SKIP TO MAIN CONTENT

ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጌዴኦ ኣብ መዓልቲ ካብ 3 – 4 ሰብ ብጥምየት ይመውት ከም ዘሎ ተፈሊጡ።

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብዚ እዋን ተመዛቢሎም ንዝተፈላለዩ ሓደጋታት ዝተቓልዑ ህዝቢ ጌድኦ 5 ሚልዮን ብር ሓገዝን ኣብቲ ከባቢ ከይዶም ህፁፅ ሞያዊ ሓገዝ ዝገብሩ 15 ዶካትርን 10 ነርስታትን ብሓፈሻ 25 ሰብ ሞያ ጥዕና ዝሓዘ ጉጅለ ብምልኣኽ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ጌድኦ ጠጠው ከም ዝብል ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

Homeland
Source: DW

3 min read

Published

By Tsegay Kinfe


Skip to article content

ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጌዴኦ ብመዓልቲ ካብ 3 – 4 ሰብ ብረሃብ ይመውት ከም ዘሎ ፕረዝደንት ሲኖዶስ ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን መካነ እየሱስ ክልል ደቡብ ቀሺ ወልዴ ኣየለ ተዛሪቦም፡፡

እቶም ብዓሌታዊ ጎንፂ ዝተመዛበሉ ግዳያት “ምግቢ ምስ ሰኣኑ ናብ መረበቶም ክምለሱ እዮም” ብዝብል መንግስቲ ዕሽሽ  ስለ ዝበሎምን ትካላት ረድኤት ናብቲ ቦታ ከይንቀሳቐሳ ስለ ዝኸልከልከለን  ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ከም ዝወደቑ ድማ ሓላፊ ትምህርቲ ጥዕና ሕብረተ ሰብ ዩኒቨርሲቲ ዲላ አቶ ትዝአለኝ ተስፋዬ ሓቢሮም፡፡

ካብ ዞባ ምዕራብ ጉጂ ተመዛቢሎም ኣብ ዞባ ጌዴኦ ጥራሕ ኣስታት 199 ሽሕ ሰባት ክብሉ ንራደዮ ጀርመን ዲ ደብለዩ ዝሓበሩ ሓላፊ ስግኣት ሓደጋን ምክያድ ስራሕን እታ ዞባ  አቶ ትዕግስቱ ገዛኸኝ ብወገኖም እቶም ተመዛበልቲ ኣብ ሽዱሽተ ወረዳታትን ሓንቲ ምምሕዳር ከተማን ከም ዘለዉ ኣረዲኦም፡፡

እቶም ቅድሚ ዓሰርተ ኣዋርሕ ኣብ ሞንጎ ዓሌት ኦሮሞን ዓልየታት ደቡብን ብተወልዐ ጎንፂ ዝተመዛበሉ ነፍሰ ፁራት፣ ህፃናት፣ ደቂ ኣነስትዮን ሽማግለታትን ዝርከብኦም ሰባት ሕጂ ኣብ ቁሸታት፣ ኣብ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲን ኣብ ዝረስሑ ከባቢታትን ተፀጊዖም ግዳያት ረሃብ፣ ማይ ወለድ ሕማማትን ሞትን ይኾኑ ከም ዘለዉ ሰብ መዚ እቲ ከባቢን መራሕቲ ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን መካነ እየሱስ ገሊፆም፡፡

ንወረዳ ገደብን ከተማ በገደብን ከምኡ እውን ን ጎቲቲ፣ ባንቆራን ጮርሶ ማዞሪያን ኣብ ዝተብሃሉ ቁሸታት ዘፅለሉ ተመዛበልቲ ተዛዊሮም ዝተዓዘቡ  ፕረዝደንት ሲኖዶስ ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን መካነ እየሱስ ክልል ደቡብ ቀሺ ወልዴ ኣየለ “ኣብ ዘሰክፍ ኩነታት እዮም ዘለዉ” ኢሎም፡፡

“ብረሃብ ጥራሕ ብመዓልቲ ካብ 3 – 4 ሰብ ይመውት” ዝበሉ ቀሺ ወልዴ ኣየለ ፤ “ ኣብ ውሽጢ ዚ ሓደ ወርሒ ዝመፀ ረድኤት የለን፡፡ ሰብ ብረሃብ ይሃልቕ እዩ ዘሎ” ኢሎም፡፡

ሓላፊ ትምህርቲ ጥዕና ሕብረተ ሰብ ዩኒቨርሲቲ ዲላ አቶ ትዝአለኝ ተስፋዬ ብወገኖም እቶም ግዳያት ዝብላዕ ምግቢ ወድሰብ ምስ ቀበጹ ናይ እንስሳቶም መግቢ ክምገቡ ከም ዝጀመሩ ኣረዲኦም ንሕማማት ኮሌራ፣ ኣንቅፂንካልኦትን ከም ዝተቓልዑ ተዛሪቦም፡፡

ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ልዕሊ 950 ሽሕ ተወለድቲ ጌዴኦ ካብ መረበቶም ካብ ዝመዛበሉ 10 ወርሒ መሊኡ ኣሎ፡፡

ሓላፊት ሚንትር ሰላም ወ/ሮ ሙፋሪሃት ካሚል ግን ረድኤት ኣይቀረበን ዝብል ልክዕ ኣይኮነን ፤ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ መንግስቲ ፌዴራል ምስ መንግስታት ኦሮምያን ደቡብን እናሰርሐ እዩ እየን ዝብላ፡፡

 

ብካልእ ዜና

 ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብዚ እዋን ተመዛቢሎም ንዝተፈላለዩ ሓደጋታት ዝተቓልዑ ህዝቢ ጌድኦ 5 ሚልዮን ብር ሓገዝን ኣብቲ ከባቢ ከይዶም ህፁፅ ሞያዊ ሓገዝ ዝገብሩ 15 ዶካትርን 10 ነርስታትን ብሓፈሻ 25 ሰብ ሞያ ጥዕና ዝሓዘ ጉጅለ ብምልኣኽ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ጌድኦ ጠጠው ከም ዝብል ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ወ/ሮ ሊያ ካሳ ሎሚ ምሸት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ ፤ መንግስቲ ትግራይ ዋላኳ ብዘጋጠምዎ ህፁፅ ሓገዝ ዝደልዩ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ዝተመዛበሉ ወገናትን ግዜ ዘይህብ ፃዊዒት ሓገዝ ክልላዊ ልምዓትን ኣብ ዝተፃበበ ኩነታት እንተሃለወ ከም መንግስትን ህዝብን ትግራይ ዘለዎም መትከልን ዝሓዝዎ ህዝባዊ ውግንናን ኣብ ጎኒ እቶም ዝተጎድኡ ወገናት ምዃኖም ንምርኣይ ዝተገበረ ሓገዝ ምዃኑ ኣረዲአን፡፡

እዚ ህፁፅ ሓገዝ ኣካል እቲ ህዝቢ ትግራይ ንህዝቢ ጌድኦ ብዝተፈላለየ መንገዲ ንምሕጋዝ ይገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ምዃኑ ዝገለፃ ወ/ሮ ሊያ ካሳ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ብቐፃልነት ዓቕሚ እቲ ክልል ብዝፈቕዶ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ጌድኦ ጠጠው ከምዝብል ኣረጋጊፀን፡፡

( ፀጋይ ክንፈ)


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now