከምዝተፈጸመ ኣረጋጊጽና ኣለና። እቲ ብዝተወሃሃደ መልክዕ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ I&M ባንክ ጀሚሩ ኣብቲ ናይ መካይን ደው መበሊ ዝነበራ ሰለስተ መኻይን ዝዓለመ ብምፍንጃር እዩ ፈሊሙ። “ ክብል ቦይነንት ኣብ ተለቪዥን ናይታ ሃገር መግለጺ ሂቡ።
እቲ ኣብቲ 101 ናይ ሆቴል ክፍልታት፡ ቤት መግቢን ናይ ቤት ጽሕፈት ህንጻታት ዘለዎ ቀጽሪ DusitD2 ናይ ዉሽጥን ናይ ወጻኢ ኩባኒያታት ዝሓዘ ህንጻ እዩ። እቲ ኣብቲ ህንጻ ዝነቶገ ቶኺሱ ክሳብቲ 5 ኪሎሜተር ርሒቑ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት AFP ተሰሚዑ።
እቲ ኣብ 2013 ኣብ ሓደ ቤት ዕዳጋ ናይ ናይሮቢ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ምስ ኣልቃዒዳ ዝምድና ዘለዎ ኣልሸባብ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሞ ሓላፍነት ወሲዱ ኣሎ።
blob:https://www.sbs.com.au/cae15575-0076-4e99-9065-0792df67e86c

