ኣብ ፈቐዶ መዓስከራት ስደተኛታት ዝርከቡ ሚሊዮናት ስደተኛታት ብኮሮና ቫይረስ ከይጥቅዑ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ኣጠንቂቖም።

መዓስከራት ስደተኛታት ንኮቪድ-19 ንምቅላስ ዘኽእል ዓቕሚ ኣይዓጠቓን ክብል ወኪል ናይ ኦስትርያ ዘይመንግስታዊ ትካል ረዲኤትን ኪኢላ ጥዕናን ን SBS News ሓቢርዎ።

Moria camp

Syrian families in the overcrowded Moria camp in Greece. Source: AFP/Getty Images

ብኦስትሪያዊያን ብዛዕባ ከመይ ን ኮቪድ-19 ትምክቶ ዝወሃብ ዘሎ ሓበሬታ ኢድኩም ብማይዉዕይን ሳሙናን ብቐጻሊ ተሓጸቡ፡ ካብ ካልኦት ተረሓሓቑ፡ ብብዝሒ ኣይትተኣከቡ፡ ምልክታት እንተተሰሚዕኩም ናብ ሕክምና ቅረቡ ዝብል እዩ።

እንተኾነ እቶም ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ቱርኪ፡ ሶርያ፡ ግሪክ፡ ሊባኖስ፡ ዮርዳኖስ ዝርከቡ ነዚ ምኽሪ ክትግብሩ ኣጸጋሚ እዩ።

ኣብ ካምፕ ሞርያ ን 3,000 ስደተኛታት  ክሕዝ ዝተሰርሐ ኣብ ምይቲለነ ግሪክ ኣብዚ እዋን , 19,400 ህዝቢ ተጨቓጭቖም ይነብርሉ ኣለዉ። ኣብኡ ሓንቲ ቡንባ ማይ  ንነፍሲ ወከፍ 1,300 ህዝቢ ብዘይሳምና እዩ ዝበጽሖም። እቲ ዝበሃል ዘሎ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ከም ብቐጻሊ ምሕጻብን ምርሕሓቕን ዘይሕሰብ ጉዳይ እዩ።

Médecins Sans Frontières International ከምዝገልጾ  ኣብቶም ድሮ ሰኣን ግቡእ ሕክምና ብናይ ምትንፋስ ጸገምን ሕጽረት መግቢን ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣብ ብዙሕ መደበር ስደተኛታት እቲ ቫይረስ ናይ ምስፍሕፋሕ ተኽእሎን ከውርዶ ዝኽእል ሓደጋን እዚ ኢልካ ክግመት ዘይከኣልን እዩ።

"ወድዓዊያን ክንከውን” ክብል ን SBS News ዝገለጸ ወኪል ናይቲ ገባሪ ዘናይ “ኣብ ከምዚ ዝበለ ካምፕታት ለበዳ ቫይረስ ንምቁጽጻር ኣይከኣልን እዩ።”
Camp residents
Camp residents wear surgical masks to protect themselves from coronavirus in the Moria camp. Source: Getty Images
ፖል ረይኖልድ Save The Children ኣውስትራሊያ ሓላፊ እዩ፡ ንብዙሓት ካምፕ ኣብዝቅሩብ እዋን ድማ ኣብ ጆርዳን ዘሎ ካምፕ በጺሑ ኔሩ፡

“ከምዝመስለኒ ሃብታማት ሃገራት ብዛዕባ እቶም ኣብተኣፋፊ ኩነታት ዝርከቡ ህዝቢታት ኮሮና ቫይረስ ክሳብ ክንደይ ጸገም ከምዘውርደሎም ግዲ ብዘይምግባር ኣብ ድንቁርና እየን ዘለዋ።” ኢሉ።

“እዚ ኮሮናቫይረስ ኣብ ከም ኣብ በዓል ዶባት ሶርያ እንተ ኣትዩ ዘውርዶ ህልቂት ኣዚዩ እዩ ዘሕስበኒ።"
“ኣብቲ ድሮ ዘለዎም ዓጸቦን ሕጽረት ጥዕናን ናይዚ ቫይረስ ጽልዋ ንኽጻወሩ ብፍጹም ስለዘይክእሉ ጽልዋኡ ቀሊል ኣይኮነን።"

“እዚ ኣዚዩ ኣገዳሲ ጉዳይ ብምዃኑ መንግስታት ኣውስትራሊያ፡ ኣውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ቀልጢፎም ስጉምቲ ክወስዱ ኣለዎም። እንተዘይኮይኑ ብኮሮና ቫይረስ ዝስዕብ ጉድኣት ዝጽወር ኣይክከውንን እዩ።
Moria camp
The Moria camp is extremely overcrowded. Source: Getty Images
ሞሓመድ ዛማን ብባዮ ኢንጂነሪንግን ኣህጉራዊ ጥዕናን ኣብ ቦስቶን ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሶር እዩ፡

እዚ ምሕጻብ ኢድና ምርሕሓቕን ኣዚዩ ብድሆ ኮይኑ ይብል  “እዞም ህዝቢዚኣቶም ብማሕበራዊን ቁጠባዊናብዝኸፍ አ ኩነታት ስለዘለዉ መግቢን መከላኸሊ ነገራትን ኣቐዲሞም ክኽዝኑ ኣይክእሉን እዮም።" ኢሉ።

“እቲ ዘሎ ናይ ጥዕና ኩነታት፡  ኣብቲ መዓስከራት ዘሎ ሕማቕ ናይ ጽርየት ኩነታት፡ ናብ ኣገልግሎታት ህጹጽ ኩነታት ዘይተበጻሕነት ኮሮና ቫይረስ ነዞም ኣብ መዓስከራት ዘለዉ  ህዝቢ ህልቂትዩ ክኸውን።"
ካብቲ ዝሓለፈ ተመኩሮ ናይ ኢቦላ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ሳርስ መርስን ኣብ ካልኦት ክፋላት ዓለምን ተጠቒምካ እቲ ዘድሊ ስጉምቲ እንተተወሲዱ ንኮሮናቫይረስ ኣብዚ መዓስከራት ስደተኛታት ክግታእ ይኽእልዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ናይ UNHCR ኣውስትራሊያ ዳይረክተር ናኦሚ ስቲር ትገልጽ።

“መሰረታዊያን ነገራት ከም ሳምና ማይ፥ መጸራረዪን ክንክንን እንተቐሪብና ነዚ ናይ ኮቪድ-19 ኩነታት ክንምክቶ ንኽእል ኢና።" ክትብል ገሊጻ።

 

በቲ ቫይረስ ዝተለኸፍኩም ኮይኑ እንተተሰሚዕኩም ንዶክተርኩም ደውሉሉ እምበር ናብኡ ኣይትኺዱ። ወይውን ናብ ሃገራዊ ኮሮናቫይረስ ሓበሬታ ጥዕና ሆትላይን ብቑጽሪ 1800 020 080 ደዉሉ።

ምትንፋስ ትጽገሙ እንተለኹም ወይውን ህጹጽ ሕክምናዊ ጸገም እንተጋጢምኩም  000 ደዉሉ።

 


Share

Published

By Essam Al-Ghalib

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ኣብ ፈቐዶ መዓስከራት ስደተኛታት ዝርከቡ ሚሊዮናት ስደተኛታት ብኮሮና ቫይረስ ከይጥቅዑ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ኣጠንቂቖም። | SBS Tigrinya