ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ዝሳተፉ ዘለዉ ኵሎም ወገናት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ገበን ከም ዝፈጸሙ ጸብጻብ ው.ሕ.ሃ. ገሊጹ።

ገለ ካብቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ገበናት ፡ "ምስ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ክተሓሓዝ ይኽእል እዩ" ክብል ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ።

A fighter loyal to the Tigray People's Liberation Front (TPLF) mans a guard post on the outskirts of the town of Hawzen in the Tigray region of northern Ethiopia.

The findings of the only human rights investigation allowed in Ethiopia's blockaded Tigray region have been released. Source: AP

ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ሰሜናዊ ክልል ትግራይ ኣብ ኲናት ዝዋግኡ ዘለው ኩሎም ወገናት ፡ ብመሰረት እቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኢትዮጵያን ነዊሕ ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ሓባራዊ መርመራ ፡ ክሳብ ናይ ኲናት ገበናት ዝበጽሕ ጥሕሰት ፈጺሞም ክብል ገሊጹ ።

እቲ ብናይ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት (UNHCR) ን ብመንግስቲ ዝተመዘዘ ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ዝቐረበ ጸብጻብ ብረቡዕ ዝተገልጸ ኢትዮጵያ ናይ ህጹጽ እዋን ድንጋገ ድሕሪ ምእዋጃ ኣብ መዓልቲ እዩ ።

ሓይልታት ትግራይ መንግስቲ ናይታ ኣብ ኣፍሪቃ ካልኣይቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ብምስዓር ናብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክኣትዉ ከምዝኽእሉ ብሰኑይ ገሊጾም ኣለዉ።

እቲ ጸብጻብ ኣብቲ ንዓመት ዝቐጸለ ኲናት ፡ ሓይልታት ትግራይ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያን ቀንዲ መሻርኽቱን ፡ ማለት ካብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ዝመጹ ሓይልታትን ካብ ጎረቤት ሃገር ኤርትራ ዝመጹ ወተሃደራትን ዝፈጸምዎ ገበናት ዝሽፍን እዩ ።

ኵሎም ወገናት ፡ ሰላማውያን ሰባት ብምቕጥቃጥን ብምቕታልን ፡ ብጉጅለ ጾታዊ ዓመጽን ዓሌታዊ መሰረትዝገበረ ማእሰርቲን ብምእሳርን ተኸሲሶም ኣለዉ።

"ኣብዚ እዋን ኩሎም ናብ ግጭት ትግራይ ዝኣትዉ ወገናት ንኣህጉራዊ ሰብኣዊ መሰላት ፣ ሰብኣውን ስደተኛታትን ሕጊ ዝጠሓሱ እዮም ኢልና ክንኣምን ንኽእል ምኽንያት ኣለና ። ገለ ካብዚ ብገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ክቝጸር ይኽእል እዩ " ብምባል ሚሸል ባቸለት ናይ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ገሊጻ ።
ካብቲ ጸብጻብ እተረኽበ ርኽበታት መሰረት ዝገበረ ሕጋዊ ስጕምቲ ንምውሳድ ዘኽእል እንተ ኰይኑ ብኡብኡ ንጹር ኣይተገብረን ። ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣባላት ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኣይኰናን ፣ ስለዚ እቲ ቤት ፍርዲ ነዘን ሃገራት ክከሰን ናይ ገዛእ ርእሱ ስልጣን የብሉን ።

እቲ ጸብጻብ ፡ ዓለምለኻዊ መስርሕ ፍትሒ ክህሉ ከም ዝከኣል ሓበረ ፣ እዚ ድማ ፡ ናይ ኢትዮጵያ መርመራታት እኹል ከም ዘይኰነ ፡ ምስ ኣህጉራዊ መለክዒታት ኵሉ ሳዕ ከም ዘይሰማማዕ ፡ ኵሉ ሳዕ ድማ ንጹር ከም ዘይኰነ ሓበረ ።

እቲ ጸብጻብ 269 ቃለ-መጠይቓትን ፡ ብዙሕ ካብቲ ጸብጻባት ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ወተሃደራዊ መደበራት ዘካየድዎ ግፍዕን ጾታዊ ዓመጽን ስእላዊ ዝርዝራት ዝሓዘ እዩ ።

ኤርትራ ን መርመርቲ ምትሕብባር ኣብያ እያ ፡ እንተኾነ ግን ኣብ ዝሓለፈ እዋን ሰፊሕ ሰነድ እናሃለዋ ሓይልታታ ዓመጻትን ምድፋርን ኣገበሩን ኢላ ክሒዳ እያ ።

 

ኢትዮጵያ ፡ ገለ ወተሃደራት ውልቀ-ሰባት ብዝፈጸምዎ ጾታዊ ዓመጽን ቅትለትን ኣብ ፍርዲ ከምዝቐርቡ ገሊጻ ኣላ ። መንግስቲ አምሓራ ግና ነቲ ዝተፈጸመ መግሃስቲ ነጺጉ ።

ወሃቢ ቃል ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ጌታቸው ረዳ ቅድሚ ሕጂ ሓይልታት ትግራይ መግሃስቲ ፈጺሞም እዮም ንዝብል ክሲ ምንጻጉ ይፍለጥ፡ እንተኾነ ግን ገለ "ዉልቀሰባት" ትግራይ ጥሕሰት ፈጺሞም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ኢሉ ኔሩ።

እቲ 100 ገጽ ዘለዎ ጸብጻብ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ከተማ ኣክሱም ከባቢ 100 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተሉ ፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ደቡባዊ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ሰለስተ ዓድታት ኣስታት 70 ሰባት ካብ ኣባይቶም ኣውጺኦም ከም ዝቐተልዎምን ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ከተማ ማይ ካድራ ከባቢ 200 ዝኾኑ ኣምሓራ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተሉን ፡ ድሕሪ እዚ ገበን ድማ ብኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ትግራይ ሕነ ምፍዳይ ከም ዝፈጸሙን እቲ ጸብጻብ ይገልጽ ።
እቲ ጸብጻብ ከም ዝሓበሮ ፡ እቲ ኵነታት ኣድካሚ ኣይነበረን ። እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ፡ ኣብ ትግራይ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንኣህጉራዊ ሕጊ ብምጥሓስ ፡ ኤርትራውያን ወተሃደራት ነቶም ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከም ዘግደዱ ከሲሱ ።

እቲ ጸብጻብ ንኹሎም ወገናት ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ረድኤት ምዕጋት ከም ዝኸሰሶም ፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ብሓላፊ ረዲኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተኸሰሰሉ ፡ ጥሜት ከም መሳርሒ ኲናት ይጥቀመሉ እንተነይሩ ከረጋግጽ ከምዘይከኣለ ገሊጹ ።

እቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝጀመረ ግጭት ፡ ኣብ ትግራይ ከባቢ 400,000 ሰባት ብጥሜት ተጠቒዖም ፡ ኣሽሓት ሰላማውያን ሰባት ተቀቲሎም ፡ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ልዕሊ 2.5 ሚልዮን ሰባት ድማ ካብ ኣባይቶም ክሃድሙ ተገዲዶም ።


Share

Published

Source: AAP, SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service