"መንግስቲ፥ ዝርግሐ ኮሮና ቫይራስ ኣብ መላእ ሃገር ብዘተኣማምን መንገዲ ንምፍላጥ፡ ብገምራውን ወካልን ቅምሶ ስፊሕ መርመራታት ክካየድ” ከምዝወሰነ እቲ ሓይሊ ዕማም ናይ ኤርትራ ኣፍሊጡ ኣሎ።
እቲ ቀዳማይ መድርኽ መርመራታት፡ ኣብ ኣስመራ ካብ ሰንበት 17 ግንቦት ጀሚሩ ክካየድ እዩ ዝበለ እቲ መግለጺ፥ ቀጺሉ ኣብ ዶባት ኣብ ዝርከባ ከተማታትን ዓድታትን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ቅደመ-ግንባር መኸተ ኮሮና ቫይራስ ንእተሰለፉ ሰራሕተኛታት ጥዕናን ካልኦት ዜጋታትን ከምግበር ኣፍሊጡ ኣሎ።
እዚ ከምዝሉ እንከሎ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓንቲ ካብ’ቶም ብሕማም ኮሮና ቫይረስ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ዝነበሩ ዘድሊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ ሕሙማት ኮሮና ቫይረስ፡ ኣብ ሃገራዊ ላቦራቶሪ ጥዕና ብዝተገብረላ መርመራ ካብ’ቲ ሕማም ነጻ ኰይና ስለዝተረኽበት፡ብ 15 ግንቦት ናብ ቤታ ከምዝተፋነወት ገሊጹ።
“በዚ ድማ፡ ምስ’ቶም ኣቐዲሞም ብተመሳሳሊ ኣገባብ ዝተፋነዉ 38፡ ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ብኮሮና ቫይረስ ተለኺፎም ኣብ ትሕቲ ናብዮት ሕክምና ዝጸንሑ 39 ዜጋታት፡ ብምልኦም ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ” ኢሉ።
“ከም’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን እተጠቕሰ፡ እዚ ውጽኢት’ዚ ዘተባብዕ’ኳ እንተዀነ፡ ከዛንየና ግን ኣይግባእን።” ዝበለ እቲ መግለጺ “ሕጂ’ውን፡ ዝርግሐ ናይ’ቲ ለበዳ ኣብ መላእ ሃገር ብምልኣት ንምፍላጥ ዝካየዱ መርመራታት ክሳብ ዝዛዘሙ፡ ብመንግስቲ ዝወጹ መምርሒታት ብምልኣት ክትግበሩ ወሳንን ኣገዳስን’ዩ።” ክብል ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣብ መግለጺኡ ኣፍሊጡ ኣሎ።

