ቀንዲ ነጥቢታት
- ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ብውሕዱ 1.2 ሚልዮን ዓበይቲ ኣብ መዕቆቢ ኣረጋውያን ይነብሩ።
- ኣብ 2015,26 ሚእታዊ ነበርቲ ናይ ብምልኦም መዕቆቢ ካብ ብዙሕ ቛንቋን ባህሊን ዝመጹ እዮም።
- ኣብ እዋን ኮቪድ-19 ስድራቤታት ናብ ዝፈትውዎም ነበርቲ ምብጻሕ ብምኽልካሉ ናይ ጭንቂ ስምዒት ኣሎ።
- ኣብዚ ቅሩብ ሳምንታትኣብ ቪክቶሪያ ዝርከቡ ልዕሊ ዓሰርተ ማእከላት ብኮሮና ቫይረስ ምስ ተጠቕዑ ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ መዕቆቢ ኣረጋዊያን ኣብ ተጠንቀቕ ይርከቡ ኣለዉ። ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ ሓደ ሲሶ ዕድሚኦም ልዕሊ 65 ዓመት ዝኾኑ ዓበይቲ ኣብ ወጻኢ ዝተወልዱ እዮም። 1.2 ሚልዮን ዝኾኑ ዓበይቲ ሰባት ነበርቲ መዕቆቢ ኣረጋዊያን እዮም።

ኣብዚ እዋን ዕጽዋ፡ ስድራቤታት ንዝፈትውዎም ወለዶም ከይበጽሕዎም ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ዕንቅፋት ኮይንዎም ኣሎ።
ብኪኢላታት ጥዕና ምስተፈቕደ፡ ኣብ መዕቆቢ ኣረጋዊያን ቦታ ንምርካብ ብገምጋም 5 ኣዋርሕ ይወስድ።
ወለዳ ተወሳኺ ክንክን ኣብዘድልዮም እዋን እቲ ስይስተም ከመይ ከምዝሰርሕ ከምዝጨንቃ ናይ ቀደም ሰራሕተኛ ክንክን ኣረጋዊያን ዝነበረት ሚሸል ትገልጽ።
ካብቶም ኣብ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ 3,000 መዕቆቢ ኣረጋዊያን ናይ ወጻኢ ቋንቋ ዘለዎም ንምርካብ ኣዚያ ትሽገር።
እቲ ዝሞተ ኣቦ ኣ ኣብ መዕቆቢ ኣረጋዊያን ክ ኣቱ ንልዕሊ 3 ዓመታት ወሲዱላ ን ሚሸል።
ኣዲ ኣ ግና ኣቐዲማ ብምሕታታ ነቲ ዕድል ምርካባ ተመስግን።
ኣደይ ካብ ዳች እያ፡ እቲ ናብ ገዛኣ እናመጸ ዝከናኸና ድማ ካብ ዳች እዩ፡

ንወለዲ ናይ ነዊሕ እዋን ክንክን እንተተደልዩ፡ እቲ ወለድኹም ክዕቆብሉ ትደልይዎ ማእከል ናይ ሕክምና፡ ማሕበራዊን ባህላዊን ረቛሒታት ኣብ ግምት ክ ኣትዉ ከምዘለዎ ፕሮፌሶር ማይራ ትገልጽ
ድሕነት ከም ቀዳማይ ረቛሒ ተወሲዱ፡ እዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ክምለሱ ከምዘለዎ ትመክር፥
- ኣብዚ ቅሩብ እዋን ኣብቲ ማእከል ለበዳ ተኸሲቱ እንተኔሩ፡ ብኸመይ ተመኪቱ?
- ዶክተራት ይሳተፉዶ?
- እቲ ምምሕዳር እንታይ ግብረ መልሲ ወሲዱ?
- ለበዳ እንተተኸሲቱ ገዛእ ርእስኻ ተግልለሉ ፍሉይ ክፍሊ ኣለዎዶ?
- ካልኦት ነበርቲ ናይ ድሕነት ስምዒት ኣለዎምዶ?
- ብዛዕባ ምቁጽጻር መልከፍቲ ንኻልኦት ኣባላት ስድራ እንታይ ዓይነት ሓበሬታ ተዋሂቡ ኔሩ?

ፕሮፌሶር ማይራ ከምትመኽሮ ኣብ ንቡር ኩነታት እቲ ማእከል ጽሩይ ምዃኑን ንወለድኹም ግቡእ መንበሪ ምዃኑን ንምርግጋጽ ናብቲ ቦታ ደጋጊምካ ብምካድ ምርግጋጽ ይግባእ።
ኣብዚ እዋን ጽኑዕ ክልከላ ብዙሃት ማእከላት ብርሑቕ ብ ኢንተርኔት ክዕዘብዎ ይገብሩ ኣለዉ።
ባዕልኻ ኣብተረጋግጸሉ እዋን ገለ ገለ ምልክታት ምዕዛብ ከምዘድሊ ፕሮፌሰር ማይራ ትገልጽ
- ብርሑቕ ብ ኢንተርኔት ንኹሉ እቲ ቦታ ምርኣይ ይከኣል ድዩ?
- እቶም ኣብቲ ቦታ ዘለዉ ምምሕዳርን ነርሳትን ነቲ ተቕርቦ ሕቶታት ብኸመይ ይምልስዎ?
- ትዕግስቶም ንምምዛን ሰራሕተኛታት ስራሕ ኣብዝበዝሓሉ እዋን ከመይ ይሰርሑ ምዕዛብ
ብደፓርትመንት ጥዕና ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ኣብ 2015,26 ሚእታዊ ነበርቲ ናይ ብምልኦም መዕቆቢ ካብ ብዙሕ ቛንቋን ባህሊን ዝመጹ እዮም።

ብዛዕባ ኣማራጺታት ዝተፈላለዩ መዕቆቢ ኣረጋዊያን ናብ My Aged Care ብቑጽሪ 1800 200 422 ደዉሉ ወይ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ብጽሑ።
ናይ ነጻን ምስጢራዊ ናይ ሕጊ ምኽሪ ንምርካብ ናብ Seniors Rights Service ብ ቑጽሪ 1800 424 079 ደውሉ።
ናይ ቋንቋ ሓገዝ እንተደሊኹም ናብ ኣገልግሎት ትርጉም ብ ቑጽሪ 131 450 ደውሉ።

