ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምዕራብ ወለጋ ዞን 10 ባንክታት ብዕጡቓት ከምተሰርቁ፣ ናይቲ ዞባ ማሓዳሪ ን ራዲዮ ዶቼ ቬለ ገሊጹ። እቲ ዝተሰርቀ ገንዘብ መጠኑ ክንደይ ከምዝኾነ ከምዘይተፈልጠ እቲ ኣማሓዳሪ ዘፍለጠ ኮይኑ፡ ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ 4 ናይ ወረዳታት ናይ መንግስቲ ኣብያተ ጽሕፈታት ኣቃጺሎምን ኣብ ካልእ ወረዳታት ድማ ከምዝዘረፉን ድማ ኣፍሊጡ።
እዚ ከምዚሉ ከሎ፡ ናይ ኢትዮጵያ ሓይልታት ሃገራዊ ምክልኻል ኣብ ምዕራባዊ ኦሮሚያ ቀለም ወለጋን ከባቢኡን ብናይ ኣየር ደብዳብ ከምተኻየደ ካብቲ ከባቢ ዝወጹ ሓበሪታታት ኣመልኪቶም።
እቲ ደብዳብ ኣብቲ ናይ ግምባር ናጻነት ኦሮሞ (ኦነግ) መዕለሚ ማዓስከራት ዝዓለመ ምዃኑ እዩ ተገሊጹ ዘሎ፡፣
እዚ ትማሊ ዝተገብረ ደብዳብ ድሕር’ቲ ኣብቲ ብንግዳዊ ባንኪታት ኢትዮጵያን ናይ ሕብረት ባንኪታት ኦሮሚያን ድሕሪ ዝተገብረ ናይ ገንዘብ ምዝራፍ እዩ።
ዝሓለፈ ዓርቢ ምክትል ሓለቓ ስታፍ ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ንናይ ውሽጢ ሃገር ጋዜጠኛታት ኣብዝሃቦ መግለጺ ኣብ ምራባዊ ኦሮሚያ ብዕጡቓት ጉጅለ ኦነግ ኣብዚ ቅሩብ ኣዋርሕ ከቢድ ዕንወት ይፍጸም ከምዘሎ ገሊጹ ኔሩ። እንተኾነ ናይ ፈደራል ሰራዊት ጣልቃ ብምእታዉ ነገራት ይመሓየሹ ከምዘለዉ እዩ ገሊጹ ኔሩ።
ኦነግ፡ ኣብቲ ሰራዊቱ ዝንቀሳቐሰሉ ዘይሕጋዊ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ይውሰደኒ ኣሎ ብምባል ንፈደራል ምክልኻል ከሲሱ ኣሎ፡፣
ኣብ ካልእ ዜና ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዓበይቲ ጎደናታት ብተቓወምቲ ዓፋር ከምተዓጽዉ ተፈሊጡ። ብሰንኪ’ዚ ናይ ባቡር ከይተረፈ ኣገልግሎት ምጓዓዝያ መሬት ተቛሪጹ። ካብቶም ተዓጽዮም ዘለዉ ዓበይቲ ጎደናታት መስመር አዲስ አበባ - ጅቡቲ ይርከቦ።

