Watch FIFA World Cup 2026™

LIVE, FREE and EXCLUSIVE starting June 12 2026

ኣብ ትሪፖሊ ኣብ ልዕሊ ሓደ መዕቆቢ ስደተኛታትን ሰገርትን ዝተፈጸመ ናይ ኣየር ደብዳብ ብዙሓት ቀቲሉ፡

ኣብ ልዕሊ ሓደ ስደተኛታትን መጻእትን ዝዕቆብሉ ማእከል ደብዳብ ኣየር ኣጋጢሙ ብዙሓት ሰባት መይቶም ክትብል መደበር ዜና ኣልጀዚራ ኣቃሊሓ። ሮቡዕ ብውዱብ ሕቡራት ሃገራት ወግዓዊ ተፈላጥነት ዘለዎ አብ ትሪፖሊ/ጠራብሉስ ዝመደበሩ መንግስቲ ሊብያ እቶም ንጀነራል ኸሊፋ ሓፍታር እሙናት ዝኾኑ ሓይልታት’ዮም ፈጺሞሞ ክብል መግለጺ ኣውጺኡ።

Air strike in Tripoli
Source: Albawaba

ዝሓለፈ ሰሉስ ምሸት ዝተኻየደ እዚ ደብዳብ ብብዝሒ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታትን ፈለስትን ዝዕቆብሉ ኣብ ታጁራ ዝተባህለ ሓደ መንበሪ ከባቢ ከተማ ጠራብሉስዩ ክትብል ኣልጀዚራ ንወኪላት ዜና ሮይተርስን ኤኤፍፒን ብምጥቃስ ብደርዘናት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝሞቱ ሓቢራ። መደበር ዜና ሮይተርስ ንኣብ'ቲ ከባቢ ዝርከቡ ክኢላታት ጥዕና ብምጥቃስ ከምዝሓበሮ ኣብ'ቲ ደብዳብ ብውሑዱ 40 ሰባት ክሞሩ እንከለዉ 80 ካልኦት ከኣ ተጎዲኦም ኣለዉ። ኤኤፍፒ ብወገኑ ኣፈኛ ወሃብቲ ኣገልግሎት ቀዳማይ ረዲኤት ኦሳማ ዓሊ ከባቢ 40 ሰባት ከምዝሞቱን እዚ ኣፈናዊ ግምት እምበር እቲ ቁጽሪ ክውስኽ ከምዝኽእልን ገሊጹ ኢሉ። ኦሳማ ብተወሳኺ ከባቢ 120 ስደተኛታትን ፈለስትን ኣብ'ቲ ደብዳብ ዘጋጠሞ ሃንጋር ተዓቚቦም ኔሮም ክብል ሓቢሩ። ኣምቡላንሳት ናብ'ቲ ቦታ ክበጽሓ እናተጎያየያ ደም ዝተጠላቐዩ ኣካላት ሰብ ኣብ ከባቢ'ቲ ሃንጋር ኣብ ታጁራ ተበቲኖም ይረኣዩ። 

ሓለፍቲ ማእከል ነቲ ደብዳብ ዝፈጸምዎ ሓይልታት'ቲ ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣንጻር'ቲ ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ተፈላጥነት ዝረኸበ ኣብ ጠራብሉስ ዝመደበሩ መንግስቲ ክዋጋእ ዝጸንሐ ሓንጋዲ ሊብያዊ ጀነራል ኸሊፋ ሓፍታር'ዮም ይብሉ። ብሰበስልጣን ሊብያ ተወሲዶም ዝተዘርግሑ ስእልታት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታትን ፈለስትን ተጎዲኦም ሕክምና እናተገብረሎም የርእዩ። መደበር ዜና ኣልጀዚራ ግን ነቲ ቁጽሪታት ዝሞቱን ዝተጎድኡን ብኻልእ መንገዲ ከረጋግጾ ኣይከኣልኩን ኢሉ። 

ኣሽሓት ሰባት ኣብ'ቶም ብመንግስቲ ዝእለዩ መዕቆቢ ማእከላት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ትሕቲ ሰብኣዊ ዘይኮኑ ሕማቓት ኩነታት ተታሒዞም ይርከቡ። ምብራቕ ካብ ጠራብሉስ ትርከብ ታጁራ ብዙሓት ወተሃደራዊ መደበራት ናይ'ቶም ኣንጻር ሓፍታር ዝዋግኡ ዘለዉ ምስ ማእከላይ መንግስቲ ምሕዝነት ዘለዎም ሓይልታት'ያ። ዝሓለፈ ሶኑይ ልሙዳት ኣገባባት ኲናት ክሰርሑ ብዘይምኽኣሎም እቶም ኣብ ምብራቕ ሊብያ ዝመደበሮም ሓይልታት ሃገራዊት ሰራዊት ሊብያ (ሊብያን ናሽናል ኣርሚ - ኤልኤንኤ) ከቢድ መጥቃዕታት ኣየር ኣብ ልዕሊ ኣብ ጠራብሉስ ዝርከቡ ዒላማታት ከነካይድ ኢና ኢሎም። እዞም ዝበዝሐ ምብራቓውን ደቡባውን ክፋላት ሊብያ ዝቆጻጸሩ ብሓፍታር ዝምርሑ ሓይልታት ነቲ መዕቆቢ ማእከል ኣይሃረምናዮን፡ ንሕና ወተሃደራዊ ካምፖም ኣነጺርና ምስ ሃረምናሎም ባዕሎም እቶም ምስ መንግስቲ ጠራብሉስ ስምምዕ ዘለዎም ሚሊሻታት'ዮም ሃሪሞሞ ኢሎም። ኤንኤልኤ ንሰለስተ ኣዋርሕ ከካይድዎ ኣብ ዝጸንሑ ኲናት ንጠራብሉስ ክቆጻጸርዋ ኣይከኣሉን፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጋርያን ዝተባህለ ቦታ ኣብ ቅድሚት ዝርከብ ቀንዲ መደበሮም ብሓይልታት ጠራብሉስ ተመንጢሎም ክብል ጸብጻብ ኣልጀዚራ ኣነጺሩ።

ብውሑዱ 6000 ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያን፡ ሶማልያውያን፡ ሱዳናውያንን ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ስደተኛታትን ሰገርትን ኣብ’ቶም ብዓመጽ፡ ግህሰትን ካልእ ስቓያትን ዝኽሰሱ ሚሊሻታት ዘካይድዎም ብደርዘናት ዝቑጸሩ መዳጎኒ መዓስከራትን ማእከላትን ተዓጽዮም ይርከቡ። ንጹር መንነት ናይ’ቶም ዝሞቱን ዝቖሰሉን ግዳያት ክሳብ’ዚ ጸብጻብ ዝተዳለወሉ ግዜ ኣይተፈልጠን።


2 min read

Published

Updated



Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now