ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ፈጻሚ ሽማግለ ኢህወደግ፡ ሃገራዊ ምርጫ በቲ ዝተመደበሉ እዋን ንዓመታ ከምዝግበር ኣረጋጊጹ። እዚ ዝመጽእ ዘሎ ብዙሓት ፖለትካዊ ዉዱባትን ፖለቲከኛታትን ኣብታ ሃገር ብዘሎ ዘይምርግጋእ ምርጫ ክናዋሕ ይኽእልዩ ዝብል ስግኣት ኣብ ዘስምዕሉ እዋን’ዩ እዚ መረጋገጺ ካብቲ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ውድብ ዝቐርብ ዘሎ።
እቲ ናይ ኢህወደግ ፈጻሚ ሽማግለ ህዝቢ ድምጹ ዝህበሉ ዕለት እኳ እንተዘይሃበ እቲ ምርጫ ንዓመታ ከምዝግበር ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ኢህወደግ ዝኾነ ጌታቸው ረዳ ኣረጋጊጹ ኣሎ ክብል ሮተርስ ጸብጺቡ።
ኣብዚ ቅሩብ እዋን ኣብ ክልል ኣምሓራ ተፈቲኑ ዝነበረ ዕልዋ መንግስቲን ነቲ ፍጻመ ስዒቡ ላዕለዎት ጀነራላትን ሓለፍቲ እቲ ክልልን ምስ ጠቐትሉን፥ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣስፋሕፊሑ ብዝርከብ ዓሌታዊ ግጭትን ኢህወደግ ጸጥታ እታ ሃገር ከውሕስ ዓቕሙ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ ኣሎ ካብ ዝብል ብዙሓት እቲ ምርጫ ክናዋሕ እዩ ዝብል ግምት ክህቡ ምጽናሖም ይፍለጥ።

