SKIP TO MAIN CONTENT

ኣብ ኢትዮጵያ ዓሌታዊ ግጭት ብምጉህሃሩ ሰባት ይቕተሉ ማሕበራዊ መዲያ ይዕጾ ኣሎ።

Protest In Ethiopia
Protest In Ethiopia Source: AAP

1 min read

Published

By SBS Tigrinya

Source: SBS


Skip to article content

ኣብ ኢትዮጵያ ዳግም ተጓሃሂሩ ብዘሎ ዓሌታዊ ግጭታት ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ሃገር ማሕበራዊ ሜድያታት ከምተዓጽቁ ኣሶሽየት ፕረስ ካብታ ሃገር ጸብጺቡ።

ኣብ ኦሮሚያ ድሕሪ ዝተፈጸመ ቅትለታት ትማሊ ፈይስቡክን ትዊተርን ተዓጽዩ ከምዝወዓለ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ክልል ኦሮሚያ ኣዲሱ ኣረጋ ከምዝገለጾ ኣብ ጨለንቆ ሽዱሽተ ሰባት ተቐቲሎም ብሰብ መዚ ጸጥታ ምርመራ ይግበረሉ ኣሎ።

ማዕከን ዜና ኣዲስ ስታንዳርድ ከምዝጸብጸቦ ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን ዝርከብዎም 15 ሰባት በቲ ዓሌታዊ ግጭት ተቐቲሎም ኣለዉ።

ሰብ መዚ ኦሮሚያ ንነዊሕ እዋን ዘማረርሉ ነገር፡ ፍሉይ ኣሃዱ ፖሊስ ካብ ጎረቤት ክልል ሶማል እናኣትዉ ህዝቢ ኦሮሞ ይቕተል ኣሎ። ኣብ ዶብ ኦሮሞያን ሶማሊ ኢትዮጵያን ብዙሕ ዘሰሓሓብ ጉዳያት ኣለዉ።

ኣመሪካ ነቲ ጉዳይ ኣብ ምፍታሕ ከምትሕግዝ ዝገለጸት ክትከውን ከላ፡ ኣብቲ ዞባ ተፈናቒሎም ዘለዉ 660,000 ዓሌት ኦሮሞ ደገፍ ከምትገብር ኣፍሊጣ ኣላ።

ን ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት ወሲኽካ ኣብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርሲታት እታ ሃገር ህውከትን ኣብ ገሊኡ ቅትለት ተመሃሮ ይኽሰት ኣሎ። ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ዝርዝር ሓበሬታ እናተኸታተልና ከነቕርብ ኢና።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now