"ዛ ስኳድ" ተመሊሰን።
ኢልሃም ዑመር፡ ራሺዳ ጠይብ፡ ኣለክሳንድርያ ኦካሲዮ ኮርተዝን ኣያና ፕረስሊ ኣብ ናይ ኣመሪካ ተወከልቲ ህዝቢ ዝጸንሐን መናብር ዳግም መሊሰናኦ።
እታ ብ 'ዘ ስኳድ' ተባሂላ ትጽዋዕ ጉጅለ ናይ ሚኒሶታ፡ ሚቺጋን፡ ኒው ዮርክን ማሳቹስተስን ደሞክራት ወኪለን እየን ተዓዊተን ዘለዋ።
ጸጋማዊ ፖለቲካ ዝውክላ እየን ዝበሃላ ኮይነን፡ ካብ ብዙሕነት ዘለዎ ድሕረ ባይታ ዝመጻን ብነኣሽቱ ኣድመጽቲ ዝድገፋ ተባሂለን እየን ዝግለጻ።
ሚስ ኦካስዮ ኮርተዝ፡ ኣንጻራ ዝተገብረ ጎስጓስ ሚልዮናት ዶላራት እንተጠፍ አኳ ክትዕወት ከምዝኸኣለት ገሊጻ።
ሚስ ፕረስሊ ብወገና እቲ ናታ ዓወት ንሰብ ኣውነት ዝግበር ቃልሲ እዩ ኢላ።
እታ ጉጅለ ህቡብናት ዘጥረየት ኣብ 2019 ዶናልድ ትራምፕ ከምዚ ዝብል መልእኽቲ ብትዊተር ድሕሪ ምጽሓፉ እዩ። " ናብቲ ምሉእ ብምሉእ ዝዓነወ ብገበን ዘጥለቕለቐ ዝመጻኽናሉ ዓዲ ከይድኪን ኣዐርያ"።
እቲ ፕረሲደንት ነዚ ክጽሕፍ ዘበገሶ፡ እቲ ትካላት ብጸለምቲ ሰባት መሊኤናኡ ዘለዋ ወጻእተኛታት ምዃነን መልእኽቲ ከሕልፍ ብምድላይ እዩ። T
ኢልሃም ዑመር ኣመሪካዊት ዜግነት ዝረኸበት መንእሰይ እናሃለወት እያ።