SKIP TO MAIN CONTENT

ኣብ ሊብያ ክሳቐዩ ዝጸንሑ ስደተኛታት ብወተሃደራዊት ነፋሪት ናብ ጥልያን ተወሲዶም::

Refugee in Libya
Refugee in Libya Source: AAP

1 min read

Published

By Beyene Semere


Skip to article content

ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ሶማሊያን ዝመበቆሎም ኣብ ኣዚዩ ዘስካሕክሕ ጸገም ወዲቖም ዝጸንሑ 162 ስደተኛታት ትማሊ ካብቲ ኣብ ሊብያ ተዓጽዮም ክሳቐይሉ ዝጸንሑ መዳጎኒ፡ ብወተሃደራዊት ጀት ናብ ጥልያን ተወሲዶም። እቶም ናብቲ ኣብ ጥልያን ዝርከብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ፖመትሲያ ብወተሃደራዊት ጀት ዝተወስዱ ስደተኛታት፡ ስንኩላን፡ ሰቡኡተን ዝጠፍኡወን ኣንስቲ፥ በይኖም ተዓጽዮም ዝጸንሑ ሕጻናትን ይርከብዎም። ናይ ጥልያን ሚኒስተር ዉሽጢ ሃገር ማርኮ ሚኒቲ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘስምዖ ዘረባ “ካብ ሊቢያ ናብ ጥሊያን ንፈለማ ሓዲሽ መተሓላለፊ ኮሪዶር ተኸፊቱ” ኢሉ። ናይ ዉዱብ ሕቡራት ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ስደተኛታት ከምዝገልጾ፡ ኣብ ሊብያ 18 ሺሕ ስደተኛታት ተዳጉኖም ኣብ ከቢድ ስቓይ ይርከቡ ኣለዉ። ካብዚኣቶም ነቶም 10 ሺሕ ስደተኛታት ኣብዚ ዝመጽእ ሳምንታት ብክልተ እብረ ክውሰዱ እዮም።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now