Exclusive

ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ናይ ኣውስትራሊያ መንግስቲ ን ብጃልባ ዝኣተዉ ስደተኛታት ናብ ናይ ቀዋሚ ቪዛ ንዝረኸቡ ስድራኦም ንኸምጽኡ መንገዲ የጣጥሕ

እቲ ለውጢ ውጽኢት ናይ ቪዛ ምልክታ ዝጽበዩ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣባላት ስድራቤት ክጠቅም ትጽቢት ይግበር ።

Iሚኒስተር ኢሚግሬሽን ኣንድሪው ጊልስ ኣብ ናይ ሕቶ ግዜ ኣብቲ ኣብ ካንቤራ ኣብ ዝርከብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክዛረብ ከሎ ።

Immigration staff numbers are being doubled to 40 to help manage the additional family visa applications as a result of the policy change. Source: AAP

ሰልፊ ለበር ነቶም ናብ ኣውስትራሊያ ብጃልባ ንዝመጹ ስደተኛታት ቀዋሚ ቪዛ ብምርካብ ን ኣባላት ስድራኦም ናብ ኣውስትራሊያ ንምእታው መንገዲ ዝጸርግ ባብ ከፊቱ ኣሎ።
ኣብ ትሕቲ እቲ ናይ ቀደም ናይ ጥምረት መንግስቲ ፖሊሲ ኢሚግሬሽን ፡ ናይ ቀዋሚ ቪዛ ዝሓዙ ብጃልባ ዝኣተዉ ስደተኛታት ናይ ስድራ ምርኻብ ምልክታታት ኣብ ትሕቲ ናይ ሚንስትሪ መምርሒ 80 ዘሎ ናይ ቪዛ መስርሕ "ዝተሓተ ቀዳምነት" ተዋሂቡ እዩ ጸኒሑ።
ሚኒስተር ኢሚግሬሽን ኣንድሪው ጊልስ ሕጂ ነቲ ፖሊሲ ብወግዒ ብምቕያር ናብ ሚንስተራላዊ መምርሒታት 80ን 83ን ምትካእ ጀሚሮም ኣለዉ ።
እቲ ውሳነ ኣብ ብግዝያዊ ናይ ዑቕባ ቪዛ ንዘለዉ ሰባት ኣይምልከትን እዩ ።
እቲ መንግስቲ ነቲ ውሳነ ብምግምጋም ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣባላት ስድራ-ቤት ጠለባቶም ኣብ ግምት ከእትዉሉ ዝጽበዩ መገዲ ከፊቱ ።
ሚስተር ጊለስ ን SBS ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ "መንግስቲ ነዞም ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ካብ ስድራ ቤት ተፈልዮም ዝጸንሑ ሰባት ፡ ናይ ስድራ ቤት ናይ ምርኻብ መገዲ የመሓየሽ ኣሎ ፣ እዚ ኩነታት ንመብዛሕትኦም ካብዚኣቶም ናይ ኣእምሮ ጥዕና ጸገም የጋድድን ኣብ ህይወቶም ዓብዪን ነባርን ስግኣትን የስዕብን ኣሎ" ኢሉ ።



እቲ መንግስቲ ኣብ ዝተሓላለኸ ኩነታት ንዝነብሩ ውልቀሰባት ቪዛ ዘዳልዉ ሰራሕተኛታት ኢሚግሬሽን እውን ወሲኹ እዩ ። እዛ ሕጂ ዘላ ጕጅለ ሰራሕተኛ 20 ብ ዕጽፊ ክሳዕ 40 ዓብዩ ኣሎ።



ካብ ኣፍጋኒስታንን ኢራንን ዝመጹ ናይ ስድራቤት ቪዛ ኣመልከትቲ እቶም ዝዓበዩ ጉድኣት ዝበጽሖም ጉጅለታት ክኾኑ ትጽቢት ይግበር።



ጣሊባን ኣብ ልዕሊ ኣፍጋኒስታን ዘሕደሮ ዘሎ ቝጽጽር ፡ ሒደት ሰባት ብቐጥታ ናብ ኣውስትራልያ ክመጹ ከም ዝኽእሉ ዘረጋግጽ እኳ እንተ ኰነ ፡ ነቶም ኣብ ሳልሳይ ሃገር ዝጽበዩ እንደገና ከም ዝጣየሱ ክገብር ይኽእል እዩ ።
እቲ ሰልፊ ጥምረት ዘቐመጦ መምርሒታት ከም መከላኸሊ ጌሩ እዩ ኣቐሚጥዎ ፡ እዚ ድማ ነቶም ብጃልባ ናብ ኣውስትራሊያ ክበጽሑ ዝፍትኑ ሰባት ደው ከብሎም እዩ ።
እቲ ድሕሪ ናይ 2022 ምርጫ ኣብ ስልጣን ዝመጸ መንግስቲ ኣልባንስ ፡ እቶም ብ ጃልባ ዝመጹ ስደተኛታት ዝሰፍሐ ፖሊሲ ዝተቐየረ የለን ፡ "ድልዱል ናይ ዶብ ፖሊሲ ቅርጺ ኣይተቐየረን" ።
ብዛዕባቲ ተጌሩ ዘሎ ለውጢ ዝተኣወጀ መግለጺ "መንግስቲ ንቢሮክራሲያዊ ጾር ናይ ዑቕባ ሓተትቲ ብሰብኣዊ መገዲ ይፈትሖ ኣሎ" ይብል ።

ፖሊሲ ናይ ሰልፊ ለበር ንጃልባ ንድሕሪት ምምላስ ዘጠቓለለ ኮይኑ ፡ እቶም ናብ ኣውስትራሊያ ብጃልባ ተጻዒኖም ክበጽሑ ዝፍትኑ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ፡ ናብ ሃገሮም ኽሰዱ ወይ ድማ ናብ መዳጎኒ ስደተኛታት ክኣትዉ ይኽእሉ ዝብል እዩ።
መንግስቲ ኣልባነስ ፡ እንተ ተመሪጹ ፡ ንግዝያዊ ዕቝባ ዝምልከት ከቋርጽ ክገብሮ ከምዝኾነ እውን ተመባጺዑ ነይሩ እዩ ።
ግሪንስ ምስ ሓያሎ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ብዛዕባ እቲ ሰልፊ ለበር ዝኣተዎ መብጽዓ ብዘይምትግባሩ ሻቕሎት ፈጢሮም ኣለዉ ፣ መንግስቲ ድማ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ስጕምቲ ከም ዝወሰደ የመልክት ኣሎ ።
ተንተንቲ ኢሚግሬሽን እዚ ለውጢ ን31,000 ግዝያዊ ናይ ቪዛ ዝሓዙን ስለ ዝጸልዎም ምስ ምውጻእ ባጀት ፈደራል ምስ ኡ ዘጋጥም ወጻኢታትን ከምዝፍጸም ትጽቢት ይገብሩ ።

Share

Published

By Anna Henderson
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ናይ ኣውስትራሊያ መንግስቲ ን ብጃልባ ዝኣተዉ ስደተኛታት ናብ ናይ ቀዋሚ ቪዛ ንዝረኸቡ ስድራኦም ንኸምጽኡ መንገዲ የጣጥሕ | SBS Tigrinya