ኣብዚ ቅሩብ መዓልታት 1300 ዜጋታት ካብ ሱዕዲ ዓረብ ከምተሰጉዋ ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ ክብል ኣሾሸት ፕረስ ገሊጹ። እዚ ዝመጽእ ዘሎ ሱዕዲ ዓረብ እቶም ሕጋዊ ወረቐት ዘይብሎም ክሰጎም’የ ዝብል መጠንቀቕታ ምስሃበት ድሕሪ ቅሩብ መዓልታት’ዩ።
ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ዳይረክተር ጀነራል ጉዳይት ዲያስፖራ ደመቀ ኣጥናፉ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖረሽን፡ "መንግስቲ ምስ ሱዕዲ ዓረብ ኮይኑ ዜጋታትና ብደሓን ዝምለስሉ ኩነታት ይፈጥር’ዩ ዘሎ” ብምባል ገሊጹ ኣሎ።
ሱዕዲ ዓረብ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኩሎም ሕጋዊ ወረቐት ዘይብሎም ስደተኛታት ካብ ሃገራ ከምተባርር ካብ ዝገለጸትሉ እዋን ኣትሒዞም 70,000 ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ከምተመልሱ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ገሊጾም ኣለዉ። ኣብቲ ዝተባህለ ግዜ ዘይወጹ ብሓይሊ ከምዘውጽኦም መንግስት ሱዕዲ ዓረብ ገሊጹ እኳ እንተነበረ በማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ሕጂውን ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኣለዉ።
ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ልዕሊ 400,000 ኢትዮጵያዊያን ዝበዝሑ ኣብ ስራሕ ናይ ገዛን ሕርሻን ተዋፊሮም ከምዝነብሩ እዩ ዝግለጽ። ዝበዝሑ ኢትዮጵያዊያን ናብ ሱዕዲ ዓረብ ዝተሰዱ ብየመን ኣቢሎም ኣትዮም ንስድራኦም ገንዘብ እናሰደዱ ዝናብዩ እዮም። ጸብጻባት ከምዘመልክትዎ ኣብ መላእ ዓለም ብስደት ካብ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ኣብ 2015 ልዕሊ 4ቢሊዮን ዶላር ኣመሪካ ናብ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ስድራቤታት እቶም ስደተኛታት ተላኢኹ።
ከምቲ ኣብ ካልእ ሃገር ዝግበር ኢትዮጵያዊያን ይኹኑ ካልኦት ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ዝነብሩ ስደተኛታት ናይ ዑቕባ ሕቶ ሓቲቶም ክነብሩ ምኸኣሉ፥ “እቲ ጸገም ናይ ሱዕዲ ዓረብ ግና ሕጊ ናይ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን የለን፡” ብምባል ንሰብኣዊ መሰላት ዝጣበቑ ጉጅለታት ይገልጹ።

