እተን ብ "ዛ ስኳድ" ተባሂለን ዝፍለጣ ጸለምቲ ወከልቲ ህዝቢ ሒዘናኦ ዝጸንሓ መናብር ዳግም ተዓዊተናሉ።

እተን “The Squad” ተባሂለን ዝጽወዓ ጸዓዱ ዘይኮና ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ኮንግረስ ዳግም ተመሪጸን።

The Squad - Rashida Tlaib (L), Ilhan Omar (C-L), Alexandria Ocasio-Cortez (C-R), and Ayanna Pressley (R)

The Squad - Rashida Tlaib (L), Ilhan Omar (C-L), Alexandria Ocasio-Cortez (C-R), and Ayanna Pressley (R) Source: EPA

"ዛ ስኳድ" ተመሊሰን።

ኢልሃም ዑመር፡ ራሺዳ ጠይብ፡ ኣለክሳንድርያ ኦካሲዮ ኮርተዝን ኣያና ፕረስሊ ኣብ ናይ ኣመሪካ ተወከልቲ ህዝቢ ዝጸንሐን መናብር ዳግም መሊሰናኦ።

እታ ብ 'ዘ ስኳድ' ተባሂላ ትጽዋዕ ጉጅለ ናይ ሚኒሶታ፡ ሚቺጋን፡ ኒው ዮርክን ማሳቹስተስን ደሞክራት ወኪለን እየን ተዓዊተን ዘለዋ።

ጸጋማዊ ፖለቲካ ዝውክላ እየን ዝበሃላ ኮይነን፡ ካብ ብዙሕነት ዘለዎ ድሕረ ባይታ ዝመጻን ብነኣሽቱ ኣድመጽቲ ዝድገፋ ተባሂለን እየን ዝግለጻ።

ሚስ ኦካስዮ ኮርተዝ፡ ኣንጻራ ዝተገብረ ጎስጓስ ሚልዮናት ዶላራት እንተጠፍ አኳ ክትዕወት ከምዝኸኣለት ገሊጻ።

ሚስ ፕረስሊ ብወገና እቲ ናታ ዓወት ንሰብ ኣውነት ዝግበር ቃልሲ እዩ ኢላ።

እታ ጉጅለ ህቡብናት ዘጥረየት ኣብ 2019 ዶናልድ ትራምፕ ከምዚ ዝብል መልእኽቲ ብትዊተር ድሕሪ ምጽሓፉ እዩ።  " ናብቲ ምሉእ ብምሉእ ዝዓነወ ብገበን ዘጥለቕለቐ ዝመጻኽናሉ ዓዲ ከይድኪን ኣዐርያ"። 

እቲ ፕረሲደንት ነዚ ክጽሕፍ ዘበገሶ፡ እቲ ትካላት ብጸለምቲ ሰባት መሊኤናኡ ዘለዋ ወጻእተኛታት ምዃነን  መልእኽቲ ከሕልፍ ብምድላይ እዩ። T

ኢልሃም ዑመር ኣመሪካዊት ዜግነት ዝረኸበት መንእሰይ እናሃለወት እያ።


1 min read

Published

By Rashida Yosufzai




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now