ሕብረት አፍሪቃ ሒደት መዓልታት ሰራዊት’ታ ሃገር አብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ሞት ብዙሓት ዘኸተለ መስርሕ ምብታን ኣድመኛታት ድሕሪ ምፍጻሙ ንሱዳን ካብ’ቲ ሕብረት ክትውንዘፍ ወሲኑ። ናይ’ቲ ሕብረት ክፍሊ ሰላምን ጸጥታን ሓሙስ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ተሳትፎ ሱዳን ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ሕብረት ኣፍሪቃ ብቕጽበት ደው ኣቢልዎ። እቲ መግለጺ ‘እቲ እንኮ መንገዲ ሱዳን ካብ’ዚ ቅልውላው ክትወጻሉ ትኽእል ብቕልጡፍ እቲ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ናብ ብሲቪል ዝተመርሐ መሰጋገሪ አካል ምስ ዘረክብ ጥራይ’ዩ’ ክብል ኣጠንቂቑ። እዚ መግለጺ ዝመጽእ ዘሎ ድሕሪ’ቲ ዝሓለፈ ሶኑይ ዘጋጠመ ህልቂት ዘኸተለ ስጉምቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ህጹጽ ኣኼባ ድሕሪ ምክያዱ’ዩ።
ብመሰረት ማእከላይ ኮሚተ ሓካይም ሱዳን ኣብ’ቲ ፍጻመ ብውሑዱ 108 ሰባት ተቐቲሎም፡ ልዕሊ 500 ኸኣ ተጎዲኦም ኢሉ። ሓደ በዓል ስልጣን ሚኒስትሪ ጥዕና ግን ነቲ ቁጽሪ 61’ዩ ክብል ይገልጾ። እንተኾነ ግን ብዙሓት ሬሳታት ካብ ሩባ ኒል ይወጹ ብምህላዎም እቲ ቁጽሪ ኣዝዩ ከይልዕል ስግኣት ኣሕዲሩ’ሎ ክብሉ ዘይተረጋገጹ ምንጭታት ይሕብሩ’ለው። ከም ግብረመልሲ ነቶም ቅትለታት ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ማሃማት ሶኑይ ነቶም ፈጸምቲ ቅትለት ተሓተትቲ ንምግባር ቅልጡፍን ግሉጽነት ዘለዎን መርመራ ክካየድ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ ኔሩ። ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቐዲሙ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ስልጣን ንሲቪላዊ ምምሕዳር እንተዘየረኪቦም እታ ሃገር ክትውንዘፍ ምዃና ኣጠንቂቑ’ኳ እንተነበረ እቲ ቀዳማይ መጸዋዕታ ሸለል ስለዝተባህለ ደጊሙ ከናውሖ ተገዲዱ። ሕብረት ኣፍሪቃ ብብዙሓት ወገናት ንዝተፈላለየ ምኽንያታት ወቐሳታት ይመጾ’ሎ። ብዙሓት ነዚ ስጉምቲ ክወስድ ዶንግዩ ክብሉ ይወቕስዎ። ካልኦት እቲ እገዳ ኣድማዒ ክኸውን ዘለዎ ተኽእሎ ይጠራጠሩ። መንግስቲ ኤርትራ ብኣንጻሩ እቲ ሕብረት ንጸገም ሱዳን ዓለምለኻዊ መልክዕ ብምትሓዝ ንናይ ደገ ምትእትታውይ ምስምስ የምጽእ ኣሎ ክብል ከሲስዎ’ሎ።
እቲ ‘ህልቂት ዒድ’ ተባሂሉ ብገለ ወገናት ዝጽዋዕ ናይ ሶኑይ ፍጻመ ኣብ’ቲ ንመሰጋገሪ እዋን ናብ ደሞክራሲ ሱዳን መን ይምርሓዮ ኣብ ዝብል ንሰሙናት ዝጸንሐ ምስሕሓብ ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ወገናትን እቲ ሓያል ዝኾነ መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪን ዝጸንሐ ቃልሲ ነጥበ መቐይሮ ኮይኑ’ሎ። እቲ ወተሃደራዊ መሪሕነት ዘተ ክቕጽል ድሌት ከምዘለዎ ደጊሙ እንተገለጸ’ኳ እቶም ተቓወምቲ ግን ደጊም ኣብ ልዕሊኦም እምነት የብልናን ይብሉ። ውዱብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ዕግርግር ከይላባዕ ብምስጋእ እቶም ኣገደስቲ ዘይኮኑ ሰራሕተኛታቱ ካብ’ታ ሃገር ኣውጺእዎም ኣሎ። እቲ ዕግርግር እናገደደ እንተኸይዱ ናይ ዘተ ዕድል እናጸበበ ከይከይድ ስግኣት ኣሎ። ብመሰረት መደበር ዜናታት ኣልጀዚራን ሮይተርስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ጻዕርታት ሽምግልና ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ንምብጋስ ዓርቢ ናብ ኻርቱም ክኸይድ’ዩ ክብላ ንገለ ዲፕሎማሰኛታት ብምጥቃስ ሓቢረን።
እዚ ከም’ዚ’ሉ’ንከሎ ሰውራ ሶርያ ክጅመር እንከሎ ዝነበሩ ኩነታት ኣብ ሱዳን’ውን ይረኣዩ ስለዘለው ሱዳን መንገዲን ዕድልን ሶርያ ከየጋጥማ ስግኣት ሓዲሩ’ሎ። ሩስያ ሓሙስ ንወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ተግባራቱን ትድግፍ ዘላ ትመስል። ምክትል ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሚኻኤል ቦግዳኖቭ ነቶም ደገፍቲ ደሞክራሲ ተቓወቲ ‘ግብረሽበራውያን’ ከምኡ’ውን ‘ተንኮስቲ’ ክብል ገሊጽዎም። ንሱ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ስርዓት ክሰፍን እንተኾይኑ ኣንጻር’ቶም ህድኣት ዘይደልዩ ግብረሽበራውያንን ተንኮስትን ክትቃለስ ኣለካ ድሕሪ ምባል ንሕና ኣንጻር ዝኾነ ናይ ደገ ምትእትታውን ኣብ ልዕሊ ሱዳናውያን ዝንበር ዝኾነ ነገርን ኢና ክብል መርገጺኡ ኣነጺሩ። ብኻልእ ወገን ስዑዲ ዓረብያ፡ ግብጽን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን’ውን ደገፈን ነቲ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ዝሃባ ይመስላ። እቲ ንሰራዊት ሱዳን ኣብ መዓልቲ ዒድ መግለጺ ዝሃበ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳንጋሎ ጨካን ስም ዘለዎ ብፍላይ ኣብ ግዜ ኵናት ዳርፉር ብዝፈጸሞም ተግባራት ግኑን ኮይኑ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ብፍላይ ንጸጥታ ዝምልከት ገባርን ሓዳግን ኮይኑ’ሎ። ምስ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ቅርበት ከምዘለዎ ዝንገረሉ እዚ ጀነራል ኣብ ግዜ ኲናት የመን ወተሃደራት ሱዳን ከምዝለኣኹ ጌሩ’ዩ።

