እቲ ወድ 99 ዓመት ናይ ብሪጣንያ ሓርበኛ ኲናት ብዝገበሮ ናይ እግሪ ጉዕዞ ዘዋህለሎ 20 ሚልዮን ፓውንድ ($A39 ሚልዮን) ን ኣገልግሎት ጥዕና ምስወፈዮ ንግስቲ ኤልዛቤጥ "ምሉእ በዓል ዝና" ክትብል ሞጊሳቶ።
ናይ ውትህድርና ጥሮተኛ ቶም ሙር ኣብዚ ብሪጣንያ ብሕማም ኮሮናቫይረስ ትሳቐየሉ ዘላ እዋን 100 ዙርያ ብምዛር ገንዘብ ኣኪቡ ከም ምልክት ጽንዓት ብሪጣንያዊያን ይሕሰብ ኣሎ።
ሙር ምሕኲልቱ ድሕሪ ምስባሩ ብ መኽየዲ ዓረብያ ተጠቒሙ ኣብ 30 ሚያዚያ ሓደ ሚእቲ ዓመት ቅድሚ ምምላኡ 1000 ፓውንድ ክእክብዩ መዲቡ ነቲ ስራሕ ጀሚርዎ።

እንተኾነ ጽንዓቱን እወታዊ ኣረኣእያኡን ኣብ መላእ ብሪጣንያን መላእ ዓለምን ዝርከብ ህዝቢ ኣቓልቦ ስሒቡስ ኣብዚ ጸልማት ናይ ኮሮና ቫይረስ እዋን ተሳፋ ዝህብ መልእኽቲ ኮይኑ ኣሎ።
"ብዛዕባ ናይዚ ወዲ 99 ዓመት ሓርበኛ ኲናት ካልእ ዝመሰጠኒ ነገር ኣብዚ ዓለም ንነዊሕ እዋን ነቢሩ እዩ፡ ኩሉ ነገር ዝፈልጥዩ፡ በቲ ናቱ ዛንታን ተወፋይነትን ኩሉ ተበራቢሩ ኣሎ" ክብል ፕሪንስ ዊሊያምስ ገሊጹ።
ሙር ከምዝገለጾ እዚ ናይ ጸልማት እዋን ክሓልፍ እዩ፡ ሓደ መዓልቲ ድማ "ጸሓይ ዳግም ኣብ ልዕሌኹም ክትበርቕያ እቲ ደበናታት ድማ ክቕንጠጥ እዩ።"

በዚ ሙር ተፈሊጥዎ ዘሎ በቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝወሃብ ናይ ክብሪ "ኒይት- knighted) ብንግስቲ ኤልዛቤጥ ክወሃብ ብዙሓት ይጠልቡ ኣለዉ።
ብዛዕባዚ ብወግዒ ኣፍልጦ እነተዋህቦ እንታይ ከምዝብል ተሓቲቱ ሙር "ኣዚዩ ዘስሕቕዩ" ብምባል፡ ገዛእ ርእሱ ምስ ሰር ቶማስ ሙር ከተሓሕዝ ተራእይዎ።
"ሰር ቶማስ ሙር፡ ክትሰምዖ ደስ ዘብል እዩ," ብምባል ተዋዝዩ።.
ሙር ከምዝገልጾ እዚ ዝገበሮ ናይ እግሪ ጉዕዞ ምሕኩልቱ ኣብዝተሰብረሉን ካንሰር ሓሚሙ ኣብዝነበረሉ ብዝረኸቦ ክንክን ጥዕና ተመሲጡ ከምዝገበሮ ገሊጹ ኣሎ።
በቲ ዝተለገሰ ገንዘብ ዝተመሰጠ ሙር " ብዙሕ ገንዘብ እዩ፡ ሰባት ንሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ክሳብ ክንድዚ ምሃቦም ናይሰባት ሓልዮት ዘገርምዩ።" ኢሉ።

