ኣብዚ ቅሩብ እዋን ካብ ማእሰርቱ ዝተፈትሐ ኡጋንዳዊ ተቓዋሚ ፖለቲከኛን ህቡብ ደራፋይን ዝበጽሖ ማእሰቲ ብዘየገድስ ኣብ ኡጋንዳ ለውጢ ክሳብ ዝመጽ እ ከይደቀሰ ከምዝቃለስ ቃል ኣትዩ።
Bobi Wine ካብ ማእሰርቱ ድሕሪ ምፍታሑ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኡጋንዳ ገደብ ፕረሲደንታዊ ዕድመ ክለግስ ምውሳኑ ብትሪ ተቓዊምዎ ክብል ኣልጅዚራ ጸብጺቡ ኣሎ።
ኣብ ኡጋንዳ ዝጸንሐ ሕጊ፡ ልዕሊ 75 ዓመት ዝ ዕድሚኡ ዝኾነ ይኹን ሰብ ፕረሲደንት ክኸውን ዝኽልክል ኮይኑ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነዚ ከምዝእለ እዩ ወሲኑ።
“እዚ ዉሳነ ኣብ ፖለቲካ ኡጋንዳ ንድሕሪት ዝጎትት እዩ ካብል” ዋይን ን Al Jazeera ገሊጹ "እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ሓደ ፕረሲደንት ክሳብ ዝመውት ንመዋእል ዕድሚኡ ክጸንሕ ምፍቃዱ፡ ኣብዚ ሃገር ዉልቀ-ምልክነት ክሳብ ክንደይ ሱር ሰዲዱ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
እቲ ዉሩይ ናብ ፖለቲከኛ ዝተቐየረ ደራፋይ እቲ ካብ 1986 ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ተኾይጡ ዘሎ ወዲ 74 ዓመት ፕረሲደንት ዮወሪ ሙሴቨኒ ክሳብ ካብ ስልጣኑ ዝዕሎ ከምዝቃለስ ቃል ኣትዩ ኣሎ። እቲ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፖለቲካዊ ሰልፊ፡ ኣብቲ ኣብ 2021 ዝግበር ምርጫ ሙሴቨኒ ተወዳዲሩ ክስዕር እዩ መዲቡ ዘሎ።
ዋይን ብክሲ ዘይሕጋዊ ምውዳብ ሰልፊ ተቓዉሞ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንስለስተ መዓልቲ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ ብሓሙስ ተፈቲሑ። ንሱ ኣብ ዘቕርቦም ደርፊታት ንሙሴቨኒ ዝቃወም መልእኽቲ ስለዘለዎም ሰዓብቱ እናዓበየ ከይዱ ብመንግስቲ ድማ ቀጻሊ ዕንቅፋት ይወርዶ ኣሎ።

