SKIP TO MAIN CONTENT

ኣብ ኮንግረስ ኣመሪካ ሚዛን ዘሐሉን መጻኢ ፕረሲደንትነት ዶናልድ ትራምፕ ዝእምትን: ናይ ማእከላይ እዋን ምርጫ ይግበር ኣሎ።

ቀንዲ ነቑጣታት መምረጺ ብንግሆኡ ተኸፊቱ ኣሎ። ኣብዚ ምርጫ ን435 መናብር ተወከልቲ ህዝቢ፡ ን35 ናይ ኣመሪካ መናብር ሴነት፡ ከምኡውን ን 36 ኣመሓደርቲን ዝኾኑ ምርጫ ክካየደሎም እዩ። ኣብቲ ምርጫ ናይ ወጻኢ ምትእትታው ከይህሉ ንምሕላው፡ Facebook ናይ 115 ጥርጡራት ኣካውንት ዓጽዩ። ራሻ ብስማ ዝግበር ክሲ ምትእትታው “ባዶ መግለጺ” እዩ ትብል። ዜጋታት ኣመሪካ ድሕሪ ክሰምዕዎ ዝቐነዩ ኣብ ዓሌታ፡ ስደተኛታትን ካልኦት ባህላዊ ጉዳያትን ዘጠቓለለ ሓያል ጎስጓስ ካብ ሰሉስ ንግሆ ኣትሒዞም ድምጾም ይህቡ ኣለዉ።

Feature
Residents vote early at the Douglas County Election Commission office in Omaha, Neb., Friday, Nov. 2, 2018. (AP Photo/Nati Harnik) Source: AP

1 min read

Published

By Beyene Semere

Source: ABC Australia


Skip to article content

ሚስተር ትራምፕ ኣብ 2016 ናብ ስልጣን ካብ ዝድይብ ንደሓር ንፈለማ እዋን ናይ ህዝቢ ምርጫ ኣብ ኣመሪካ ይግበር ኣሎ። እዚ ምርጫ፡ ከም ረፈረንደም ኣብ ልዕሊ እዚ ሪፑብሊካዊ ፕረሲደንትን ፖሊሲኡን ከምኡውን ደሞክራቲያዊያን ነቲ ኣንጻር ትራምፕ ዝተለዓዓለ ማዕበል ተቓዉሞ ናብ ረብሓኦም ከውዕልሉ ዘኽእል ዕድል ዝፈጥር ምዃኑ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ሚስተር ትራምፕ ብሰኑይ ኣብ ፎርት ዋይነ፡ ኢንዲያና ንደገፍቱ ከምዚ ክብል ገሊጹ ነይሩ፡

"ሕሉፋት ዲሞክራሲያዊያን ስልጣን እንተሒዞም፡ ኣዕናዊ ኵዑሶ ናብ ቁጠባናን መጻኢናን ክድርብዩ እዮም።”

ሚስተር ትራምፕ ብተወሳኺ "ናይ ዲሞክራቲያዊያን ኣጀንዳ ሶሺያሊስታዊ ስርዓት እዩ” ኢሉ።

ኣብዚ ምርጫ ን 435 መናብር ተወከልቲ ህዝቢ፡ ን35 ናይ ኣመሪካ መናብር ሴነት፡ ከምኡውን ን 36 ኣመሓደርቲን ዝኾኑ ምርጫ ክካየደሎም እዩ።

ኣብቲ ምርጫ ናይ ወጻኢ ምትእትታው ከይህሉ ንምሕላው፡ Facebook ናይ 115 ጥርጡራት ኣካውንት ዓጽዩ ኣሎ።

ራሻ ብስማ ዝግበር ክሲ ምትእትታው “ባዶ መግለጺ” እዩ ትብል። ወሃቢ ቃል ናይ ፕረሲደንት ቪላድሚር ፑቲን ኣብዚ ናይ ማእከላዊ እዋን ምትእትታው እንተልዩ ተሓቲቱ መልሲ ክህብ ኣይደለየን።

"ኣብዚ ዘይጭቡጥ ትንተና ናይ ሳይበር ጸጥታ፡ መልሲ ክንህብ ኣየድልየናን እዩ ምኽንያቱ መን ምዃኖም ኣይንፈልጦምን ኢና።” ብምባል  ድሚትሪ ፐስኮቭ ንጋዜጠኛታት ገሊጹ።

ናይ ራሻ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሰርቬ ላቭሮቭ ብወገኑ፡ እዚ ራሻ ኣብዚ ምርጫ ኢዳ ተእቱያ ዝበሃል ዘረባ “ባዶ መግለጺ እዩ።” ክብል መልሲ ሂብሉ ኣሎ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now