ኣብዚ ቅነ ኣስታት 40 ኣባላት ሜቴክ (ኢንጅነሪንግ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ሃገር)ን ድሕነትን ናብ ኣኼባ ምስተጸውዑ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም። ዝብል ዜና ድሕሪ ምዝጋሑ፡ ብዛዕባዚኦምን ካልኦት ገበን ሰብኣዊ ግህሰትን ብልሽውናን ፈጺሞም ተባሂሎም ኣብዚ ቅነ ዝተኣስሩ ኣመልኪቱ ናይ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ሓላፊ ብርሃኑ ጸጋዬ ብዛዕባዞም ኣብ ቁጽጽር ዊዒሎም ዘለዉ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን፣ ኣገልግሎት ሃገራዊ ሓበሬታን ድሕነትን ሰባት ንምስቓይ ብዙሓት ሕቡኣት ኣብያተ ማኣሰርቲ ከምዝጸንሑ ገሊጹ።
ኣብ ኣዲስ አበባ ጥራይ ሸውዓተ ሕቡኣት ኣብያት ማኣሰርቲ ከምዝጸንሐ እቶም ዝእሰሩ ሰባት ዓይኖም ተሸፊኖም ብኣምቡላንስ ይውሰዱ ከምዝነበሩ ተገሊጹ፡፡
እዞም ሕቡኣት ኣብያተ ማእሰርቲ ነቶም ተጠርጠርቲ ንምስቓይ፡ ናይ ኤሌክትሪክ ሾክ ፣ ገልቢጥካ ምእሳር፣ ቆርበት ብልዕቲ ብፒንሳ ምቕርጣም፣ እሱራት ጸሓይ ከይረኽቡ ምግባር፣ ኣብ በረኻ ጥራሕ ነፍሶም ከምዝሓድሩ ምግባር፣ ኣብ ኣፍንጫ ፒሮ ምእታው፣ ኣብ ብልዕቶም ማይ ዝመልአ ማይ ምንጥልጣል፣ ጽፍሮም ምንቃል፣ ብሰለፍ ጠበንጃ ምህራምን፣ ብጥይት ምህራምን ምስ ኣራዊት ከምዝእሰሩ ክግበርውን ከምዝጸንሐ ተገሊጹ።
ደቂ ኣንስትዮ ብሓይሊ ምድፋር ኣብ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ’ውን ስራሕ ግብረ ሰዶም ክፍጸሞም ከምዝጸንሐ ተገሊጹ። እዚ ብሃገራዊ ድሕነት ከም ስሩዕ ስራሕ ክቕጽል ከምዝጸንሐን እናተገምገመ ተወሳኺ መምርሒ ክወሃበሉ ከምዝጸንሐን ተገሊጹ።
ምስ ብልሽውና ዝተኣሳሰረ ጉዳይ፡ ብፍላይ ምስ ትካል ሓጺንን ኢንጂነሪንግ (ሜቴክ) ናይ መንግስቲ ፕሮጄክትታት፣ ዕድግን ዘይሕጋዊ ናይ ገንዘብ ዝውውር ብዝምልከት መርመራታት ከምተገብረ ተገሊጹ። ብዘይ ዝኾነ ይኹን ጨረታ ካብ ወጻኢ ሃገርን ካብ ውሽጥን ዕድጊታት ብዝምድናን ብጥቕሚን ይፍጸሙ ከምዝነበረ ኣፍሊጡ። በዚ ምኽንያት፣ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተጠርጢሮም 36 ዉልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝወዓሉን ምስ ብልሽውና ዝተኣሳሰረ ክሲ ድማ 27 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ። ብምባል መግለጺ ተዋሂቡ።
ዛጊት ዘይተታሕዙ ከምዘለዉን ቁጽሪ ተጠርጠርቲ ኣብ መጻኢ ክውስኽ ከምዝኽእል ሓላፊ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ገሊጹ።
ብተወሳኺ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተገበር ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ንምቕታል ዝተፈተነ ፈተነን ክልተ ሰባት ዝቐተለ ተዂሲ ብትእዛዝ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ከምተፈጸመ ገሊጹ። እቲ ሓላፊ ዝበሃል ዘሎ ኣቶ ተስፋዬ ኡርጌ ዶ ወይስ ኣቶ ጌታቸው አሰፋ መኖም ከምዝኾነ ብጋዜጠኛታት ተሓቲቱ ናይ ኣገልግሎት ሃገራዊ ድሕነት ሓላፊ መን ምዃኑ ፍሉጥ እዩ ብምባል መሊሱ።

